ብስም እግዚአብሔር ቅትለት ኣይፍጸምን! እኳ ደኣ ስለኡን ስለ ኣሕዋትን ሕይወትካ ይውፈ! ር.ሊ.ጳ
“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ቅንኣትን ምዝራብናን፡ ናይዚ ሓዋርያዊ ቅንኣት ሓቀኛ ኣብነት ደማ ምስክርነት ቅዱስ ጳውሎስ ምዃኑ ምግንዛብን፡ ሎሚ ጠመተና ናብ ናይ ሓደ ግለሰብ ኣብነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ሠራዊት ሰማእታት፡ ናብቶም ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ኩሉ ዘመንን ቋንቋታትን ሃገራትን ምእንቲ ክርስቶስ ሕይወቶም ዝሃቡ፡ ንክርስቶስ ክምስክሩ ደሞም ዘፍሰሱ ክኸውን እዩ። ድሕሪ እቶም ብዝበለጸ "መሰኻኽር" ወንጌል ዝነበሩ ሓዋርያት ዘመን ዝሰዓቡ ሰማዕታት ነበሩ። በዂሪ ሰማእታት: ዲያቆን ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ደገ መናድቕ ኢየሩሳሌም ብእምኒ ዝተቐትለ እዩ። "ሰማእትነት" ዝብል ቃል ካብ ናይ ግሪኽ ማርቲርያ ዝመጸ ኮይኑ፡ ብሓቂ ምስክርነት ማለት እዩ። ማለት ሰማዕት እንክንብልስ ምስክር ማለት ኮይኑ፣ ደም ክሳብ ዘፍስስ ዝምስክር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ሰማዕት ዝብል ቃል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ምፍሳስ ደም ምስክርነት ንዝህበ ንምምልካት ክጥቀመሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን። እቲ ምስክርነት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መስዋዕትነት እዩ። ድሒሩ ግን ነቲ ህይወት ምእንቲ ክዘርእ ደም ንዘፍስስ ተጠቅሙሉ። እንተኾነ ሰማእታት ብውልቂ ዝዋስኡ "ጀጋኑ" ከም ኣብ በረኻ ዝበቖሉ ዕምባባታት ኣይኮነን ዝረኣዩ፣ እንታይ ደኣ ኣብታ ኣታኽልቲ ወይኒ ጎይታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዝበሰሉን ብሉጻትን ፍረታት ኮይኖም እዮም ክረኣዩ ዘለዎም። ብፍላይ እቶም ኣብ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ብዓቢይ መንፈሳውነት እናተሳተፉ ብመንፈስ ተመሪሖም፡ ሕይወቶም ኣብ መሰረት እቲ ምስጢር ፍቕሪ ዝተኸሉ፡ ማለት ጐይታ ኢየሱስ ሕይወቱ ምእንታኦም ስለዘወፈየ ንሶም እውን ብግዲኦም ንዕኡን ምእንቲ ኣሕዋቶምን ህይወቶም ከወፍዩ ዝኽእሉን ዘወፍዩን ነበሩ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ልግሲ ኮይኑ ክትክተሎ ዘሎካ፡ መንገዲ ክርስትያናዊ ምስክርነት እዩ። ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብዙሕ ግዜ ነዚ ተግባር እዚ ዓቢይ ተግባር ምስጋናን ፈቲኻን ረዲኻን ወሮታ ምምላስ ምዃኑን የጒልሖ ነበረ። ንኣብነት ኣብ በዓል ሰማዕት ቅዱስ ሎረንዞ ኣብ ዝሰበኾ፡ «ቅዱስ ሎረንዞ ዲያቆን ቤተ ክርስቲያን ሮማ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ኣብቲ ዓዳሊ ደም ክርስቶስ ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ቤተክርስትያን ድማ ብስም ክርስቶስ ደሙ ኣፍሰሰ። ነቲ ብሩኽ ሓዋርያ ዮሓንስ ምስጢር ድራር ጐይታ፣ "ከምቲ ክርስቶስ ምእንታና ሕይወቱ ዝሃበ፡ ከምኡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ሕይወትና ኣሕሊፍና ክንህብ ይግባእ" (1ዮሃ 3፡16) ብማለት ኣነጺሩ ንዝገለጾ፣ ሎረንዞ ምሉእ ብምሉኡ ተረዲእዎ እዩ። ተረዲኡ ከኣ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ። ነቲ ኣብቲ መኣዲ ዝረኸቦ ጐይታ ብሓቂ መልሲ ሂብዎ። ንክርስቶስ ኣብ ሕይወቱ ኣፍቀሮ፣ ኣብ ሞቱ ድማ መሲልዎ" (Disc. 304, 14; PL 38, 1395-1397) ይብል። በዚ ድማ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ነቲ ንሰማእታት ህያው ዝገበረ መንፈሳዊ ሓይሊ ይገልጽ። በዚ ቃላት እዚ ገቢሩ ከኣ ሰማእታት ንክርስቶስ ኣብ ሕይወቶም የፍቅርዎ ኣብ ሞቱ ድማ ይመስልዎ። ሎሚ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኩሎም እቶም ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ዘሰንዩ ሰማእታት ንዝክር። ከምቲ ኣቐዲመ ብዙሕ ግዜ ዝበልክዎ ኣብ ዘመንና ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ክፍለ ዘመን ክርስትና ብዝበዝሑ ሰማዕታት ኣለውና። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ሰማእታት ኣለዉ፣ ብሓቂ ብዙሓት፣ ምኽንያቱ ከኣ እምነት ክርስትና ብምምስካሮም ካብ ሕብረተሰብ ይባረሩ ወይውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጐኑ! ይስደዱ ይሳቀዩ ይሞቱ! ብዙሓት ከኣ እዮም። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን "ሰማዕትነት፡ እቲ ወደ መዝሙር ንድሕነት ዓለም ብናጽነት ሞት ጎይታኡ ዝመሳሰል ዝቕበለሉ፡ በዚ ድማ ኣብ ምፍሳስ ደም ምስኡ ዝመሳሰለሉ ኮይኑ፡ እዚ ወደ መዝሙር ብቤተክርስትያን ዝኸበረን ብሉጽን ህያብን ከማኡ እውን ዝለዓለ ምስክር ኮይኑ ይቁጸር። " (Const. Lumen gentium, 42)። ሰማእታት ንኢየሱስ ብምምሳልን ብጸጋኡን፡ ዓመጽ ናይቶም ነቲ ስብከተወንጌል ኣብዮም፡ ንዝሳቐይዎም ይቕረ ክሳብ ናይ ምባል ደረጃ ዝበጽሕ ልዑልን ዓብን ናይ ፍቕሪ መግለጺ ከምዝኾኑ ይገብሮም። እዚ መሳጢ እዩ: ሰማእታት ኩሉ ግዜ ነቶም ዘሳቕይዎም ይቕረ ይብሉ። እስጢፋኖስ ቀዳማይ ሰማዕት "ጎይታይ ይቕረ በለሎም እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣይፈልጡን እዮም" ኢሉ እናጸለየ ሞተ። ሰማእታት ስለ ዘሳቅይዎም ይጽልዩ። ሽሕ’ኳ ውሑዳት ጥራይ ንሰማዕትነት ዝሕተቱ እንተኾኑ፡ "ኩሎም ኣመንቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንክርስቶስ ክምስክሩን ነቲ ቤተክርስትያን ወትሩ ዘይፍለያ ኣብ እዋን ስደት ንጐይታ ኣብ መንገዲ መስቀል ክስዕብዎ ድሉዋት ክኾኑን ኣለዎም’ ይብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን። እዚ ዓይነት ስደት እዚ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ቤተክርስትያን ጥራይ ዶ ነሩ! ቢልና ምስ እንሓትት ግን ኣይፋልን እዩ እቲ መልሱ። ከመይ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ስደት ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ናይ ሎሚ ሰማእታት ካብቶም ናይ ቀዳሞት ዘመናት ይበዝሑ። ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም። በዚ መንገዲኸስ ሰማእታት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንኢየሱስ ብምምሳል ንርእሱ ንእግዚኣብሔርን ንኣሕዋቱን ህያብ ብምግባር ደም ምፍሳስ ኣብ ዘይሓወሰሉ እዋን እውን እንተኾነ ንህይወት ክምስክር ከም ዝተጸውዐ የርእዩና። ሎሚ ነዚ ኣስተንትኖ እዚ ንምዝዛም ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ዘሎ ክርስትያናዊ ምስክርነት ብምዝኽኻር ክዛዝሞ እፈቱ። ንኣብነት ኣብ ሃገረ የመን፡ ብዘስካሕክሕ መንገዲ፡ ኣብ ዝተረሰዐ ኲናት ንብዙሓት ሞት ዘስዓበን ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናት ዝሳቐየላን መሬት የመን እየ ዝሓስብ ዘለኹ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ልክዕ ከም ናይተን ኣብኡ ህይወተን ዘወፈያ ሚስዮናውያን መነኮሳት ዝኣመሰሉ ብርሃናውያን ምስክርነት እምነት ተራእዮም እዮም። ሎሚ እውን እንተኾነ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ሰማዕትነት ኣሕዋተን ገና ኣብ የመን ይርከባ፣ ንሕሙማት ኣረጋውያንን ስንኩላንን ሓገዝ የወፍያ ኣለዋ። ገለ ካብኣተን ምስ ካልኦት ሰማእትነት ኣጋጢምዎም፡ እተን ዝተረፋ ከኣ ምስ መሳርሕተን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ንቕድሚት እናገስገሱ ተልእኮኦም ይቕጽሉ ኣለዉ። እዘን መነኮሳት እዚአን፡ ንኹሉ ሰብ፡ ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ይቕበላ፡ ምኽንያቱ ከኣ ግብረሠናይን ሕውነትን ዶብ ስለዘይብሎም እዮም። ብወርሒ ሓምለ ናይ 1998 ሓፍትና ኣለታ፡ ሓፍትና ዘልያን ሓፍትና ሚካኤላን፡ ድሕሪ ቅዳሴ ናብ ገዝአን ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራ እዋን፡ ክርስትያን ብምዃነን ጥራይ ብሓደ ኣኽራሪ ተቐቲለን እየን። ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብወርሒ መጋቢት 2016፡ ሓፍቲ ኣንሰልም፡ ሓፍቲ ማርጋሪት፡ ሓፍቲ ረጂኔትን ሓፍቲ ዩዲትን ምስ ገለ ካብቶም ንድኻታት ንምርዳእ ኣብ ስራሕ ግብረ ሰናይ ዝሓገዙዎም ዓለማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ናይ ዘመንና ሰማእታት እዮም። ካብዞም ዝተቐትሉ ዓለማውያን ሰባት ብዘይካ ክርስትያን ካልኦት ምስተን መነኮሳት ዝሰርሑ ምእመናን ኣስላም እውን ነይሮም። ምስክርነት ደም ከመይ ጌሩ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ክጥርንፎም ከም ዝኽእል ክንርኢ ይድረኸና። ሓደ ሰብ ብስም ኣምላኽ ፈጺሙ ክቐትል የብሉን፣ ምኽንያቱ ንዕኡ ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። ብሓባር ንኻልኦት ህይወትና ክንህብ ንኽእል ኢና። እምበኣር ኣብ ግዜ ጸበባ እውን እንተኾነ ስለ ምስክርነት ወንጌል ከይደኸምና ንጸሊ። ክሳብ ኣምላኽ ብኩሉኩሉ ኣብ ኩሉ ዝኸውን (1ቆሮ 15, 28) መንግስቲ ሰማይ ምሉእ ብምሉእ ክትግለጽ እናተጸበና ኩሎም ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሰማእታትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ንዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ዓለም ዘርኢ ሰላምን ዕርቅን ይኹኑና፣ እግዚአብሔር ይሃበለይ።”
