ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ፍትሒ ብጥበብን ፍቕርን ምሕረትን ህያው ክኸውን ኣለዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 20 መስከረም ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንፍትሒ እተወፈየ ምዃኑ ብምምልካት ኣብዚ መደብ ኢይቤል ፍትሒ ንዝሳተፉ ሰብ ሞያ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ሕግን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ ኣምር ፍትሕን ዕማሙን ዓሚቝ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም፣
ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ብብዙሓት ኣማኢት ንዝቑጸሩ ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፣ ፍትሒ ንስርዓታዊ ምዕባለ ሕብረተሰብን ንሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዘነቓቕሕን ዝመርሕን መተካእታ ዘይብሉ ባህርይ ኣዕኑድ ሓይላት” ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፣ ነቲ “ፍትሒ ኣፍቅሩን ካብ ክፍኣት ርሓቑን” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምዕዳን፣ “ንነፍሲ ወከፍ ግቡኡ ምሃብ” ዝብል ባህላዊ ትርጉም ፍትሒ ብምዝካር፡ እዚ መልክዕ ፍትሒ’ውን እንተኾነ “ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ዓሚቝ ትጽቢታት ኣየዳኽምን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን
ፍትሒ፡ "ክብሪ ናይቲ ሰብ፡ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብን ሓባራዊ ሸነኽ ሓባራዊ ህይወትን፡ ምስ መሓውራቱን ሓባራዊ ሕግታቱን" የወሃህድ። “ልዕሊ ዅሉ ጽቡቕ ባህርይ፣ ማለት ንኣካይዳና ብመሰረት ኣመክንዮን እምነትን ዝእዝዝ ጽኑዕን ርጉእን ባህሪ” ምዃኑ ዘኪሮም፣ እዚ ድማ “ንኣምላኽን ንብጻይናን ዝግብኦም ንምሃብ ቀጻልን ጽኑዕን ድሌት” ዝሓዘ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናብ 'ዝለዓለ ፍትሒ' ዝተጸወዐ
እንተኾነ ግን ፍትሒ “መሰል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከነኽብርን፣ ነቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝዕቅብ ስኒት ከነስፍሕን ክድርኸና እንከሎ፡ ወንጌል “ዝለዓለ ፍትሒ . . . ምሕረት ኣብ ዝምድናታት መፍትሕ ትርጉም ምዃኑ” ይምህር። እዚ ድማ ንሓደ ሰብ ናብ ይቕረ ምባል የሰጋግሮ።
“ኣብ ትእዛዝ ፍቕሪ ንቡር ዝኾነ፡ ንልዕለ ባህርያዊ ምስ ሰብ ክጥርንፍ ዝኽእል ቅዋማዊ ባእታ ፍትሒ ኮይኑ ዝቕልቀል ሓይሊ ይቕር ምባል እዩ - ቢሎም - ወንጌላዊ ፍትሒ ካብ ሰብኣዊ ፍትሒ ኣየርሕቕን በንጻሩ ኣብ ሕቶ የእትዎን ዳግማይ ይቐርጾን፣ ኩሉ ግዜ ካብኡ ንላዕሊ ክኸይድ ይብድሆ፣ ምኽንያቱ ናብ ዕርቂ ስለ ዝድርኾ . . . ንእከይ ምቕጻዕ ጥራይ ዘይኮነስ ምጽጋን ዝብል ዘለዎ ዕማም “ነቶም . . . ንርእሶም ኣብ ዘይንቀፍ ኣነባብራ ዝውፍዩ ግን ብዙሕ ዝሓትት እዩ፡ ግን ከኣ ዘይከኣል ኣይኮነን፣ ነቲ እናዐበይ ዝኸይድ ዘሎ ኣድልዎታት" ናብ "ምኽልካል ተበጻሕነት ፍትሒ" ዝመርሕ ምዃኑ ብምእማን፡ ሓቀይና ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ወግዓዊ ማዕርነት ጥራይ ማለት ኣይኰነን" ኣብ ክንዳኡስ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣስተንፎሶታቱ ንምፍጻም ከምኡውን ነቲ ኣብ ክብረቱ ዘሎ መሰላት ብስርዓት ሓባራዊ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ውሕስነት ክወሃቦ ንኽርኢ ዝወሃቦ ዕድል" ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጠለባት ፍትሒ ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓት
እቲ ኣገዳሲ ነገር ድማ ኢዮቤል “ብተወሳኺ "ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሳዕ እኹል ኣትኵሮ ዘይግበረሉ መዳይ ፍትሒ ከነስተንትነሉ ይዕድመና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኵነታት ህይወቶም ኣዝዩ ዘይፍትሓውን ኢሰብኣውን ስለ ዝዀነ ተቐባልነት ዘይብሉ ብምዃኑ 'ፍትሒ ዝጠምዩን ዝጸምኡን' ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ክንሓስብ ይዕድመና።"
ኣብ ህሉው ኩነታት ዓለም ድማ “ብዘይ ፍትሒ መንግስቲ ክመሓደር ኣይክእልን እዩ፤ ሓቀይና ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር ሕጊ ክህሉ ኣይከኣልን እዩ” ዝብል ቃል ቅዱስ ኣውጎስጢኖስ ጠቒሶም ብምዝኽካር፣
ከምኡ’ውን ፍትሒ ንነፍሲ ወከፍ ግቡኡ ክረክብ ዝገብር ጽቡቕ ባህሪ ምዃኑ ኣስሚሮም - ንሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣምላኽ እውን፣ ደጊሞም ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ “ስለዚ ንደቂ ሰባት ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ ሓቀይና ሰብኣዊ ፍትሒ ኣይኮነን - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ “እቲ ጠለብ ዝሓትት ቃላት ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ንነፍሲ ወከፍና ፍትሕን መሰልን ሰብኣዊ ክብርን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንገልጽ፡ ኣብ ኣምላኽ ኣተኲርና፡ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ፍትሒ ክንለማመድ የነቓቕሓና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
