ካብ ሓይሊ እምብልት ሓይሊ ጸሎት ስለዝብርትዕ ሓለዋኻ ኣውርድ፡ ንኢየሱስ ልብኻ ክፈት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ፋሲካ ኣብ ዘካኣየድዎ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብምጥቃስ ንነገራት ኩሉ ኣነጺሩ ከርእየኩም ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ሰዓት ፈሊኹም ምስ ኢየሱስ ምዕላል ተለማመዱ እንክብሉ ዓዲሞም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ፍጻሜ ኤማሁስ ዘዘንቱ ኣብ ናይቲ ዕለት ንባብ ወንጌል ካብ ሞት ዝተንሠኤ ኢየሱስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበሮ ዕላልን ጒዕዞን ኣዘኻኺሮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ስቃይን ሞትን ኢየሱስ ድሂልዎም ካብ ሕጅስ ዝግበር የለን ኣብቲ ናይ ቀደም ሥራሕና ደኣ ክንምለስ ቢሎም ብኩሉ ኩሉ ተስፋ ቈሪጾም ናብ ኤማኡስ ገጾም ክጐዓዙ እንከለው ኢየሱስ ከም ማንም ገያሻይ ሕውስ ይብሎም እሞ ሽሕ’ኳ ኢየሱስ ምዃኑ እንተዘየለለይዎ ንሱ ግን ንሓቅታት ቅዱስ መጽሓፍን ትንቢትን ብኻልእ መንገዲ፡ ማለት  ብብርሃን ቃል ኣምላኽ ዳግማይ ክትርጉምዎ ይሕግዞም ከማኡ እውን የጸናንዖም። ኣብ መወዳእታ ተዓወቱ ኢልዎም ናብ ገዛኦም ምስ ዓደምዎ እንጌራ ባሪኹ ቈሪሱ ምስ ሃቦም ኣዕይቶም ይኽፈት እሞ የለልይዎ። ሽዑ ኢየሱስ ካባኦም ይስወር ንሶም ከኣ ከም ብሓዲስ ትብዓትን እምነትን ደሪዖም ናብቶም ካባኣቶም ተሓቢኦም ኪሃድሙ ሓሲቦም ዝነበሩ ናብ ሓዋርያት ንኢየሩሳሌም ይምለሱ። እዚ ንዓና ዘስተምህሮ ጉዳይ እንተልዩ ንሕና እውን ድሕሪት ምልስ ቢልና ታሪኽና ዳግም ክነንብብ ከምዘሎና የስተምህረና።

ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ ዳግማይ ምንባብ!

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ብልክዕ ኣብዚ መዳይ ክተኩሩ ይሓትዎም እሞ: "ንዓና እውን ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ታሪኽና ዳግማይ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ" ብማለት ናብ ታሪኽ ህይወትና ምልስ ቢልና ክነስተንትን ዓዲሞም።  ልክዕ ከምቲ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበርዎ ከኣ ንሕና እውን "ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዚመሰለ ፍጻመታት፡ በይንና ኮይኑ ክስመዓናን ዘይርጉጽነት ክወረናን፡ ብብዙሕ ሕቶታትን ጭንቀታትን ክንውጠር ንኽእል ኢና"፡ እንተኾነ ግን፡ ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ዳግም እንደገና ምስ ኢየሱስ ከንዕልል ግዜ ከነሕልፍ ንዕደም ኣሎና፡ ከምቲ ሓዋርያት ዝዓደምዎ ምሳና ንኪሓድር ምሳና ንኪጸንሕ ክንዕድሞ ኣሎና። ብቀንዱ ከኣ ዕለት ዕለት ኣብ ፍጻሜ መዓልቲ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር ግዲ እዩ ኢሎም።

መዓልታዊ መርመራ ሕልና!

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ ምስ ኢየሱስ ንምዕላልን ግዜ ምሳኡ ንምሕላፍን እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ምሸት ምሸት "ሓጺር ናይ ሕልና መርመራ" ምግባር ምዃኑ የዘኻኽሩ። እዚ ከኣ ነቲ ዝወዓልናዮ መዓልት ምስ ኢየሱስ ከመይ ከምዘሕለፍና በብሓደ ብምፍታሽ፡ ከምኡ'ውን ኩሉ እቲ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣእምሮና ሃለኽለኽ ክብሉ ዝወዓሉ ተስፋታትስ ይኹኑ፡ ፍርሒ፡ ከማኡ እውን ስምዒታትናን፡ ምርጫታትናን ምሳኦም ዝወዓልናዮም ሰባትን ናብ ኢየሱስ ብምቅራብ፡ "ቀስ ብቀስ በብቑሩብ ንኩሉ ነገራት ፍልይ ብዝበለ ኣመለኻኽታ ማለት ብኣዕይንቲ ኢየሱስ ምርኣይ ክንመሃር ኢና።"  በዚ ከኣ ናትና ኣመለኻኽታ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኢየሱስ ጠመተ እውን ክህልወና እዩ ኢሎም።

ይኹን'ምበር ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ! ይኹን እምበር ነዚ ብግቡእ ክንገብርን ፍረ ዘለዎ ኣስተንትኖን ምእንቲ ክኸውን "ሓለዋና ከነውርድ" ማለት ናትና እንብሎ ባዕልና ክንገብር ንዝብል ኩሉ ገዲፍና ካብ ኢየሱስ ዝኾነ ነገር ክንሓብኦ የብልናን። ብእኡ ኣቢሉ ድማ "በቲ ናቱ ሓቂ ክንቁሰል ክንፈቅድ ኣሎና፡ ልብና ድማ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ብትንፋስ ቃሉ ክናወጽ ክነድድ ይግባእ"። በዚ ከምዚኸስ መዓልትና ብከመይ ከምዝሓለፈ ኩሉ ኣብ ቅድመና ኣነጺርና ክንርእዮ ኢና ኢሎም።

መዓልተይ ብሓቂ ከመይ እያ ነይራ?

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ትምህርቶም "ሎሚ ክንጅምር ንኽእል ኢና" ብምባል ሎሚ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ሎሚ ምሸት ብዛዕባ ውዕሎና ንነብስና ንምሕታት ንሓንቲ ህሞት ጸሎት ክንውፊ እሞ ጽጹይ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር  ከም እንኽእል ኣመልኪቶም። ካብቲ ንርእስና ክንሓቶ እንኽእሎ ሕቶታት ከኣ፣ "ኣብቲ ሃለኽለኽ ክብሎ ዝወዓልኩ ገለ ንእሽተይ ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ነይሩዶ ይኸውን? ካብቲ ዘጓነፈኒ ውድቀት፡ ሓዘን፡ ጥርጣረ፡ ፍርሒ ሕጂ ናብ ኢየሱስ ዘቅርቦ እሞ ንሱ ሓድሽ መገዲ ምእንቲ ክኸፍተለይን ብኢደይ ኣታትዩ ሓፍ ኣቢሉ ከተባብዓንን ነየኖት ከቅርበሉ’ እናበልና ክነስተንትን ኣዘኻኺሮም። ነዚ ኩሉ ኣብነት እትኾነናን መንበረ ጥበብ ቢልና እንጽውዓን ጥበበኛ እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ዕለት ዕለት ዚጐዓዝ ኢየሱስ ኣለሊና ክንክእል እሞ ዕለት ዕለት ንሕይወትና ዳግም ብብርሃኑ ንክነንብብ ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 Apr 2023, 14:06

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >