2023.08.02 San Francesco, il dono del mantello. Giotto 2023.08.02 San Francesco, il dono del mantello. Giotto 

“ናተይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ”፦ ድሕሪ ዕረፍቶም እተሓትመት ሓዳስ መጽሓፍ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ

ድሕሪ ዕረፍቶም ሓንቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዳለወት "ናተይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ" (My St Francis) ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፣ ካብ ዕለት 18 መስከረም ጀሚራ፣ ኣብ ናይ ኢጣልያ ቤተ መጻሕፍቲ ክትዝርጋሕ እያ። እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ መንጎ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ኣብ መንጎ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ምንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮን እተገብረ ዝርርባት እተቕርብ ክትከውን ኢያ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ "እቲ ናተይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ" ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ድሕሪ ዕረፍቶም ብበዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እተደርሰትን፣ ብብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ እተዳለወት መጽሓፍ ኮይና፣ ብዕለት 10 መስከረም ኣብ ኣሲዚ "ኣጸድ ፍራንቸስኮ" ኣብ ዘርእስቱ ጉባኤ ቀሪባ ተመረቐት።

ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ዕዮ ከቕርቡ እንከለው፣ ምስቲ ኣብ 2020 ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንክኾኑ ዝሾምዎምን፣ ጸሓፊ ጉባኤ ካርዲናላት ንክኾኑን ዝመዘዝዎም ምስቶም ዝሓልፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ጥብቕ ምትሕብባር ከም ዝነበሮ ዘከሩ።

እታ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮን እተገብረ ሕውነታዊ ርክብ እተቕርብ መጽሓፍ፣ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተላእከት መልእኽቲን መቕድም ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን ዝሓዘት እያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን "ቅዱሶምን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ጽሑፍ፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ዝነበሮም ብሕታዊ ርክብ ብዕምቈት የስተንትኑ ነበሩ፣ እቲ ንጵጵስናዊ ስሞም ክመርጽዎ ዘነቓቕሖም ቅዱስ፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ፍጥረትን ሰላምን ሕውነትን ዝሃቦ ምስክርነት ኢዩ ዝንበረ።

እቶም ዝሓለፉ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንራንቸስኮ ብዛዕባ ድኽነት ዝነበሮም ሓሳባትን ምርዳእን፣ ብዛዕባ ስድራ ቤትን ስቓይን ሞትን ዝነበሮም ርድኢት ከምኡውን ብዛዕባ "ቍስልታት" ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ሓልዮት እኹል ቦታ ይህብዎ ነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ጸሎት ከምዚ ይብሉ፦

"ብዛዕባ ጸሎት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክሓስብ ከለኹ፣ ብዛዕባ ንብዓቱን ብኽያቱን እሓስብ ነብርኩ። ንዕኡ ጸሎት ዓሚቝ ስምዒት ይህቦ ንበረ። እቲ ምስ ኢየሱስ ዝነበሮ ርክብ ሓሳብ ወይ ክልሰ-ሓሳባዊ ዘይኰነስ ማእሰር ፍቕርን ሓልዮትን እዩ ዝነበረ። ኣነ እውን ሓድሓደ ግዜ ምስ ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ዝዕየ ነገራት ኣብ ዚህልወሉ እዋን፣ ንጸሎት እሙን ንምዃን ይደኽመኒ ነበረ። ንሓጺር እዋናትን ንኣሽቱ ቦታታትን እውን ከይተረፈ ኣኽቢረ ኽርእዮ ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ. . . ተራ ህይወት በቲ ኻብ ጸሎት ዚመጽእ ብርሃን ክበርህ እንተ ፈቒድናሉ ፍሉይ ይኸውን።"

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14ን ካርዲናል ፓሮሊንን ዝገበርዎ ኣበርክቶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ፣ ነዚ ጽሑፍ እዚ ዘለዎም ሞሳ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፦

"ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንደገና ንኽንሰምዕ ዘኽእለና ኢዩ። ኣብዚ ዝርርብ እዚ ስም ፍራንሲቸስኮ ከም ዝወሰዱ ጥራይ ዘይኰነስ ህያው ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፣ ንገጽ ተልእኾኡ ውን ከም ዘንጸባረቑ ኣርእየና።"

ኣብ መቕድም እዛ ሓዳስ መጽሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ፣ እዛ መጽሓፍ ከም ምስክር እምነት መጠን ዘለዋ ኣገዳስነት የጕልሑ፦

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ጐይታ ዝሃበና ብዙሕ ውህበት ይምስክሩ እዮም። ነቲ ኣብ ህይወቶም ዝነበረ ኣጸጋሚ ኽፋላትን ተዘክሮታትን ስድራ ቤቶም ውን ይዝክሩ፣ ነዚ ዅሉ ድማ በቲ 'ንእሽቶ' ቅዱስ በዓል ኣሲዚ ዝመሃሮም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው እንደገና የንብብዎ። ኣብዘን ገጻት እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ፣ ነቲ ብህያው ተዘክሮታትን ምስጋናን ዝቘመ ዳርጋ 'መንፈሳዊ ኑዛዜ' ከነንብብ ንኽእል ኢና" ክብሉ ጸሓፉ።

11 Sep 2025, 16:55