ዝተጠምቀ ዘበለ ሰብ ኩሉ ኣባል ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ሕጂ ኸዓ ኣኅዋተይ! ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፡ ብእኡ ድማ ጸኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ። ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል ኣጽኒዕኹም ኂዝኩምዎ እንተሊኹምስ ብእኡ ድኂንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና እምነትኩም ከንቱ እዩ’ (1ቆሮ 15፡1-2)።

“ዝኻበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብታ ዝሓለፈ ሶሙን ዝገበርናያ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ "ጉባኤ" ዝበልናዮ ማለት ከም ካልኣይ ጉባኤ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተገብረ ቀዳማይ ጉባኤ ቤተክርስትያን ምስ ስብከተ ወንጌል ዝተኣሳሰረ ሕቶ ማለት ነቶም ዕብራውያን ዘይኮነ ንብሥራት ሠናይ ዜና ወንጌል ብከመይ ይገበር ዝብል ነበረ። እዚ ከኣ ብሥራት ስብከተ ወንጌል ንዕብራውያን ጥራይ እዩ ቢሎም ይኣምኑ ስለዝነበሩ እዩ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ካልኣይ ኢኩመኒካዊ ጉባኤ ቫቲካን ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣብ ጒዕዞ መንፍሳዊ ንግደት ዝርከብ ህዝቢ እግዚኣብሔር ብባህሪኣ ድማ ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈረት ገቢሩ ኣቕረባ (ሰነድ ንኣህዛብ 2)። እዚ እንታይ ማለት እዩ? እንተበልና ኣብ መንጎ ቀዳማይን ናይ መወዳእታን ጉባኤታት ቤተክርስትያን ኣብ ምልክት ስብከተ ወንጌል፡ ከም መራኸቢ፡ ሃንዳሲኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ድልድል ኣሎ ማለት እዩ። ሎሚ እስከ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንታይ ከምዝብለና ንሰማዕ። ስብከተ ወንጌል ኩሉ ግዜ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት እምበር ፈጺሙ ብሕታዊ ወይውን ንጹል ኣገልግሎት ኮይኑ ኣይፈልጥን። ከማኡ ብምንም ተኣምር ውልቃዊ ጉዳይ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ስብከተ ወንጌልከስ ኩሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣብ ማእከል ማሕበረክርስትያን ኮይኑ ብዘይ ምንም ተበግሶ ምስዳዕ እዩ ዝግበር። ከተስድዕ ምፍታን ስብከተወንጌል ኣይኮነን። ከም ሓቁ ስብከተወንጌል ወትሩ ነቲ ዝተቐበሎ እዩ ዘመሓላልፍ። ንመጀመርታ ግዜ ዝጸሓፎ ቅዱስ ጳውሎስ እዩ፣ እቲ ንሱ ዘበስሮን እቶም ማሕበረሰባት ዝተቐበልዎን ዝጸንዑሉን ወንጌል እቲ ሓዋርያ ብግዲኡ ዝተቐበሎ ወንጌል እዩ (1ቆሮ 15፡1-3)። እምነት ይቕበል እምነት ድማ የመሓላለፍ። እዚ ቤተ ክርስቲያናዊ ጒዕዞ ምትሕልላፍ መልእኽቲ ድሕነት ቀያድን ንሓቅነት ናይቲ ክርስትያናዊ ኣዋጅ ዘረጋግጽን እዩ። ጳውሎስ ባዕሉ ንሰብ ገላትያ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፈሎም "ንሕና ወይውን ካብ ሰማይ ዝመጸ መልኣኽ እውን ይኹን ካብቲ ዘበሰርናልኩም ወጻኢ ካልእ ወንጌል እንተ ኣበሰረኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን" (1፡8)። እዚ ጽቡቕ እዩ! እንተኾነ እዚ ጸገም ካብቶም ዕለት ዕለት ሓዲስ ፋሽንን ራእይን ሒዞም ዝመጹ ሰባት ዝመጽ ጸገም እዩ። ስለዚ መዔቀኒ ቅንዕና ስብከተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያናዊ መዳይ ንሓዋርያዊ ቅንኣት ንምርግጋጽ ይኸውን። ኣድላዪ ምርግጋጽ እዩ፡ ምኽንያቱ ከኣ "በይንኻ" ክትቅጽል ናይ ምድላይ ፈተና ኩሉ ግዜ ተሸፊኑ ስለዝቀርብ እዩ። ብፍላይ እቲ መንገዲ ጽንኩር ምስ ዝኸውንን ክብደት ናይቲ ተወፋይነት ምስ ዝስምዓናን እዚ ፈተና ይቅልቀል። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሓደገኛን ዝቐለለ ናይ ሓሶት ቤተ ክርስቲያናዊ መንገድታት ክንክተልን፡ ዓለማዊ ስነ-መጐት ብዝሕን ዕብለላን ዘአንግድ ዳህሳሳትን ክንቅበል ንኽእል። ክንዲ ብምርሒት መንፈስ ወንጌል ብሓይሊ ሓሳባትናን፡ መደባትናን፡ ቅልጽምናን፡ "ኣገደስቲ ዝምድናታት" ከም እንህንጠ ዝገብር ፈተና እዩ። እዚ ግን ጌጋ እዩ፣ ምናልባት ቁሩብ ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን እንተኾነ ንሓቂ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሰብኽ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበካ እዩ። እቲ ካልእ ነገራት ካልኣዊ እዮም። ሕጂ እምበኣር ኣሕዋትን ኣሓትን! ነቲ ንኣህዛብ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግም ገለ ቊጽርታት ብምንባብ ብዝያዳ ብቐጥታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንመልከት። እዚ ኣድ ጀንተስ ንኣህዛብ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያን ይዛረብ። እቲ ጽሑፋት ኣብቲ ዝተሓላለኸን ብዙሕነት ዚዓብለሎን ኵነታትና እውን ከይተረፈ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ትርጉሞም ምሉእ ብምሉእ ዓቂቦም ይርከቡ። ብቐዳምነት እዚ ሰነድ እዚ ማለት ኣድ ጀንተስ ንኣህዛብ ዝብል ሰነድ፡ ንፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ከም ሓደ ዘይነጽፍ ምንጪ ክንቆጽሮ ይዕድመና። በዚ ከኣ "መወዳእታ ብዘይብሉን መሓርን ሓራ ዘውጽእን ለውሃቱ ዝፈጠረና፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብጸጋኡ ኣብ ሕይወቱን ኣብ ክብሩን ንክንሳተፍ ይጽውዓና"። ጸዋዕታናኸስ እዚ እዩ። ካብ ፍጹምን ምሉእን ዝኾነ ልግሱ ተበጊሱ መለኮታዊ ሠናይነቱ ኣፍሲሱን የፍስሶን ኣሎ። ምእንቲ ከምቲ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ፣ ከምኡ እውን "ኩሉ ኣብ ኩሉ" ክኸውን ይኽእል (1ቆሮ 15፡28)፣ ከምኡውን ብሓባር ክብሩን ሓጐስናን ከምእክንረክብ ይገብረና (ቁ. 2)። እዚ ክፍሊ እዚ መሰረታዊ እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣቦ ከም ዕላማ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ይዕደል። ፍቕሪ ኣምላኽ ንውሑዳት ጉጅለ ጥራይ ኣይኮነን ዝተዓደለ፡ ኣይፋሉን! ንኹሉ ሰብ እዩ። ነዛ ቃል እዚኣ ኣብ ርእስኻን ኣብ ልብኻን ጽቡቕ ጌርካ ኣቐምጥ። ኩሉ ሰብ፡ ኩሉ ሰብ እዩ ዝብል ዘሎ፡ ዝተገለለ ሰብ የለን ይብል ኣሎ። እዚ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ድማ ብተልእኾ ኢየሱስ መንጐኛ ድሕነትን ተበጃውነትናን ዝኾነ ተገሊጹ(ናብ ኣህዛብ፡ 3)፡ ከምኡ’ውን ብተልእኾ መንፈስ ቅዱስ ቀጺሉ(ናብ ኣህዛብ፣ 4)። እዚ ድማ፣ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ኩሉ ሰብ፣ ኣብ ዝተጠመቑን ኣብ ዘይተጠመቑን እዩ ዝሰርሕ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ኩሉ ይሰርሕ! ካብዚ ብምቅጻል እቲ ጉባኤ ዕዮ ገዛ ወይውን ተልእኮ ቤተክርስትያን "ሠናይ ብስራት ናብ ድኻታት ከብጽሕ ናይ ዝተላእከ ክርስቶስ" ተልእኾ ምቕጻል ምዃኑ የዘኻኽር። ስለዚ ድማ እንክብል እቲ ሰነድ ይቕጽል እሞ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ፡ መንፈስ ክርስቶስ፡ ነቲ ዝኽተልዎ መንገዲ ማለት መንገዲ ድኽነት፡ ተኣዛዞን፡ ኣገልግሎትን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ናይ ገዛእ ርእሱ መስዋእትን ብምውፋይ ካብኡ ድማ ዳግማይ ብምትንሣእ ተዓዋቲ ኮይኑ ወጸ" ይብል(ናብ ኣህዛብ፡ 5)። ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ነዚ "መንገዲ" እዚ እሙን ኮይኑ እንተቀጺሉ፡ "ምግላጽ ማለት ኤፒፋኒን ምግሃድን መለኮታዊ መደብ ኣብ ዓለምን ኣብ ታሪኽን" እዩ (ናብ ኣህዛብ 9)። ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ሓጸርቲ መዘኻኸሪታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ናብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈረ ወደ መዝሙር ሓዋርያዊ ቅንኣት ቤተ ክርስቲያናዊ ስምዒት ንምርዳእ እውን ክሕግዛና እየን። ሓዋርያዊ ቅንኣት ስምዒታዊ ምውዕዋዕ ዘይኮነስ ካልእ ነገር እዩ፣ ከነኽብሮ ዝግበኣና ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ። ትርጉሙ ክንርድኦ ይግባእ ምኽንያቱ ኣብታ ኣብ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት እትርከብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝኾነት ሰባኺት ወንጌል ቤተክርስትያን እንተ በቲ እንተ በዚ ንወንጌል ዝሰብኩ ንጡፋትን ተሓላቒን ተገዛእቲ ስቕ ዝብሉን የለዉን። ኣይፋሉን "ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ - ይብል ኢቫንጀሊ ጋውድየም - ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዕዮ ይኹን ደረጃ ትምህርቱን እምነቱን ብዘየገድስ፡ ዝተጥምቀ ዘበለ ኩሉ ንጡፍ ልኡኽ ስብከተ ወንጌል እዩ" (ሓዋርያዊ ምዕዳን ኢቫንጀሊ ጋውድየም፡ 120)። ንሓደ ካባኹም ክርስትያን ዲኻ? ቢለ ምስ ዝሓቶ እሞ “እወ ጥምቀት ተቐቢለ...” ቢሉ ምስ ዝምልሰለይ፣ ኣጥቢቀ ዝሓቶ ወንጌልከ ትሰብኽ ዲኻ? ትብል ትኸውን። ምናልባት ንሱ ቀጺሉ “እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ...?” ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ኸኣ ደጊመ ወንጌል እንተዘይሰበኽካ፡ ምስክርነት እንተዘይሂብካ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ጥምቀት፡ ናይቲ ጎይታ ዝሃበካ እምነት ምስክርነት እንተዘይሂብካ፡ ሓቀኛ ክርስትያን ኣይኮንካን። ብመሰረት እቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ዝመጽእ ሳዕቤን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምውህሃድን ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ኣብኡ ድማ ኣብ ተልእኾ ክርስቶስ ንጉሥን ካህንን ነብይን ይሳተፍ። ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ዕማም እዚ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታን ኣብ ኩሉ ኩነታትን ሓደን ዘይልወጥን እዩ፡ ዋላ'ውን ብዝተፈላለየ ኩነታት እምበር ብሓደ ዓይነት መንገዲ እንተዘይተፈጸመ" (ናብ ኣህዛብ, 6)። እዚ ማለት ግን ንነብስና ኣብ ምድንዛዝን ኣብ ዘሎኻ ደሪቅካ ምትራፍን ከይንወድቅ ይዕድመና። ከምዚ ካብ ምዃን እግዚአብሔር ይሰውረና። ናይ ሓደ ኣማኒ ስብከተ ወንጌላዊ ሓዋርያዊ ቅንኣት ፈጠራዊ ሃረርታ ዝተሓውሶ ሓድሽቲ መገድታት ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን ከሕድር፡ እዚ ሓድሽቲ መገድታት እዚ ከኣ ምስቲ ክርስቶስ ኣብ ዝለበሳ ቊስልቲ ሰብኣውነት ብምግጣም ይግለጽ። ብሓጺሩ ንኣገልግሎት ወንጌል ምውፋር ማለት ንደቂ ሰባት ኣገልግሎት ንምሃብ ሓድሽ መገድታት ምምሃዝ እዩ። ስብከተ ወንጌል ኣገልግሎት እዩ። ሓደ ሰብ ንርእሱ ወንጌላዊ ኢሉ ዝጽውዕን ከማኡ ዚሓስብን፡ እሞ ኸኣ ናይ ኣገልጋሊ ልቢ ዘይብሉን፡ ንርእሱ ጎይታ ገቢሩ እንተኣሚኑን፡ ወንጌላዊ ኣይኮነን፡ ኣይፋልን! እዝስ ድኻ ሰብ እዩ። ናብቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣቦን ናብ ተልእኾታት ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምምላስከስ ኣብ ዘይንቀሳቀስ ውልቃዊ ቅሳነት ዘለዎም ቦታታት ኣይዓጽወናን እዩ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ናይ ሕይወት ምልኣት ውህበት፡ እዚ ከኣ እቲ ንእግዚኣብሔር እነመስግነሉን እንውድሰሉን ህያብ፡ ንከነለሊ ይመርሓና።እዚ ህያብ እዚ ግን ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንካልኦት ንክንዕድሎ እዩ። ከምኡ’ውን ነቲ ዝረኸብናዮ ንኻልኦት ብምክፋል፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒትን ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝተሓላለኸን ኣጸጋምን መንገድታት ታሪኽ ምስ ዝኸዱ ብሓባር ብምጉዓዝን፡ ንፍጻመኡ ብጥንቃቐን ጻዕርን ክንጽበ ይመርሓና። ነዚ ጸጋ እዚ ንጐይታ ንለምኖ፣ ነዚ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኣብ ኢድና ሒዝናኸስና ንጐይታ በቲ ዝሃበና መዝገብ ነመስግኖ። ንዝተቀበልካዮ ንኻልኦት ከተመሓላልፎ ፈትን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
08 Mar 2023, 15:00
ንኩሉ ኣንብብ >