ር. ሊ. ጳ. መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፦ ህይወት ኢየሱስ ክቡር መዝገብ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖም፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት ከም እተሓብአ ክቡር መዝገብ እያ" ብምባል ከም ዘስተምሃረ ብምስካር፣ ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ነቲ ፍሉይ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ሰሙን ቀዳም ቀዳም ዝካየድ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ቐጸልዎ።
ኣብ ኣስተምህሮኦም ቅዱስ ኣቦና፣ ብዛዕባ እቶም ቈልዑ ኣብ ምድሪ ክዅዕቱ ኸለዉ ዝስምዖም "ፍሉይ ስምዒት" ብምስትንታን ኢዩም ነቲ ኣስተንትኖኦም ዝኸፈትዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ኣብ ትሕቲ መሬት እንታይ ከም ዘሎ ንምርኣይ፣ ነቲ ተሪር መሬት ምድሪ ይኹዕትዎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "መንግስቲ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ እያ እትርከብ። ነቲ ሓቀይና ኽውንነት ኵዒትና ምስ እንሓልፎ፣ ተስፋ ኣባና ከም ብሓድሽ እዩ ዚለዓዓል" በሉ።
ቅድስቲ እሌኒ፣ 'ሃሰስ እትብል ሰበይቲ'
እቶም "ምናዳ ኣብ ቦታ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ" ንእምነቶም ብነጻነት ክነብሩ ምስ ከኣሉ፣ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ክዅዕቱ ዝጀመሩ ቐዳሞት ክርስትያናት የዘኻኽረና።
ኣብነት ናይታ ብመሰረት ኣድማሳዊ ልምዲ ኵዕታ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝደገፈት ኣደ ናይ መጀመርታ ሃጸይ ክርስትና ዝዀነት ቅድስቲ እሌኒ ጠቐሱ። ቅድስቲ እሌኒ "እትደሊ እትዅዕት ሰበይቲ" ተባሂላ ኸም እትዝከር ውን ገለጹ። "እቲ ንተስፋ ዜጐሃህር መዝገብሲ ህይወት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ" ድማ በሉ “ስለዚ ነቲ ኣሰራሩ ሃሰስ ክንብሎ ኣሎና”።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ቅድስቲ እሌኒ ዝገበረቶ ጻዕሪ፣ በቲ ኻብ ትሑት መበቈላ ኣትሒዛ ኣብ ህይወታ ዝጾረቶ መስቀል ክግለጽ ከም ዝኽእል ሓሳባቶም ኣካፈሉ። ንግስቲ እሌኒ ኣብ ምሉእ ህይወታ ጓህን ሓዘንን ኣጋጢምዋ እኳ እንተ ነበረ ግን ከአ "ሃሰስ እትብል ሰበይቲ" ነበረት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ክርስትያን ክትከውን ወሲና ብምንባራ፣ ነቶም ንሳ ባዕላ ነቶም መበቆላ ዝኾኑ ትሑታት ሰባት ከይረስዐት ድማ ወትሩ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታት ትገብር ነበረት " በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ክብረታን እምነታትን" ብምጕላሕ፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ "ሎሚ እውን ንዓለም ይቕይራ ኣሎ፣ እዚ ድማ ልክዕ ከም ዕዮ ሓረስታይ ናብቲ መዝገብ ከም እንቐርብ ይገብረና ኢዩ" በሉ።
ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ
'ነፍስወከፍና ንልባትና ንምዅስኳስ ጻዕሪ ኸም ዝሓትት' ድማ ኣጕልሑ ። ግናኸ ብምዅዓት ሓደ ሰብ ገለ ክረክብ ይኽእል ኢዩ፣ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ብምባል ናብቲ ከማና ንኪኸውን ገዛእ ርእሱ ዝቐንጠጠ ጐይታ ብዝያዳ ንቐርብ ኢና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብቅድስቲ እሌኒ እተገብረ ዅዕታ እተረኽበ ቅርስታት ሕማማት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንደገና ብምዝካር፣ ንሱ መስቀል ጐይታንትን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ትሕቲ እቲ ደረቕ ዝኾነ መሬትና እዩ ዘሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ "ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ዘሎ መዝገብ ብሸለልትነት ክንረግጽ" ከም ዝከኣል ድማ ኣተንቀቑ። ንሱ ግና "ከም ቈልዑ እንተ ዄንና ካልእ መንግስቲ ማለት ካልእ ሓይሊ ኽንፈልጥ ኢና ። ኣምላኽ ናብ ላዕሊ ምእንቲ ከተንስኣና ኢሉ፣ ዅሉ ሳዕ ኣብ ትሕቴና እዩ ዝርከብ" በሉ።
