ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቁምስና ቅድስቲ ሃና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቁምስና ቅድስቲ ሃና  (Lorena Leonard)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ኣብ ቁምስና ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ሃና ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ጥንታዊት ኣብ 1929 ዓ.ም. ንኣጎስጢኖሳውያን ገዳማውያን ማሕበር ጉስነታዊ ክንክን ብሓላፍነት ኣብ ዝተዋህበት ኣብ ቫቲካን እትርከብ ቁምስና ቅድስቲ ሃና ሰንበት ዕለት 21 መስከረም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 21 መስከረም ንግሆ ኣብ ቫቲካን ኣብ ኣትርከብ ቁስምና ቅድስቲ ሃና መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ከም ዝኾኑን ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስነቶም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ቅድሚ ምሕራዮም ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፕሮቮስት እንከለዉ ብምኽንያት ዓመትዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ቅዱሳን እያቄምን ሃናን መስዋዕተ ቅድሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕንጸት ቁምስና ቅድስቲ ሃና

እታ ኣብ ሃገር ቫቲካን እትርከብ ቁምስና ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝቖመት ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ፈለማ ከም ጳጳሳዊ ማሕበር ሕውነት መራዑት መንበር ዝነበረትን ቅድስቲ ሃና እውን ጠበቓ መራዑት ተባሂላ እውን ከም እተሰመየትን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዕለት 30 ግንቦት 1929 ዓ.ም ካብ ውዕላት ላተራን - ሓዋርያዊ ቅዋም መሰረት ድማ ቁምስና ክትከውን ተወሲኑ ናይታ ቑስምና ጉስነኣዊ ኣገልግሎት ብሓላፍነት ንኣውጉስጢሳውያን ገዳማውያን ማሕበር ከም ተወሃበን ዕለት 7 ነሓሰ 1929 ዓ.ም. ኣጎስጢኖሳዊ ካህን ኣባ ኣጎስቲኖ ሩኤሊ ቀዳማይ ቆሞስ ኮይኖም ከም እተመዙን ኣብዚ እዋን ድማ ኣባል ማሕበር ኣጎስጢኖስውያን ኣባ ማሪዮ ሚላርዲ ቆሞስ ከም ዝኾኑ ኣፍልጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቁስምና ቅድስቲ ሃና

ሓያሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቁስምና ቅድስቲ ሃና ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ፒዮስ መበል 11 ዕለት 7 ለካቲት 1931 ዓ.ም.፣ ዕለት 20 ጥሪ 1961 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ መበል 23፤ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 29 ግንቦት 1970 ዓ.ም.፣ ቁምስናይ እንክብሉ ዝገለጽዋ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 10 ታሕሳስ 1978 ዓ.ም.፣ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 5 ለካቲት 2006 ዓ.ም. ከምኡ’ውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈለማ እዋን ዕለት 17 መጋቢት 2013 ምብጻሕ ኣካይዶም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

20 Sep 2025, 17:36