2025.09.18  ሊቀ ጳጳሳት ዋቾውቭስኪ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዒራቕ 2025.09.18 ሊቀ ጳጳሳት ዋቾውቭስኪ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዒራቕ  

ሊቀ ጳጳሳት ዋቾውቭስኪ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዒራቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንየኔታ ሚሮስላው ዋቾቭስኪ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዒራቕ እንክብሉ ሰምዮም፣ ናብ መዓርግ ሊቀ ጵጵስና ክብ ከም ዘበልዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሊቀ ጳጳሳት ዋቾቭስኪ ካብ 2019 ዓ.ም. እትሒዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝጸንሑ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾቭስኪ ክሳብ ሕጂ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ፣ ኣብ ዒራቕ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድቲ መንበር ንኽኾኑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 18 መስከረም ከም ዝሰመይዎምን፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እውን ኣብ ብሮቾሶላረ ናይ ቪላማይና ስዩም ሊቀ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዝሓብረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሊቀ ጳጳሳት ዋቾውስኪ ዕለት 8 ግንቦት 1970 ኣብ ፒስዝ (ፖላንድ) ዝተወልዱ፣ ዕለት 15 ሰነ 1996 ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም፣ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤልክ ኣባል ውሉደ ክህነት ኮይኖም ዘገልገሉን፣ ብሕጊ ቀኖና ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ዘመስከሩን ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2004 ጀሚሮም ሰነጋል ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበ ርሓርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈትን ቀጺሎም ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA)፡ ኣብ ውድብ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ኤውሮጳ (OSCE)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ፍሉያት ትካላትን ኣብ ቪየና፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ከም ዘገልገሉን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክፍሊ ዝምድናታት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ወጻኢ ቅድስቲ መንበር ተመዲቦም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ኮይኑ ከም እተመዙን ቋንቋታት ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ስጳይናን ሩስያን እውን ዝዛረቡ ከም ዝኾኑ ይሕብር።

19 Sep 2025, 17:32