"ልዮን በዓል ቺካጎ"፣ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን እተዳለወ ሰነዳዊ ቪድዮ መበቈል ር. ሊ. ጳ. ሊዮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
በዓል ቺካጎ ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ግዜ ንቝልዕነቶም፡ ሕይወት ስድራቤቶም፡ ምስ የዕሩኽቶም ዝንበሮም ርክባት፡ ኣብ ትምህርትን ሥነ መዕበያን ዘሕለፍዎ ክፍሊ ሕይወቶም፡ ናብ ውፉይ ሕይወት ናይ ፈለማ ስጉምታት ዝገበእኡሉ ኩነት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝንበሮም ተጸምዶ፡ ዝነበሮም ስፖርታዊ ባህጊ፡ ከምኡውን ናይ መግቢ ምርጫታቶም ብዕዛብ ብዓሚቝን እተፈላለዩ መገድታትን፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ናይ ቀዳም ስእልታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 እተ ቕርብ ሰነዳዊት ፊልም ተሰናድያ ትርከብ ኣላ። እዛ ፊልም እዚኣ ምስቶም ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎን ሓውርያዊ መስተናብር ኤል ሴምብራዶር ኑዌቫ ኢቫንጀሊዛሲዮን (ESNE) ብምትሕብባር፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተዳለወ ኮይና፣ ብዛዕባ ታሪኽን መበቈልን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ዓዶም ሕቡራት መንግስትታት ንዘሕለፍዎ ታሪኽን እትገልጽ ክትከውን ኢያ።
እቲ ብጋዜጠኛታት ዴቦራ ካስቴላኖ ሉቦቭ፣ ሳልቫቶሬ ቸርኑዚዮን ፈሊፐ ሄሬራ-ኢስፓልያትን ዘካየድዎ ጕዕዞ፣ ኣብ ሰፈራታት ከተማ ቺካጎ እዩ ተኻይዱ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ዶልተን ዚርከብ መንበሪ ገዛ ስድራ ቤት ፕረቮስት ጀሚሩ፣ እቶም ሉዊስ ማርቲንን ጆንን ዚበሃሉ ኽልተ ኣሕዋቱ ዝመስከርዎ ተዘክሮታትን ዛንታታትን ዝሓዘ እዩ። ስዒቡ ድማ ናብቲ ብማሕበር ካህናት ኣግጐስጢኖሳውያን ዚምራሕ ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብያተ ትምህርትን ሰበኻታትን ኣቢሉ ይቕጽል። ናብ ካቶሊካዊ ስነ-መለኮታዊ ሕብረት፤ ከምኡውን እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት መብዛሕትኡ ግዜ ዝበጽሕዎ ዝንበሩ ቦታታት ከም ቤት መግቢ ኦሬልዮ ፒሳ ወይ ሬት ፊልድ ስታድዩም ናይ ጋንታ በይዝ ቦል ቺካጎ ዋይት ሶክስን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ጕዕዞ እቲ ናብቲ ካብ ከተማ ፊላደልፍያ ወጻኢ ዚርከብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫን ከምኡውን ነቲ ዓብዪ ሓዎም ንምብጻሕ ናብ ፖርት ሻርሎት ፍሎሪዳ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ውን የጠቓልል።
ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብታ ሰነዳዊት ፊል፣ ኣስታት 30 ዚዀኑ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ምሕዝነት ዘለዎም ሰባት ዝሃብዎ ምስክርነታት እውን ትዝግብ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 8 ግንቦት ኣትሒዞም ንኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ኪመርሑ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝያዳ ሃብታም መለኽቲ ዘለዎ እተሳእልዎ ስእልታት ዘማእከለ ውን ክኸውን ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ገና ንእሽቶ ቘልዓ ኸለዉ እውን ከይተረፉ፣ ንሕይወት ምንኩሳናዊ ጽዋዕታ ዘርእዩ ዝነበሩ ከም ምንባሮም ኢዩ ዝምስከረሎም፣ እዚ ድማ ንጸሎታት መሥዋዕተ ቅዳሴ ላቲን 'ብምድጋም' ከምኡ ውን ካልኦት ጸሎታት ብቛንቋ ላቲን ብምጽኖኦም ይርአ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚውን ከም ሓደ ብሥነ ቀመር እተመረቐን ሥነ መለኮት ከጽንዕ ዝጀመረን መንእሰይ መጠን ምስ ተመሃሮ ብጾቱ ሓቀያና ርክብ ዝነበሮን ከምኡውን ህይወት ንምዕቋብ ኣብ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት እተሳተፈ ምስ ምንባሩ፣ ናብ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንምጽንባር ኣብ ዝገበሮ ግላዊ መመያ ውን ግሉጽ ኮይኑ ይርአ ንበረ። ብተወሳኺውን ኣብ ፔሩ ንኼገልግል ዓዱ ሓዲጉ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ብዙሓት ኣባላት ዘለዉዎ ዓለምለኻዊ ማሕበር ክህናት ክመርሕ ብህድኣትን ስሩዕን ኣከያይዳ ከምኡውን ብቘራጽነት ዘለዎ መሪሕነት ዝመርሐ ኣገልጋሊ ኮይኑ፣ ወትሩ ኣብ ነቲ 1960ታትን 70ታትን ዝድረፍ ዝንበረ ሙዚቃ ዚሰምዕ፣ ምዝዋር ማኪና ዝፍተዎ፣ ተለቪዥን ምርኣይ ዘዘውትር ከምኡውን ውድድር በይዝ ቦል ብውዕዉዕ ስምዒት ዝከታተል መንእሰይ እዩ ዝነበረ።
ሰነዳዊት ፍልም ልዮን በዓል ቺካጎ፣ ነታ ኣብ ወርሑ ሰነ ዝወጸት ሊዮን በዓል ፔሩ ዘርእስታ ፊልም ስዒባ ብምውጻእ፣ ነቲ ፕረቮስት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘሕለፎ ዓመታት ተልእኾ እተዘንቱ እያ። እዛ ሰነዳዊት ፊል ልዮን ካብ ቺካጎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ክትዝርጋሕ ኢያ።
