ካርዲናል ግሬክ፦ ሳልሳይ ደረጃ ሲኖዶዊ መስርሕ ንቤተክርስትያን 'ንቕድሚት ዘሰጕማ' እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ንቤተ-ክርስትያን "ሳልሳይ ደረጃ ሲኖዶዊ መስርሕ፣ ኣብ ተመክሮን ምርዳእን ሲኖዳዊ ጕዕዞ፣ ተወሳኺ ስጉምቲ ንቕድሚት ከም ዝኸውን ንምርግጋጽ ዝከኣላ ዅሉ ክትገብር" ጻውዒት ኣቕሪቦም።
እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ መበል 60 ዓመት ምምስራት ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ እተሓትመ ደብዳበ እዩ ዘነበረ።
ኣብታ ደብዳበ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሲኖዶሳዊነት "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ንምምጻእ ፍሉይ መገዲ" ክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣመልኪቶም።
እዚ ስምዒታት እዚ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ እተኻየደ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ኣብ 1965 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ እተዛዘመሉ፣ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብምቛም ዝነበሮ "ትንቢታዊ ዕላማ" ዘጕልሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ደጊሞም መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እዚ ኣካል ቅድስቲ መንበር እዚ "ንሓድነትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ ቈራጽነት ከም ዘነቓቕሕ" ተስፋ ከም ዝገብሩ ገሊጾም።
እዚ ተስፋ እዚ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2021 ኣብ መሰረታዊ ደረጃ ዝጀመሩሉ ሳልሳይ ሲኖዶዊ መስርሕ ዝመጸ ከም ዝኾነ ኣብቲ ዘሕተምዎ መዘኻኸሪ ደጊሞም ኣመልክቱ።
እዚ መስርሕ እዚ ካብ ሰበኻታትን ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ጀሚሩ፣ ኣብ ዓመት 2023ን 2024ን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክልተ ጉባኤታት ሲኖዶአ ዘካየደ ሰለስተ ደረጃታት ዝሓዘ እዩ ዝነበረ። እዚ ኣኼባታት እዚ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ ነተን ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ዞባዊ ኣካላትን ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ንምምርማር ሲኖዳዊ ጕዕዞ ክቕጽሉ ተማሕጸኖም።
ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "ትንቢታዊ" ኣስተውዕሎት
ብፁዕ ካርዲናል ግሬች መበቈል ሲኖዶስ ብምምርማር ኢዮም እቲ መዘኻኸሪኦም ዝጀመርዎ፣ ካብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንሲኖዶስ ጳጳሳት ዝመስረቱሉ እዋን ጀሚሮም ክሳዕ እታ ሓጋጊት ሰነድ ሓዋርያዊ ዋኒን ዘርእስታ ይትንትኑ።
ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ ነዚ ኣካል እዚ ዘቖምዎ "ነቲ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቭቲካን ንዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ "ንጉባኤ ጳጳሳትን" ንምላእ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምሕጋዝ መሰል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምድጋፍ" ቢሎም ከም ዘተኣታተውዎ ኢሉ ጸሓፉ።
ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ወሲኾም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንቤተ-ክርስትያን "ኣብ መንጎ ጳጳሳትን መላእ ዓለምን ጳጳስ ሮማን ሓድነትን ምትሕብባርን ኬደልድል ዝኽእል ንብምሉኡ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዝውክል ማእከላዊ ትካል" ከምኡውን ንህዝቢ ኣምላኽ ወሳኒ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ጕዳያትን ዋኒንን ዛዕባታትን "ምኽሪ ብምሃብ ኪሕግዞም" ኸም ዝመስረትዎ ገለጹ።
ንሕዳሴ ሕይወት ቤተ-ክርስትያን
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ 3 ክፍላት ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤታትን ከምኡውን 11 ፍሉያት ኣኼባታት ኣካይዱ ኢዩ።
ካርዲናል ግሬች ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ኵሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ጉባኤ እቲ ኣትሒዞም፣ ነቲ ብእተፈላለዩ ኣኼባታት እተዘተየሉ ሓሳባት ወይ ናይ መወዳእታ ሰነዳት ተቐቢሎምዎን፣ ነቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ንቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ማዕዳን ንምድላው ተጠቒሞምሉ እዮም፣ እዚ ሰነዳት እዚ ድማ "ንምሕዳስ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።
ተሓድሶ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ይኹን እምበር ኣብዘን 60 ዓመታት እዚኣተን ሲኖዶስ ጳጳሳት እውን "ዓብዪ ፍልቀት" ከም ዝገበረ ካርዲናል ግሬች ገለጹ። እዚ ሳላ ነፍሲ ወከፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብፍላይ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንሲኖዶስ ጳጳሳት ካብቲ ንጉባኤ ጳጳሳት እተመደበ ፍጻመ፣ ናብቲ መላእ ቤተ-ክርስትያን እትሳተፈሉ ኩነቱ ደራጃ ብደረጃ ዝካየድ መስርሕ ክቕይርዎ ደለዩ።"
እዚ ድማ ብቀዳማይ ደረጃ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምምይያጥ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ጥቅምቲ 2023ን 2024ን ኣብ ከተማ ሮማ ዝተኻየደ ኤጲስቆጶሳዊ ኣኼባታትን ኣህጉራዊ ኣኼባታትን፣ ስሩዕ ሓፈሻዊ እተኻየደሉ እተፈላለየ "ኣስተንትኖታት" ዝግበረሉ ደረጃታት ከም ዚህሉ ገበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ እተጀመረ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነዚ ዝመጽእ ለውጢ እዚ ምልክት ገይሮምዎ ነበሩ። ኣብኡ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች "ንጉባኤ ሲኖዶስ ካብ ፍጻመ ናብ መስርሕ ናይ ምቕያር ስያመታት" ከም ዝተገብረሉ ገሊጹ።
በዚ ኸምዚ ድማ "ኵሉ ሰብ ዝመሃሮ ነገር ኣለዎ" ዝብል "ሓባራዊ" ምስማዕ ዘጠቓልል ኢዩ ዝንበረ፣ ካርዲናል ግሬች ቀጺሎም፣ ካብ ኣባልት ጉባኤ ጳጳሳት ክሳዕ ጳጳስ ሮሜ ማለት ኢዩ። "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ካልእ ሰብ ይሰምዖ፣ ኵሎም ድማ ብሕብረት ንመንፈስ ቅዱስ ይሰምዑ" ኢሉ፣ እዞም ካርዲናል ወሲኾም ብዛዕባ እዚ ተሓድሶ እዚ ኣትሪቶም ተዛረቡ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሸውዓተ ዓመት ይገብር ብዕለት 15 መስከረም 2018 እተኣወጀ ሓዋርያዊ ቅዋም፡ ኤጲስቆጶሳዊ ሓድነት ከም ዘነቓቕሖ ገለጹ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኅብረት ዝመርሕ ፍሉይ መገዲ
ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዘሕለፍዎ ተመክሮ ከም ዝሕብሮ "ሲኖዶዊነት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ንምምጻእ ፍሉይ መሰል ኢዩ" በሉ።
"ኣብተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ደረጃታት ናይቲ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ጽባቐን ሓይልን እዚ መስርሕ እዚ ተመኪርናዮ ኢና፣ ኣብኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ-ክርስትያን ዝብሎ ሰሚዕና ንሓድሕድና ኽንሰምዕ ድማ ተማሂርና ኢና" በሉ።
እዚ ድማ "ባህ ዜብል ጕዕዞ" እዩ ዝነበረ፣ ብደረጃታት "ሜመያ ቤተ-ክርስትያን" ዚፍለጥ፣ ከምኡውን በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብኡንብኡ ዘጽደቕዎ ከም ክፍሊ ስሩዕ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ገይሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ሰነድ ይንጸባርቕ።"
ስለዚ ነዚ ዅሉ ፍጻመታት ምዝካር "ንሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ዓብዪ ሓጐስ" ምዃኑ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ኣጕሊሖም። ብተመሳሳሊ "ሳልሳይ ደረጃ መስርሕ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ተመክሮን ምርድዳእን ሲኖዶሳዊነት ቤተክርስትያን ተወሳኺ ስጉምቲ ንቕድሚት ንኽስጕም ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ጻውዒት ኢዩ" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።
