ቅድስት መንበር፦ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ማዕረ ዕቝባን መሰል ስራሕን ይግብኦም እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
ኣብ ከተማ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶሬ ባለስትሬሮ፣ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንሰብኣዊ መሰላት ሽማግሌታትን ኣረጋውያንን ንምሕላው ዘቕረበቶ ጻውዒት ኣሐደስዎ።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ መበል 60 ስሩዕ ባይቶ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ እዞም ሃዋርያዊ ተወካሊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ማሕበራት ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዲሞግራፊያዊ ለውጥታት ንምፍታሕ ድሉዋት ከም ዘይኰና ገለጹ።
ኣብ 2030 ዓ.ም. ካብ 6 ሰባት 1፣ 60 ዓመተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ክዀኑ ምዃኖምን፣ እዚኣቶም ድማ ብድምር 1.4 ቢልዮን ሰባት ክዀኑ ኢዮም፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ከአ ኣብ 2050 ብዕጽፊ ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ኣመልከቱ።
ኣብ መንጎ እዚ ለውጢ እዚ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ተነቃፊነትን ክብረትን ኣረጋውያን ብግቡእ ኣኽብሮትን ግብራዊ ሓሳባትን፣ እንተላይ ቍጠባውን ማሕበራውን ድሕንነቶም ክንክን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ገለጹ።
"እዚ ሥነ-ሰብኣዊ ለውጢ ሕብረተ-ሰብ ንኣረጋውያን ብኸመይ ብኣኽብሮት ከም ዝከናኸንዎምን ከም ዘዕቍብዎምን ዜርኢ ስነ-ምግባራዊ ብድሆ እዩ" በሉ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ከም ዝገለጽዎ፣ ብዝሒ ህዝቢ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እናዛየደ ምስ ዝኸይድ፣ ኣብ መንጎ ንጡፋት ዜጋታት ምድጋፍን፣ ነቶም እተሸገሩ ምሕጋዝን፣ ማዕከን ሓገዛት ናይ ምስሳንን መገድታት ከናድዩ ኣለዎም፣ እንተ ዘይኮይኑ እዚ ለውጢ እዚ ንኣረጋውያን ዋጋ ከኽፍሎም ከም ምኹኑ ገለጹ።
ሰብኣዊ ክብረቶም ብዕድመን ወይ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ከም ዘይምህምን ገለጹ።
"ክብሪ ሓደ ሰብ ብንእስነት ብስሉጥነት ብኣካላዊ ብርታዐ ወይ ብምልኣት ጥዕና ክግለጽ ኣይክእልን ኢዩ፣ ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ከም እተፈጥረ፣ ኣብ ዘይቅየር ሓቂ ኢዩ ዝምርኰስ ኢዩ፣ እዚ ድማ ብግዜ እናተቐያየረ ክኸይድ፣ ኣይክእልን ኢዩ" በሉ።
እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራ ኣብ መግለጺኦም፣ ንኣረጋውያን ከም ጾር ሕብረተሰብ ገይሮም ዝርእዩ ፖሊሲታት እንተላይ ንሥጥቃይ ኣልቦ ባዕላዊ ሞት ሕጋውነት ንምልባስ ወይ ንርእሰ ቕትለት ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕርታት ጥቒሶም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።
እዚ ፖሊሲታት እዚ ንሽማግለታትና ኣብ ክንዲ ምኽባር "ባህሊ ሞት" ከም ዘማዕብል ኣመልከቱ።
ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ኣስዒቦም ሃገራት ብጡረታ ጥረ ገንዘብ ከምኡውን ኣገልግሎት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ኣቢለን ክብሪ ሽማግሌታትን ኣረጋውያን ክሕልዋ ተማሕጺኖም።
ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት መነባብሮኦም ንምዕቃብ ኣብ ስራሕ ክጸንሑ ምስ ዘድልዮም ኣድልዎ ንምቅላስ ኣብ ዕዳጋ ሸቕሊ ዕቝባ ክወሃቦም ከም ዘለዎ ገለጹ።
"እቲ ዝግብኦም ዕረፍትን ጥበቦምን ምኽሮምን ንመንእሰያት ወለዶታት ከመሓላልፉ ኣጋጣሚ ክፍጠረሎምን ንመጻኢ ብተስፋን ሓላፍነትን ንኽዋጽኡሉ የኽእሎም" በሉ።
ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ግዜ እርጋን ንምዕቋብ ማሕበራዊ ዕቝባን ጡረታን ክረኽባ ኣለወን።
ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ድልዱል ስርዓት ማሕበራዊ ድሕንነት ንምድጋፍ ብፍላይ ከኣ ብዙሓት ኣረጋውያን እንኮ ምንጪ ረድኤት ዝረኽቡሉ ስድራቤት ንምድጋፍ ኣብ መንጎ ወለዶታት ሓድነት ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅድስቲ መንበር "ንስድራቤት ከም ነባሪ መሰረት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ መጠን ንምድልዳልን ንምዕቃብን ንስድራቤታት ኣብ ዝድግፍ ፖሊሲታት ማሕበራዊ ዕቝባ፣ ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ" ብምባል መደረኦም ደምደሙ።
