CHINA-VATICAN-RELIGION-POPE CHINA-VATICAN-RELIGION-POPE  (AFP or licensors)

ብር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 እተመዙ ጳጳስ ሰበኻ ቻይና

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ቻይናን እተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ፣ ክቡር ኣባ ጆሴፍ ዋንግ ዠንጊ ቅብኣተ ጵጵስና ተቐቢሎም፣ ንሶም ድማ ቅድሚ ኽልተ ወርሒ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተመዙ ናይ ሓድሽ ሰበኻ ዣንግጃኮ ናይ መጀመርታ ጳጳስ ክኾኑ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ትምሊ ረቡዕ ዕለት 10 መስከረም ቅብኣት ጵጵስና እተቐበሉ ክቡር ኣባ ጆሴፍ ዋንግ ዠንጊ ቅድሚ ኽልተ ወርሒ ብቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተመስረተ ናይ ሓደ ኣቅላሲያዊ ዞባ መስርሕ ምምሕያሽ ከም ዝዛዘሙ የመልክት።

ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "ብዕለት 8 ሓምለ 2025 ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14፣ ነቲ ብዕለት11 ሚያዝያ 1946 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 እተሃንጸ ኣብ ሃገረ ቻይና ዝርከብ ሰበኻ ሹዋንሁዋን ዢዋንዚን ደረቱ ንምዋን እተገብረ ውሳኔ ኢዩ ዝንበረ።  ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ ካቴድራል ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ ዣንግጃኮው ናይ ፔጂንግ ኤጲስቆጶሳዊ መንበር እተቐበሉ ሓድሽ ጳጳስ ንምምዛዝ እተገብረ ተበግሶ ኢዩ ዝነብረ።"

በታ መዓልቲ እቲኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንክቡር ኣባ ዋንግ ዠንጊ ጳጳስ ሰበኻ ዣንግጃኮ ክኾኑ ሸምዎም "ነቲ ሕጹይ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይናን ዘሎ ግዝያዊ ስምምዕ ኣጽዲቖሞ" ክብል እቲ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ ምንበት ሓቢሩ።

እቶም ሓድሽ ጳጳስ

ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ዋንግ ዠንጊ "ብዕለት 19 ሕዳር 1962 ተወልዱ። ካብ 1984 ክሳዕ 1988 ኣብ ሰበኻዊ ዘርኣ ክህነት ሄበይ ተማህሩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመታት ኣብ ቁምስና ኲጂያዙዋንግ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ሥልጠናታት ኣካየዱ።

ብዕለት 24 ግንቦት 1990 ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ዢያንሺያን መዓርገ ካህን ተቐበሉ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ሓደ ቁምስና ተመዲቦም ኣገልገሉ፣ ብ1991 ድማ ቆሞስ ኰይኖም ዘመዙ። ድሕርሕዚ ኣገልግሎቶም ኣብ ሰበኽ  ሹዋንሁዋ ፈጸመ።

እቲ ሓድሽ ሰበኻ

ሰበኻ ሹዋንሁዋን ሰበኻ ዢዋንዚን ብሓደ ተሓዊሶም ደረቶም ምስ ተወሰነ፣ እዚ ሓድሽ ሰበኻ ዣንግጂያኩ ብድምር 36,357 ትርብዒት ኪ.ሜ. ስፍሓት ዘለዎ፣ ኣስታት 4,032,600 ተቐማጦ ዝለውዎ ዞባዊ ምምሕዳር ኢዩ፣ ካብዚኣቶም ዳርጋ 85,000 ካቶሊካውያን ክኾኑ እንከለው ኣስታት 89 ዝኾኑ ካህናት ውን ይርከብዎም።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ናይ አቅላሲያዊ ዶባት ናይዛ ሓዳስ ሰበኻ ነዞም ዝስዕቡ ኸባቢታት ዘጠቓለለ ክኸውን ኢዩ፦ ዞባታት ሹዋንሁዋ፡ ኪያኦዶንግ፡ ዢያዋዩዋን፡ ቾንግሊ፡ ኪያኦሲ ከምኡውን ዋንኳን፤ ዞባታት ቺቸንግ፡ ሁዋይላይ፡ ዡሉ፡ ዌይስያን፡ ያንግዩዋን፡ ሁዋያን፡ ሻንጊ፡ ዣንግበይ፡ ጉዩዋን ውን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።

በዚ ኸምዚ ዞባታት እዛ ሓዳስ ሰበኻ ምስቲ ስማ ዝጠቕሶ ከተማ ዣንግጂያኩ ዝሰማማዕ እዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ዞባ ያንኪንግ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ቤጂንግ ክጽንበር እንከሎ፣ ከተማ ሺሊንጉኦሌሜንግ ድማ ናብ ሰበኻ ጂኒንግ ተጠቓሊላ ኣላ።

11 Sep 2025, 16:53