ካርዲናል ጹፒ፡ ንውግእ ኣይፋል ምባል እቲ እንኮ መንገዲ ፍትሒ እዩ ካርዲናል ጹፒ፡ ንውግእ ኣይፋል ምባል እቲ እንኮ መንገዲ ፍትሒ እዩ  (AFP or licensors)

ካርዲናል ጹፒ፡ ንውግእ ኣይፋል ምባል እቲ እንኮ መንገዲ ፍትሒ እዩ

ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጹፒ ዕለት 17 መስከረም ኣብ ከተማ ጀነቭ ከም ኣካል መበል 60 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንመበል ሚእቲ ዓመተ ውልደት ኣባ ኦረስተ ቤንዚ ኣማእኪሉ ብ ዝተዳለወ ፍሉይ መድርኽ፡ "ሰብኣዊ ፍጥረት ኲናት ደው ለብልዎ ኣለዎም እንተዘይኮይኑ ግና ውግእ ንደቂ ሰብ ከጽንት እዩ"" ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንውግእ ኣይፋል ምባል ንግርጭታት ንምፍታሕ እቲ እንኮ መገዲ እዩ፣ እዚ ኣምር እዚ ናይ ሓለምቲ ዘይኮነስ ንክውንነታውያን እዩ፣ ነቶም ድሕሬና ዝመጹ ዝበለጸ እነመሓላልፎ መልእኽቲ እውን እዚ እዩ” ዝበሉ ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ ሊቀ ጳጳሳት ቦሎይና ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ (CEI) ዕለት 17 መስከረም ኣብ ጀነቭ ከም ኣካል መበል 60 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንመበል ሚእቲ ዓመት መስራት ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ኣባ ኦረስተ ቤንዚ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተዳለወ ፍሉይ መድርኽ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ብምስታፍ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፣  ኣብቲ መበል 60 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቭ - ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ዋዕላ መርሕ ቃል "ይኣክል ውግኣት! ብሰብኣዊ መሰላትን ልምዓትን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ምህናጽ" ዝብል እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቑዕ መሳርሒ ምግባር

ኲናት ሓንሳብ ንሓዋሩ ብጭቡጥ ምእላይ" ዝብል መርገጺ ሕቡራት ሃገራት ንኽፍጠር ዝገበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ እውን ዝጸንሐን ዝኸበረን ትውፊት ሕቡራት ሃገራት'ዩ፣ ብርግጽ ሎሚ ምስ ዘሎናሉ ግዜ ዝሰማማዕ መጋበርያ ንኽኸውን ጽገና የድልዮ - ምስ በሉ - ሚዛን ሓይሊ፣ ኩሉ ግዜ ኣዝዩ ዘይርጉእን ናይ ግድን ናብ ብድሆ ሓይሊ ዝመርሕን እዩ" ስለዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ "ከምቲ ኣጽዋር ካብ ምፍታሕ ንላዕሊ ኣብ ዳግመ - ዕጥቂ ኣዝዩ ይፍጸም . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝበለዎ ነፍሲ ወከፍ እቲ እናተፈናጀረ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ንዓና ክምልከተና ኣለዎ፣ ካብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ቀቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ግዴታዊ መንገዲ ዘመናዊ ስልጣነ፣ ደጊም ሓደ ኣንጻር እቲ ካልእ ከይከውን ዝብል እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ነተን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፈለማ ሕርየቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ኣጽዋር ዘራገፍን ኣጽዋር ዘፍትሕን ሰላም" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፣ "ደቂ ሰብ ኲናት ደው ኬብልዎ ኣለዎም ወይ ከኣ ውግእ ንደቂ ሰብ ኬጥፍእ እዩ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንሰብኣዊ ክብሪ ተወፋይነት

ድሕሪ ካርዲናል ጹፒ መደረ ዘስምዑ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ነጋድያን ተስፋ ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምዝኽካር፡ ኣባ ቤንዚ ድማ "ናይቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መርሕ ቃል ሓያል ምስክር ምንባሮምን፣ ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ብተኣማንነት ዝመልአ ልቢ ንመጻኢ ክጥምቱ ምሕጋዝ ሓላፍነትና ምዃኑ ብቓልን ተግባርን ኣርእዮምና እዮም . . . ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት ግን፡ "ግርጭታት ዝበዝሐሉን ዘይርጉጽነት ዝሰፍነሉን፡ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ፣ ንድኻታት ጻውዒት ቅርበትን ሓገዝን ምርጫዊ ስጉምትን ምግባር” ዝብል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  ሰላም ኲናት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ "ንጽቡቕ ህይወትን ክብርን ደቂ ሰባት ተወፋይነት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ምውዳብ

ከምቲ መስራቲ ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ኣባ ቤንዚ ዝበሎ፡ "ደቂ ሰባት ወትሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ውግኣት ወዲቦም እዮም፤ ሰላም ምውዳብ ክንጅምር ግዜኡ'ዩ።" ኣብቲ ዋዕላ፡ ዩክሬንን ዩጎዝላቭያ ነበርን ብዝምልከት ካብ ወለንተይናታት ስርሒት ርግቢት (APG23’s Nonviolent Peace Corps) ብቐዳምነት ዝረኣዩ ጸብጻባት ከም ዝቐረበን፣ "ኣባ ቤንዚ ምስ ድኻታት ደው ክብል መሪጹ፡ ግን ከኣ ዘይግደስ ኣይነበረን፤ ሓድሽ ሕብረተሰብ፡ ሕብረተሰብ ፍቕሪ ንምፍጣር እዩ ተቓሊሱ" እንክብሉ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዐ ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ማትዮ ፋዳ ገሊጹ፣ እዚ መልእኽቲ "ንስነ - መጎት ግርጭት ብናይ ምትሕብባርን ዘይጎነጻውነትን ንምትካእ" ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩ፣ በዚ መንጽር ፋዳ "ዘርኢ ሰላም" ምዝርጋሕ ኣገዳስነቱ ኣስሚሩ፡ እዚ ድማ ሃገራዊ ሚኒስትሪ ሰላም ክምስረትን ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳን ጸብጻባት ሰላም ዘቕርብ ኣካል ክሽየሙ ዝጽውዕ  ምዃኑ ከም ዘብረሀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተመኩሮታት ኣብ ኲናት

ካልእ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ክፍሊ ቤት ጽሕፈት መሰላት ምዕባለ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሺያሚ ፑቪማናንሲንግሄ ን27 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ስሪ ላንካ ብዓይና ዝረኣየቶ ቀጥታዊ ተመክሮ መሰረት ብምግባር፣ ኲናት ፈጺሙ ፍታሕ ኣይኮነን - ቢላ - ከም እቶም ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ኲናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ 19 ሚልዮን ህጻናት ወይ ንልምዓት ቓዛ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንድሕሪ ዝጎትት ጽልዋ ግጭት ዘርኢ መጽናዕቲ ዝኣመሰሉ መረዳእታታት ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት "ሓድሽ ድርኺት ብዝሃ ጎናውነት" ዝጠልብ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ-ምግባራዊ ብዝሓ - ጎናውነት

ኣብ መንበረ ጥበብ ቦሎይና መምህር ስነ - ቑጠባን ልሂቅ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ -ፍልጠትን ስቴፋኖ ዛማይኒ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ "ህላወና ኣብ ስነ - ምግባራዊ ብዝሓ - ጎናውነት እዩ ዝምርኮስ - ቢሉ - ኣብ መንጎ እቲ ሎሚ ኣብ ስነ ፖለቲካዊ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ደረጃ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ምስ ስልጣን ዝተተሓሓዘ ብዙሓ ጎናውነትን ኣብ ሕግታት እተመስረተ ብዙሓ ጎናውነትን" ፍልልይ ምፍጣር የድሊ . . . እቲ ዘድሊ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ ብዝሓ ጎናውነት እዩ! ብሰንኪ ስነ - መጎት ስልጣን "ኩናት ቁጥዐን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ጻዕሪ ሞት እዩ ዘሎ፣ ስነ - ምግባር ዘይብሉ ብዝሓ ጎናውነት ናብ ኲናትን ህውከትን ይመርሕ" እንክብል ኣጽኒዑ ብምሕባር፣ ስለዚ ከም ምፍጣር ሚኒስትሪ ሰላም ወይ በርገሳዊ ናይ ሰላም ኣካል ዝኣመሰሉ ጭቡጣት ተበግሶታት ንምትግባር "ናይ ሰላም ባህሊ" ከምዘድሊ ብምምልካት ዘስመዖ መደረ ከም ዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Sep 2025, 17:08