ር.ሊ.ጳ. ልዮን ውግእ ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት የቃልሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን “ልቢ ቤተ ክርስቲያን ብጓሂ ዝተመልአ ኮይኑ ኣሎ” እንክብሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ቅልውላው፣ ብፍላይ ድማ ዩክሬን፣ ኢራን፣ እስራኤልን ቓዛን ዘሳቕይ ዘሎ ኩናት ዝፈጥረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ “ኩናት ፈጺምና ክንለማመዶ የብልናን”፡ ብኣንጻሩ “ንሓያልን ዝተራቐን ኣጽዋር ከም ፈተና ክንነጽጎ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ እዋናዊ ውግእ “ብዅሉ መዳይ ስነ ፍልጠታዊ ኣጽዋር” ምጥቃም ንሓይልታት ተዋጋእቲ ካብቲ ዝሓለፈ ዘመን ኣዝዩ ዝዓበየ ባርባራውነት ዝመርሕ እዩ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ ብቐጥታ ንመራሕቲ ዓለም፡ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ!” ዝብል ዘቕረብው ጻውዒት ኣቃልሖም፣ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ድማ፣ “ብሰላም ዝጠፍእ ነገር የለን ብውግእ ኩሉ ይጠፍእ” ዝበልዎ ቃል ዘኪሮም፣
ስለዚ ብስም ሰብኣዊ ክብርን ኣህጉራዊ ሕግን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ!” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ከምኡ እውን ፒዮስ መበል 12 ድማ “ብሰላም ዝጠፍእ ነገር የለን፡ ኩሉ ብኲናት ይጠፍእ” ዝበልዎ ቃል ብምዝኽኻር ንተሓተትቲ ኣካላት ጻውዒት አቕርብ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
