ር. ሊ. ጳ.፦ ኣምላኽ ንመስቀል ናብ መሰራሒ ሕይወት ይቕይሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ብዛዕባ ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣስተንቲኖም፣ "እቲ ዓብዪ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ ነቲ መሳርሒ ሞት ዝነብረ ናብ መጋበሪ ሕይወት" ከም ዝቐየሮ ውን ኣስተምሃሩ። ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ጽባሕ ሰኑይ ተዘኪሩ ዝውዕል፣ ዝኽሪ ምምስራት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት እውን ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ሰንበት ሥርዓት ላቲን እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክብረብ በዓል ቅዱስ መስቀል ተኽብር ብምህላዋ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ሰነበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ "ሎሚ ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ነኽብር ኣሎና፣ እዚ ክብረ በዓል ኣሎና እንታይ ማለት እዩ?” እንክብሉ ኣስተንትንትኖኦም ጀመሩ።

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ፣ ናብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርክቡር ብምግባር ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ “ንኒቆዲሞስ መምርሒ ዝኾነ ብርሃን የድልዮ ነበረ፣ ንኣምላኽ ይደሊ ስለዝነበር ከአ ናብ ጐይታ በዓል ናዝሬት ከይዱ ሓገዙ ክሓትት ተረኽበ" በሉ።

ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብግዲኡ ንኒቆዲሞስ፣ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎ "ሰምዖ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብሲ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ከም ዚግብኦ ገለጸሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኒቆዲሞስ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኦ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ስቕለት "ብርግጽ ጸኒሑ ኺርድኦ እዩ" በሉ። "ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼድሕን ሰብ ከም ዝዀነን ኣብ መስቀል ከም ዝሞተን ኪርዳእ ነበሮ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ፣ ሙሴ "ነቲ በስራዚ እተገብረ ተመን" ኣባላ ብምስቃል እተቐቕመሉ ምስሊ ከመይ ቢሉ ነቶም ብመርዛም ኣትማን እተነኽሱ እስራኤላውያን ንምሕዋይ ከም እተጠቕመሉ ገለጹ።

ካብ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን

"ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ብምግላጽ፣ ንገዛእ ርእሱ ከም ብጻይና፡ መምህርና፡ ሓኪምናን ፈታዊናን ገይሩ ብምቕራብ፣ ኣብ ምስቲረ ቅዱስ ቍርባን እተቘርሰ እንጌራ ኮይኑ ኽሳዕ ምቕራብ ኣድሒኑና ኢዩ" በሉ። "ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ድማ፣ ሓደ ኻብቲ ሰብ ካብ ዝመሃዞ ኣዝዩ ጭካነ ዝመልኦ ናይ ሞት መሳርሒ ዝነበረ ማለት መስቀል ተጠቕመ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ሎሚ ነዚ መስከል እዚ 'ልዕል' ብምባል እነኽብሮ ዘሎና፣ ምኽንያቱ ኣምላኽ ንመስቀል ንድሕነትና ክብል ብምቕባል፤ ካብ መሳርሒ ሞት ናብ መገዲ ህይወት ዝቐየረላ ፍቕሪ ስለ ዘላትና፣ ካብኡ ኺፈልየና ዘይክእል ነገር ከም ዘየልቦን፣ ፍቕሩ ድማ ካብ ሓጢኣትና ኸም ዚዓቢ ምሂሩና እዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም፣ ንምእመናን "ብኣማልድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቢሎም . . .፣ እታ እተድሕን ፍቕሩ ኣብ ውሽጥና ሱር ክትሰድድን ክትዓብን፣ ከምቲ ንሱ ገዛእ ርእሱ ንዅላትና ምሉእ ብምሉእ ዝሃበና፣ ንሕና እውን ገዛእ ርእስና ንሓድሕድና ምእንቲ ክንወሃሃብ ኽንመህረና ቢሉ እዩ" ክብሉ ዛዘሙ።

መበል 60 ዓመት ምስረታ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት መልአከ መልኣከ ድሕሪ ምድጋሞም፣ ነቲ ብዕልት 15 መስከረም 1965 ዓ.ም.፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተመስረተ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ውን ዘኪሮም።

"ጽባሕ መበል 60 ዓመት ናይቲ ብትንቢታዊ ራኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እተመስረተ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክዝከር ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ጳጳሳት ምስቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝያዳ ምሉእን ውጽኢታውን ሕብረት ክገብሩ ይኽእሎም ኣሎ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነዚ ተበግሶ እዚ ብምዝካር "እዚ ዝኽሪ እዚ ንሓድነት ንሲኖዶሳዊነትን ልእኽትን ቤተ-ክርስትያን ከነስተንትንን፣ ሓድሽ ቈራጽነት ከነነቓቕሕን ከም ዝኽእል" ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

15 Sep 2025, 16:51