ሎሚ ኣብ ዓለምና ቈጺርካ ዘይውዳእ ጓሂ ኣሎ! ሠናይ ነገር ምግባር ተስፋ ይዘርእ! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!
ዝሓለፈ ሰንበት ሥርዓተ ኣምልኾና ሶሙነ ሕማማት ንምጅማር ስቃይን ሕማማትን ጐይታ ኣቅሪቡልና። እቲ ቃል ወንጌል በዘን ቃላት እዚኤን ይዛዘም፡ ‘ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማኅተም ኃቲሞም’ (ማቴ 27፡66)። ኩሉ ዝተዛዘመ ይመስል። ንደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ እቲ እምኒ መቃብር ተስፋኦም ኣብ ዕጽው ማዕጾ ከምዝበጽሔ እዩ ዚሕብር። መምህሮም ተሰቒሉ፡ ብዙሕ ጨካንን ውርደትን ብዝመልኦ መንገዲ ተቐቲሉ፡ ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ሞተ። እዚ ወግዓዊ ፍሽለት እዚ ከኣ፡ ዝኸፍአ ፍጻሜ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። እቲ ሽዑ ናይቲ ግዜ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዓፊኑ ሒዙ ዝነበረ ተስፋ ምቑራጽ፡ ንዓና ነቶም ናይ ሎሚ ደቀመዛሙርቱ እውን ምሉእ ብምሉእ ጋሻ ጉዳይ ኣይኰነን። ጽልምት ዝበለ ሓሳባትን ናይ ብስጭት ስምዒታትን ኣባና እውን ይዂመር እዩ። ስለምንታይ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንድዙይ ዚኣክል ዘይምግዳስ? እዚ ንኽትፈልጦ ዘገርም እዩ: ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ክንድዚ ዘይምግዳስ? ስለምንታይ ኣብ ዓለም ብዙሕ ክፍኣተ ግብሪ? ኣብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ክፍኣተ ግብሪ ነጊሡ ከምዘሎ ትምልከቱዶ ኣሎኹም! ስለምንታይ እዩ ዘይምዕሩይነት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን እቲ ኩሉ ዝናፍቆ ሰላም ዘይመጽእን? ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ክንደይ ዘይተፈጸመ ትጽቢታት፡ ክንደይ ተስፋ ምቑራጽ ዘይረኤ! እቲ ዝሓለፈ ዘመን ዝሓሸ ምንባሩን ኣብ ዓለም ምናልባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ነገራት ከም ቀደሞም ኣይከዱን ዝብል ስምዒት ወዘተ ኣይሰኣኑን። ስለምንታይ ኢናኸ ክሳብ ክንድዚ ምስ ውግእን፡ ኣብ ነንሕድሕድና ምጉዳእን ተጣቢቕና ዘለና? ብሓጺሩ ሎሚ’ውን እንተኾነ ተስፋና ከምቲ ናይ ኢየሱስ መቃብር ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ትሕቲ ገዚፍ እምኒ ዘይምትእምማን ዝተሓትመት ትመስል። ንነፍሲ ወከፍኩም ብዛዕባ እዚ ክትሓስቡ እዕድም። ተስፋኹም ኣበይ ኣሎ? ንስኻ ህያው ተስፋ ኣለካ ድዩ ወይስ ኣብኡ ዓሺግካዮ ኣሎኻ! ወይ ከኣ ከም መዘከርታ ኣብ ሳጹን ኣቀሚጥካዮ ኣለካ? ንምዃኑ እታ ዘላትካ ተስፋ ክትከይዶ ትደፋፍኣካ ወይስ ከም ዘይነበረ ፍቕራዊ ዝኽሪ እዩ? ሎሚ ተስፋኻ ኣበይ ኣሎ?
ኣብ ኣእምሮ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ሓደ ዘይሓስስ ምስሊ ጸኒዑ ተረፈ። ንሱ ድማ መስቀል እዩ። ኩሉ ኣባኡ ተፈጺሙ። ናይ ኩሉ መወዳእታ ኣብኡ ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣብኡ ማለት ኣብ መስቀል ሓድሽ ተበግሶ ሓዲስ መጀመርታ ክረኽቡ እዮም። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ተስፋ እግዚኣብሔር በዚ ኸምዚ እዩ ዝበቁል፣ ካብ ግብ ዝበለ ናይ ጸላም ህሞታት ዝፈሽለ ተስፋታትናን ትጽቢታትናን ይምንጩን ዳግማይ ይውለድን። እቲ ሓቀኛ ተስፋ ማለት ተስፋ እግዚአብሔር ብምንም ተኣምር ኣይትጠልምን እያ። ብትኽክል ብዛዕባ መስቀል እንክንሓስብ: ኣምላኽ ካብቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መጋበሪ ስቅያት ዝዓበየ ምልክት ፍቕሪ ኣርእዩና። እቲ ዕፀ ህይወት ዝኾነ ዕንጨይቲ ሞት፡ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ንሕና ኣኺሉ ተወዲኡ ቢልና ኣብ ፍጻሜ ኣብ ዝበጻሕናሉ ከም ዝጅምር የዘኻኽረና: በዚ ኸኣ ተኣምራት ምግባር ይፈቱ። ሎሚ እምበኣር ተስፋ ኣባና ምእንቲ ክበቁል ነዚ ዕንጨይቲ መስቀል ኣተኲርና ንጠምቶ፣ በዚ ከኣ ካብቲ ኣሕሚሙና ዘሎ ጓህን፣ ካብቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን እንብክለሊ ዘሎና ምረትን ክንፍወስ ኢና። ንመስቀል ንጠምቶ። እንታይከ ኢና ንርኢ፧ እንተበልና ክዳኑ ተገፊፉ ዕራቁ ዝኾነን ዝቆሰለን ኢየሱስ ንርኢ። እቲ ዕለት ዕለት ብሱቊታ እነዘውትሮ መንፈሳዊ ሓይሊ ትሕትና እዩ። ድኽመት ይመስል እንተኾነ ብክልተ እግርና ደው ቢልና ንቅድሚት ንክንግስግስ ይሕግዘና። ብዘይ ተስፋ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። እስኪ ነስተንትንን! ኣበይ ኣሎ ተስፋይ? ሎሚ፡ ተስፋ ኣብ ውሽጥና ክበቁል: ካብ ጓሂ ክንፍወስ ነታ ዕንፀይቲ መስቀል ንጥምት! እንተኮነ ግን፡ ክንደይ ዝጐሃዩ ሰባት ከምዘለው ንዘክር። ኣነ በዛ ነፍሰይ ናብ ጎደናታት ዘወን ክብል ኣብ ዝኽእለሉ ዝነበረ እዋናት፡ ማለት ሕጂ ስለዘየፍቅዱለይ ኣይክልን! እንተኾነ ኣብታ ካልእ ሃገረ ስብከት ኣብ ዝነበርኩሉ ዘመብ ኣብ ጎደናታት ክኸይድ ኣብ ዝኸኣልኩሉ እዋን ግን ኣዒንቲ ሰባት ክጥምት እፈቱ ነረ። ክንደይ ዘሕዝን ትርኢት! ዘሕዝኑ ሰባት፡ ምስ ገዛእ ርእሶም ዝዛረቡ ሰባት፡ ገሊኦም ምስ ሞባይሎም ጥራይ ዘዕልሉ፡ እንተኾነ ግን ሰላም ዘይብሎም፡ ተስፋ ዘይብሎም ሰባት እዕዘብ ነረ። ሎሚኸ ኣበይ ኣሎ ተስፋኻ? ካብቲ ዝሓመምናሉ ሓዘን ክንፍወስ፡ ካብቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን እንብክሎ ምረት ክንሓዊ ቁሩብ ተስፋ የድሊ። ኣሕዋትን ኣሓትን ንመስቀል ንጥምት። እንታይከ ኢና እንርኢ፧ ክዳኑ ተገፊፉ ዕራቁ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ዝቆሰለ ኢየሱስ ዝሳቀ ኢየሱስ ክሳቐ ንርኢ። ናይ ኩሉ መወዳእታ ድዩ? ኣይፋልን! ተስፋና ኣብኡ ኣብቲ ዝተሰቅለ እዩ ዘሎ።
እስከ በዘን ክልተ ኩነታት እዚኣተን እታ ትቅህም እትመስል ተስፋ ከመይ ጌራ ዳግም ከም እትውለድ ክንርዳእ ነስተንትን። ብቐዳምነት ኢየሱስ ክዳውንቱ ክቕንጠጥ ንርኢ: "ምስ ሰቐልዎ ክዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቆም ተማቀልዎ" (ቁ. 35)ይብል። ኣምላኽ ክዳውንቱ ተቀንጢጡ: እቲ ኩሉ ዘለዎ ካብ ኩሉ ክሕረም ይፈቅድ። እንተኾነ እቲ ውርደት እቲ መንገዲ ምድሓን እዩ። እግዚአብሔርከስ በዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባና ይዕወት። እንተ ንሕና፡ ብሓቂ ዕራቅና ክንከውን፡ ሓቂ ክንዛረብ ይኸብደና፤ ስለ ዘይንፈትዎ ኩሉ ግዜ ነቲ ሓቅታት ክንሽፍኖ ንፍትን፤ ነቲ ንሕና እንደልዮን እንከናኸኖን ንክንከውን ደጋዊ መልክዕ ንምህዝ። ንነብስና ብኣምሰሉነት ንምሽፋንን ዝሓሸ ገጽታና ንምርኣይን ማስኬራ ማለት መሸፈኒ ንወዲ። ቁሩብ ናይ መመላኽዒ ወይውን ምቅንጃው ልምዲ: ውሽጣዊ መመላኽዒ ተጠቂምና: ካብ ካልኦት ዝሓሸ ትርኢት ክህልወና ሒዂ ንብል። እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ፣ ካልኦት ብዛዕባና ጽቡቕ ክዛረቡ ኣደናጊርካ ምኽኣል እዩ ኢልና ንሓስብ። ንርእስና ድማ ብመመላኽዒ፡ ብትርፊ ነገራት ንስልማ፤ በዚ መንገዲ ሓሶት እዚ ግና ሰላም ኣይንረክብን ኢና። እቲ መቀናጀዊ ብኡ ንብኡ ይሃስስ! እዚ ልክዕ ከምቲ ጸጸኒሕካ ንሕማቅ ገጽካ ኣብ መስትያት ምርኣይ እዩ። እንተ እታ እግዚአብሔር ዝፈትዋ ግን እዛ ክፍእቲ ገጽካ እታ ብበናኒ ነገራት ዝተቀናጀወት ኣይኮነን። እቲ ኩሉ ነገራቱ ዝተገፈ ኢየሱስ፣ ክልተ ገጽ ምውናን ወጊድ ቢልና ካብ ምስ ናይ ሓሶት ሰላማዊ ናብራ እንገብሮ ዝምድና ሓራ ምስ ኰና ተስፋና ሓቂ ብምግባር ማለት ንገዛእ ርእስኻ ነታ ሓቂ ቶግ ኣቢልካ ብምንጋር ዳግማይ ከም እትውለድ የዘኻኽረና። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓሶት ንነብስና ምዝራብ ስለ ዝለመድና፡ ሓሶት ከም ሓቂ መሲሉና ምስ ሓሶት ንነብር ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓሶትና ተመሪዝና ንተርፍ።
ቀንዲ ዝሰርሕ ጉዳይከስ ነቶም ተስፋ ዘጸልምቱ ዘይጠቅሙ ነገራት ከም ክዳን ኣውጺእና ብምድርባይ ናብ ልብና ናብታ መሠረታዊ ነገራት እትውንን ገርሀይና መነባብሮና ምልስ ምባል የድሊ። ክንደይ ዘይጠቅም ነገራትከ ዘይንሓስብ! ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ገዛ ንብዙሓት ሰባት ዝኸውን መሕደር ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብዚ ሶሙነ ሕማማት እዚ ኩልና ኣብ ኣርማድዮታትና ዘሎ ክዳውንቲ ክንርኢ ነቲ ትርፊ ዘሎ ምናዳ ዘይንጥቀመሉ ክንኣልዮ ዝብል ቅዱስ ሓሳብ ምስ ነቀለ ክንደይ ክዳውንቲ ከምዝተኣከበ ክነግረኩም ኣይክእልን። ዘየድሊ ነገራት ምቕንጣጥ ጽቡቕ እዩ። እዚ ድማ ናብ ድኻታት፡ ናብ ዝተጸገሙ ሰባት ተላእከከ። ንሕና እውን፡ ኣብ ውሽጢ ልብና ብዙሕ ዘይጠቅም ነገራት ኣሎና፣ ኣብ ደገ እውን። መቀመጥ ክዳውንትኹም ኣርማድዮታት እስኪ ሃሰስ በልዎ! እዚ ጠቓሚ እዩ፣ እዚ ዘይጠቅም እዩ እናበልካ ምጽራይ የድሊ። እስከ ሕጂ ከኣ ኣብ መቀመጢ ልብሲ ነፍሲ ንመልከት! ክንደይ ዘይጠቅም ነገራት ኣለካ: ክንደይ ዕሽነት ዝመልኦ ምትላል ኣለካ። ናብ ገርሀይና ናብራ እስኪ ንመለስ፡ ናብቲ ሓቀኛ ነገራትና ማለት መመላኽዒ ዘየድልዮም ጉዳያትና ምልስ ንበል። እነሆ እምበአር ጽቡቕ ልምምድ ኣብዚ ኣሎ!
እስከ ሕጂ እውን ንካልኣይ ግዜ ንመስቀል ንጥምት፣ ዝቆሰለ ኢየሱስ ክንርኢ ኢና። መስቀል ዘርእየናኸስ ነቲ ነእጋሩን ኣእዳውን ጐድኑን ዝሽንከረ ሽንካራት እዩ። እንተኾነ እዚ ቊስልታት ሥጋ ግን ኣብ ልዕሊ ቁስሊ ነፍሲ ይውሰኽ። ኢየሱስ በይኑ እዩ ዘሎ: በቶም ናቱ ተጠሊሙ: ኣሕሊፎም ሂቦሞ፣ ክሒዶሞ፣ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ብሰበሥልጣንን ተዀኒኑ፣ ብኣምላኽ እውን ከይተረፈ ዝተሓድገ ናይ ምዃን ምዃን ስምዒት ይወሮ። ኣብቲ መስቀል ብዘይካዚ ምኽንያት መስቀሊኡ እውን «እዚ እቲ ንጉሥ ኣይሁድ ኢየሱስ እዩ» (ቍ. 37) ዝብል ኣሎ። እዚ ላግጺ ነበረ። እቲ ንጉሥ ክገብርዎ ምስ ፈተኑ ዝሃደመ (ዮሕ 6፡15) ንርእሱ ንጉሥ ገቢሩ ተባሂሉ ይኲነን። ሽሕ’ኳ ገበን እንተዘይፈጸመ ኣብ መንጎ ክልተ ገበነኛታት ይስቀል እሞ እቲ ዓማጺ በርባን ካብኡ ይምረጽ (ማቴ 27፡15-21)። ብሓጺሩ ኢየሱስ ብሥጋን ብነፍስን ቆሲሉ እዩ። እዝስ ንተስፋና ብኸመይ ይሕግዞ፧
ኣሕዋትን ኣሓትን ንሕና እውን ተጎዲእና: ኣብ ህይወት መን ዘይጉዳእ? መን እዩ በሰላ ሕሉፍ ምርጫታት፡ ናይ ዘይምርድዳእ፡ ናይ ውሽጥና ዝጸንሐን ክትሰግሮ ኣጸጋሚ ዝኾነን ቃንዛ ዘይስከም? ግናኸ ብዛዕባ እተሳቐየ በደላት፡ ብዛዕባ በሊሕ ቃላት፡ ብዛዕባ ሕማቕ ፍርዲ እውን፧ እግዚኣብሄር ነቲ ስጋኡን ነፍሱን ዝወግኦ ቁስሊ ካብ ኣዒንትና ኣይሓብኦን እዩ። ኣብ በዓል ፋሲካ ሓድሽ መሕለፊ ክኽፈት ከም ዝኽእል ንምርኣይ የርእየና: ካብ ቁስሊ ሰብ ቀዳዳት ብርሃን ምግባር። ከምቲ ኣብ መስቀል ዘይከራኸር፡ ዘፍቅር ኢየሱስ። ነቶም ዝጎድእዎ የፍቅሮምን ይቕረ ይቕረ ይብሎምን (ሉቃ 23፡34)። በዚ ድማ ክፉእ ናብ ሰናይ ይቕይሮ፣ በዚ ድማ ንቃንዛ ናብ ፍቕሪ ይቕይሮ።
ስለዚ እቲ ቁምነገር ብህይወት ቁሩብ ወይ ብዙሕ ምጉዳእ ዘይኮነስ ነዞም ቁስሊ እንታይ ንግበር። ብቂምን ሓዘንን ክለኽፉ ክገድፎም ይኽእል እየ ወይ ድማ ምስ ናይ የሱስ ክጥርንፎም እኽእል እየ፣ ቁስለይ ከይተረፈ ብርሃን ክኸውን። እወ፡ ቁስልና ምንጪ ተስፋ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ክንዲ ንነብስና ምድንጋጽ፡ ንብዓት ካልኦት ክንደርዝ ከለና፤ ኣብ ክንዲ በቲ ካባና ዝተወስደ ቂምታ ምዕቃብ፡ ካልኦት ዝጎደሎም ክንከናኸን ከለና፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ምሕሳብ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ክንድብድብ ከለና፤ ኣብ ክንዲ ንዓና ብፍቕሪ ንጸምእ ነቶም ዘድልዩና ከነጥፍኦም ከለና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምሕሳብ እንተ ኣቋሪጽና ጥራይ ኢና ንነብስና ንረኽባ። እዚ ብምግባርና ድማ እዩ - ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይብሉ - ቁስልና ቀልጢፉ ይሓዊ (ኢሳ 58፡8)፣ ተስፋ ድማ መሊሱ ይዕምብብ።
ኣብዚ ቅዱሳን መዓልታት ናብ መስቀል ንቐርብ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሓቂ ክንገብር፡ ትርፊ ነገር ኣወጊድና፡ ንርእስና ኣብ ቅድሚኡ ነቐምጣ። ቆሲሉ ንጥምቶ፡ ቁስልና ድማ ኣብ ናቱ ነቐምጦ። ኢየሱስ ኣባና ተስፋ ይሕደስ።
ኣነ ዝገርመኒ: እዚ ንተስፋና ብኸመይ ይሕግዞ? በዚ ኸምዚ፡ ዕርቃን ኢየሱስ፡ ካብ ኩሉ፡ ካብ ኩሉ ተሓሪሙ፡ እዚ ንተስፋይ እንታይ ይብለኒ፡ ከመይ ይሕግዘኒ?
ንሕና እውን ንጉዳእ ኢና: ኣብ ህይወት መን ዘይጉዳእ? ብዙሕ ግዜ ድማ፡ ካብ ሕፍረት እንሓብኦ ሕቡእ ቁስሊ። መን እዩ በሰላ ሕሉፍ ምርጫታት፡ ናይ ዘይምርድዳእ፡ ናይ ውሽጥና ዝጸንሐን ክትሰግሮ ኣጸጋሚ ዝኾነን ቃንዛ ዘይስከም? ግናኸ ብዛዕባ እተሳቐየ በደላት፡ ብዛዕባ በሊሕ ቃላት፡ ብዛዕባ ሕማቕ ፍርዲ እውን፧ እግዚኣብሄር ነቲ ስጋኡን ነፍሱን ዝወግኦ ቁስሊ ካብ ኣዒንትና ኣይሓብኦን እዩ። ኣብ በዓል ፋሲካ ሓድሽ መሕለፊ ክኽፈት ከም ዝኽእል ንምርኣይ የርእየና: ካብ ቁስሊ ሰብ ቀዳዳት ብርሃን ምግባር። “ግን ቅድስና ኣይተጋነን”፡ ሓደ ሰብ ክብለኒ ይኽእል እዩ። ኣይፋልን ሓቂ እዩ: ፈትኑ፤ ሙከራ. ክትገብሮ ፈትን። ብዛዕባ እቲ ንስኻ ጥራይ እትፈልጦ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ልቡ ዝሓብኦ ቁስላትካ ሕሰብ። ንጐይታ ድማ ርኣዩ። ክትሪኢ ኢኻ ድማ፡ ካብቶም ቁስሊታት ከመይ ቀዳዳት ብርሃን ከም ዝወጽእ ክትዕዘብ ኢኻ። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኣይከራኸርን እዩ፣ የፍቅር እዩ። ነቶም ዝጎድእዎ የፍቅሮምን ይቕረ ይቕረ ይብሎምን (ሉቃ 23፡34)። በዚ ኸኣ ንእከይ ናብ ሰናይ ይቕይሮ፡ በዚ ኸኣ ንቃንዛ ናብ ፍቕሪ ይቕይሮን ይቕይሮን።
ኣሕዋተይ እቲ ቁምነገር ብሂወት ቁሩብ ወይ ብዙሕ ምጉዳእ ኣይኮነን እቲ ቁስሊ እንታይ ክገብሮ እዩ እቲ ቁምነገር። እተን ንኣሽቱ፡ እተን ዓበይቲ፡ እተን ኣብ ኣካላተይ፡ ኣብ ነፍሰይ ኩሉ ግዜ ምልክት ዝገድፋ። ቁስለይ እንታይ ክገብር? ንስኻን ንስኻን ብቑስሊኻ እንታይ ትገብር? “ኣይፋልን ኣቦይ፡ ቁስሊ የብለይን” – “ተጠንቀቕ፡ ቅድሚ እዚ ምዝራብካ ክልተ ግዜ ሕሰብ”። እሓተካ ድማ: ነቲ ንስኻ ጥራይ እትፈልጦ ቁስልካ እንታይ ትገብር? ብቂምን ሓዘንን ክለኽፉ ክትገድፎም ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ቁስለይ እውን ክበርህ ምስ ናይ የሱስ ክጥርንፎም ይኽእል እየ። ሕሰብዎ ክንደይ መንእሰያት ቁስሎም ተጻዊሮም ኣብ ነብሰ ቅትለት መንገዲ ድሕነት ክደልዩ ዘይክእሉ: ሎሚ ኣብ ከተማታትና ብዙሓት ብዙሓት መውጽኢ ዘይረኣዩ፣ ተስፋ ዘይብሎምን ምስ ሓሽሽ ንላዕሊ ክኸዱ ዝመርጹን፣ ምስ ምርሳዕ ... ድኻ ነገራት። ብዛዕባ እዚኣቶም ሕሰብ። ንስኻ ድማ፡ እንታይ እዩ መድሃኒትካ፡ ነቲ ቁስሊ ንምሽፋን? እወ፡ ቁስልና ምንጪ ተስፋ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ክንዲ ንነብስና ምድንጋጽ ወይ ምሕባእ፡ ንብዓት ካልኦት ንደርዝ፤ ኣብ ክንዲ በቲ ካባና ዝተወስደ ቂምታ ምዕቃብ፡ ካልኦት ዝጎደሎም ክንከናኸን ከለና፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ምሕሳብ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ክንድብድብ ከለና፤ ኣብ ክንዲ ንዓና ብፍቕሪ ንጸምእ ነቶም ዘድልዩና ከነጥፍኦም ከለና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምሕሳብ እንተ ኣቋሪጽና ጥራይ ኢና ንነብስና ንረኽባ። ብዛዕባ ነብስና እንተቐጺልና ግን ዳግማይ ኣይንራኸብን ኢና። እዚ ብምግባርና ድማ እዩ - ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይብሉ - ቁስልና ቀልጢፉ ይሓዊ (ኢሳ 58፡8)፣ ተስፋ ድማ መሊሱ ይዕምብብ። ሕሰብ፦ ንኻልኦት እንታይ ክገብረሎም እኽእል፧ ቆሲለ ብሓጢኣት ቆሲለ ብታሪኽ ቆሲለ ኩሉ ሰብ ነናቱ ቁስሊ ኣለዎ። እንታይ ይገብር: ቁስለይ ከምዚ ድየ ዝልሕስ: ምሉእ ህይወተይ? ወይስ ቁስሊ ካልኦት ርእየ ምስቲ ናይ ህይወተይ ቁስሊ ተመክሮ ክሓዊ፡ ንኻልኦት ክሕግዝ እኸይድ? እዚ ናይ ሎሚ ብድሆ እዩ፡ ንኹላትኩም፡ ንነፍሲ ወከፍኩም፡ ንነፍሲ ወከፍና እዩ። ንቕድሚት ክንስጉም ጎይታ ይሓግዘና።
