ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤት ፍጹም ኣርኣያ ዝኾነት ቅድስቲ ስድራ ቤት የቕርብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤት ፍጹም ኣርኣያ ዝኾነት ቅድስቲ ስድራ ቤት የቕርብ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤት ፍጹም ኣርኣያ ዝኾነት ቅድስቲ ስድራ ቤት የቕርብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባይቲ ስድራ ናይታ እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ‘ፍጹም ኣብነት’ ቅድስቲ ስድራቤት ክኽተሉን ብኢየሱስ ኣቢሉ ሓቀይና ሓጐስ ዘምጽእ እምነት ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ዳግማይ ክረኽቡ ኣብቲ ብናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ባይቶ (CELAM) ዝተዳለዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘማእከለ ኣኼባ ተጋባእያን ብዛዕባ መጻኢ ስድራቤት ኣብ ዝሃብዎ መደረ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እግዚኣብሔር ንቅድስቲ ስድራ ቤት፣ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ጸገማቶም ንምሕጋዝ ፍጹም ኣብነት ጌሩ ኣቕሪቡዋ”  እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ባይቶ (CELAM) ኣብዚ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ብዛዕባ ኣባይቲ ስድራ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 19 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ መጻኢ ኣባይቲ ስድራ ሓሳብ የቕርቡ።

እምነት ወለድናን ኣባሓጎታትናን ኣደሓጎታትናን

ቅዱስ ኣቦና ኢዮቤል፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ "ምምላስ" ከም ዘበራበረ፡ ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ፡ ነዚ "ምምላስ" ከም ጻውዒት ናብ ኣምላኽ፡ ናብቲ ማእከል ህይወትና ዝኾነ ኢየሱስ ክንምለስ ዝድርኸና ምዃኑ ክንርድኦ ከም ዘሎና የዘኻኽሩ።

ኢዮቤል ተስፋ ነቲ ዘየድሊ ገዲፍና ናብ ኣናስርና ክንምለስ ዝዕድመና ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ማለት ድማ "ናብቲ ካብ ወለድና ዝተቐበልናዮ እምነት፣ ናብቲ ኣደሓጎታትና ዝደግመኦ ጽንዓት ዝመልኦ ጸሎት መቝጸሪያ፣ ናብቲ ከም ማይ ብሑቝ ማእለያ ንዘይብሉ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ዘጽንዐ ገርሀይናን ትሑትን ቅኑዕን ህይወተን ክንምለስ የተባብዓና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ሓቀይና ሓጐስ ኣብ ኢየሱስ ኢና እንረኽቦ

ኣብቲ ናይ ወለዲ ገርሀይናን ቅኑዕን ትሑትን ጸሎት ድማ ኢየሱስ መገድን ሓቅን ሕይወትን ምዃኑ ተማሂርና፣ "እቲ ሓቀይና ሓጎስና - ኣብ ኢየሱስ - ንረኽቦ፣ ኣብ ገዛና ከምዘለና ካብ ምፍላጥ ዝምንጭው ሓጎስ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ኢዮቤል ተስፋ ምስቲ ባዕሉ ኣምላኽ ዝኾኖ ሓቂ ንምርኻብ ዝግበር ጉዕዞ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ስለዚ "ህይወትና ኣብ ሰብኣዊ ውሕስነትን ዓለማዊ ትጽቢታትን ንምህናጽ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቕ  ዝንባለና ንጠንቀቕ” ምስ በሉ፣ ሎሚ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓቀይና ብድሆታት ድኽነትን ስደትን ዓመጽን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ህዝባዊ ትካላት ንህይወት ስድራቤት ክድግፉን ክሕልዉን ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝገበሮ

በዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ስድራቤት ህያብን ዕማምን እያ እንክብሉ ገሊጾም፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውላድ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ" "እግዚኣብሄር ልክዕ ከምቲ ንቅዱስ ዮሴፍ ዝገበሮ፣ ንወዱ፡ ኣዲኡ ብሓደራ የወክፈና ይህበና . . . ከምኡ ዝገብር ድማ "ምስታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ብሓባር ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት መሰረትን ማይ ብሑቝን ምስክር ፍቕሪ ኣምላኽን ክንከውን እዩ።” በዚ ስምዒት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ከተማ ናዝሬት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ኩሎም ምእመናን ኣብነት ቅድስቲ ስድራቤት ክኽተሉ እንክምሕጸኑ፣ "እግዚኣብሄር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘዳለወሎም መደብ ፍቕሪ ምእንቲ ክፍጽም ብስቕታን ብስራሕን ብጸሎትን ሓድሕዶም ክደጋገፉን ብጻይ ክኾኑን" ተላብዮም፣ "እዚ ፍቕሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ብምስጢረ ጥምቀት ናብ እምነት ዝተወልደትን 'ነዚ ዓመት ጸጋ' ንኹሉ ሰባት ንምእዋጅ ዝተቐብአን ፍቕሪ እዩ" እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድስቲ ስድራቤት፡ ኣምላኽ ዘቕርበልና ፍጹም ኣብነት ስድራ ቤት እያ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዕላማ ተጋባእያን ኣብ ኣማላድነት ቅድስቲ ስድራቤት ኣማዕቜይቦም፣ ቅድስቲ ስድራ ቤት "እግዚኣብሄር ከም መልሲ ናይቲ ካብ ኣባይቲ ስድራ ሓገዝ ንምርካብ ዝልምን ተስፋ ንዝቖረጸ ኣውያት ዘቕርቦ ፍጹም ኣብነት" እያ። “ነዛ ቅድስቲ ስድራ ቤት ብምምሳል፡ ኣባይትና ህያው ሽግ ብርሃን ኣምላኽ ክኸውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤት ፍጹም ኣርኣያ ዝኾነት ቅድስቲ ስድራ ቤት የቕርብ
20 Sep 2025, 17:28