ር.ሊ.ጳ. ንሃገረ ስብከት ሮማ ንኹሉ ዝቕበል ጉስነታዊ ኣገልግሎት ከተስፍሕ ይዕድሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 19 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናይ ሃገረ ስብከት ሮማ ሰበኻዊ ጉባኤ ከም ጳጳስ ሮማ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዘበገሱን ኣብ መደረኦም ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተጀመረ ቀጻሊ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ደጊፎም፣ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ናይ ሰበኻ ካህናትን ኣብ ከተማ ሮማ ዘገልግሉ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን፣ "ኣብ ሲኖዶዊ ሕብረት ሓባራዊ ሓላፍነትን ተልእኾን ንቕድሚት ክስጕሙ" ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ከም ጳጳስ ሮማ ምስ ማሕበረሰብ ሰበኻ ሮማ ዘካየድዎ ርክብ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎም ብምግላጽ፣ ንካህናት ዲያቆናት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ወከልቲ ሰበኻታትን ስለቲ ዝገበርዎ ውፉይ ኣገልግሎትን ምስክርነትን ኣመስጊኖም፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ጳጳስ ሮማ ምእንታኹም እየ - ቢሎም - ነቲ ርክብ ዓቢ ምትሕቝቛፍ ጳጳስ ሮማ ምስ ህዝቡ” እንክብሉ ገሊጾም ኣስዒቦም፣ ወንጌል ብዛዕባ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ዒላ ዘቕርቦ ዛታ እንከስተንትኑ፡ “ህያብ ኣምላኽ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥዮ ነርኪ” (ዮሃ 4፡10) ዝብል ቃል ኢየሱስ ዘኪሮም፡ መንፈስ ቅዱስ ጽምኢ ዘጥፍእን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾኣ ዝድግፍን “ህያው ማይ” ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ደጋፊትን ተቐባሊትን ቤተ ክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ዝግበር ኣገባባት ጉስነት ህጹጽ ተሓድሶ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ “ከም ወትሩ ተመሳሳሊ ነገራት ብምድጋም ዕጉባት ክንከውን የብልናን፣ ንሰባት ምስ ክርስትያናዊ ህይወት ዘላልይ፣ ኣብ መድረኻት ህይወት ዘሰንዮምን ትርጉም ዘለዎ ሰብኣዊ ዝምድናታት ዝሽፍን ሓድሽ ናይ እምነት ተመክሮ ከነቕርብ ይግባእ፣ ደጋፊ፡ ርህሩህ፡ ናይ ካልእ ስምዒት ናቱ ዝገብር፡ ዘይፍርድን ንኹሉ ሰብ ክቕበል ዝኽእልን ናይ ጉስነት ኣገልግሎት ምቛም ህጹጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ምጉዓዝ
መብዛሕትኡ ግዜ ጸገማት ዝተሸከማ ኣባይቲ ስድራ ካብቲ እምነት ናይ ምትሕልላፍ ተራኦም ክስሕቡ ፈተና ክጋጥሞም ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም። “ዕማም ቤተ ክርስቲያን ክትክኦም ዘይኮነስ ምስኦም ምጉዓዝ፣ ኣብ ጉዕዞኦም ብጻይ ክትኾኖምን ክትሓልየሎምን ንኣምላኽ ንምድላይ መጋበርያታት ምቕራብን እዩ።” ናብ መንእሰያት ብምምላስ ቤተ ክርስቲያን ብምህዞን ብምርዳእን ምስኦም ክትጸምድ ኣተባቢዖም፡ “ብዘይ ፍርዲ ክሰምዕ ዝኽእል ኣገልግሎት፣ ንመንእሰያት ዘድልይ መምርሒ ክህቦምን ኣብ ማሕበረሰብ እምነት መዕቆቢ ከቕርበሎምን ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሕንጸትን ተልእኾን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ “ህጹጽ ኣገዳስነት ሕንጸት” እውን ኣስተውዒሎም፣ ቁምስናታትን ማሕበረሰባትን “ፍርያም” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም - እምነት ዝሕብሕቡን ነቶም ዝረሓቑ ዝበጽሑን ቦታታት።
ንሕብረተሰብን ንመንእሰያት ወለዶን ዝጸሉ ጉዳያት ኣብ ህይወት ሰበኻ ምውህሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ስደት፣ ክንክን ፍጥረት፣ ጥዕና ኣእምሮን ብድሆታት ወልፍን ሓዊሱ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ኣብ ኩሉ ክኢላታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፡ እንተኾነ ግን ከተማና ከተቕርቦ እትኽእል ብዙሕ ብቕዓትን ተኽእሎታትን እናሰማዕና ነዚ ክውንነታት ከነስተንትነሉ ኣሎና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሲኖዳውነትን ሓድነትን ምዕባይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መደረኦም ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሲኖዳውነትን ተልእኾን መንፈስ ብሓባር ክትጓዓዝ ኣተሓሳሲቦም፣ ካብ ክፍሊ ወንጌል ዮሓንስ፣ ዛንታ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ተወኪሶም፡ “ንሕናውን ዕትሮታትና ሓዲግና፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ነቲ ንዘለኣለም ጽምኢ ዘጥፍእ ማይ ሒዝና ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጐዪ ኣሎና . . . ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን “ብሲኖዳውነት፣ ሓድነት፣ ብሓባራዊ ሓላፍነትን ተልእኾን” ከም እትዓቢ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ “ናይ ምትእምማንን ተስፋን ድንግል ሕውየት ሮማውያን ንጉዕዞና ተሰንዮን ትሓልዎን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
