ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቍምስና ቅድስቲ ሃና፦ 'ንኽልተ ጐይተት ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቍምስና ቅድስቲ ሃና ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንምእማናን ናብ ውሽጣዊ ሰውራ ልቢ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብኡ ድማ፡ ምእመናን ኣንጻር እቲ 'ንክልተ ጐይተት' ናይ ምግልጋል ዝንባለ ክጻረሩን፣ መራሕቲ ሃገራት ከኣ ንሃብቲ ኣንጻር ሰብኣውነት ንምጥቃም ካብ ዝቐርበሎም ፈተና ናጻ ኪዀኑ ጸለዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቍምስና ቅድስቲ ሃና  ኣብ ዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ጐይታ 'ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን' ቢሉ ብምስትምሃር ንልብና ኣበይ ከም እንብሮ ከም ዘሎና ናብ እንውስነሉ ኣነባብራ ከም ዝጸውዓና ኣስተምሃሩ።

እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝተመስረት ቦታ ኣምልኾ፣ ካብ 1929 ኣትሒዙ ንጕስነታዊ ሓልዮት ማሕበር ካህናት ኣጐስቲኖሳውያን ሕድሪ እተዋህበ ቍምስና ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቍምስና ደብረ ቅድስተ ሃና ቫቲካን እንክኸዱ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቍምስና ደብረ ቅድስተ ሃና ቫቲካን እንክኸዱ   (@Vatican Media)

ሰፈር ጽሞና ነልባብን ግዜ ጸሎትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባታ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን እተረኽቡ ምእማናንን፡ ነቶም ኣባኡ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያንን ብፍላይ ድማ ንክቡር ቆሞስ ኣባ ማሪዮ ሚላርዲን፣ ንቶም ሓድሽ እተመርጹ ጠቕላሊ ሓለኻ ማሕበር ክቡር ኣባ ጆሴፍ ፋረልን ከምኡ ውን ነቶም ካብ 1991 ክሳዕ 2006 ቆሞስ እዚ ደብሪ እዚ ኮይኖም ንዘገልገሉ ክቡር ኣባ ጆየል ሺያቤላን ኣብ ዝለገሱሎም ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ምስጋናን ሰላምታን ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም፣ እዛ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ መእተዊ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝኾነ፣ ኣብ ፍሉይ ቦታ ከም እትርከብ ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ዜመልክት እዩ፦ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ "ኣብ ዶብ" ኢና ዘለና፣ ብቅድሚ ቅድስት ሃና ከኣ ኵሎም እቶም ናብዛ ኸተማ ዚኣትዉን ዚወጹን ብኣኡ ኣቢሎም ይሓልፉ። ነቶም ብእተፈላለየ መገድታት "ንቍምስናዊ ህይወት ንማሕበረሰቦም ህያው ንምግባር ዝሕግዙን ለጋስ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙን" ኣባላት ሰበኻ ውን ኣመስገንዎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ገሊኦም ንስራሕ ገሊኦም ከም ከም ኣጋይሽ ወይ ከም ነጋድያን፣ ገሊኦም ከኣ ብታህዋኽ ገሊኦም ከኣ ብጭንቀት ወይ ብህድኣት ብኣኡ ከም ዝሓልፉ ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ "ነፍሲ ወከፎም ኣብዚ ኽፉት ማዕጾን ልብን ቦታ ከም ዘለዎም — ንጸሎትን ንምስማዕን ንልግስን" ከም ፍሉይ ሰፈር ከም ዘሎ ተስፋ ኸም ዝገበሩ ውን ገለጹ።

ምስ ጐይታ ዘሎና ርክብ ብጥንቃቐ እንምርምረሉ ግዜ

ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል፣ ነቲ ምስ ጐይታ ዘሎና ርክብ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ዕድመ ከም ዘቕርበልና ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተዘክሮኦም እንክገልጹ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዓከማዊ ሃብትን ንጹር ኣማራጺ ከም ዘሎ ኣመልከቱ፣ 'ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይተት ኬገልግል ኣይክእልን እዩ'፣ ስለዚ 'ንኣምላኽን ንገንዘብን ከተገልግሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም' ዚብል ንጹርን ስሙርን  ኣቕዋም ክንሕዝ ይሓትተና ኣሎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "እዚ ከም ብዙሓት ካልኦት ሓላፊ ዝኾነ ምርጫ ወይ ከከም ኵነታቱ ምስ ግዜ ክመሓየሽ ዝኽእል ኣማራጺ ኣይኰነን" የግዳስ "ሓቀይና ኣነባብራ ዝሓትት ኢዩ። ንልብና ኣበይ ከም እነምብሮ ምውሳን፣ ብሓቂ ንመን ከም እነፍቅር፣ ንመን ብተኣማንነት ከም እነገልግል ከምኡውን እቲ ሓቀይና ምርጫና እንታይ ምዃኑ ምንጽጻር እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቍምስና ቅድስቲ ሃና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቍምስና ቅድስቲ ሃና ቫቲካን   (@Vatican Media)

ውሽጣዊ ሰውራ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ካብ እተወለድናሉ እዋን ኣትሒዝና ኵላትና ሓልዮትን ፍቕርን፣ ቤትን ምግብን ክዳንን ከም ዜድልየና ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ ኰይኑ ግና "ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ፣ ዘይቅኑዕ መጋቢ ዚሓስቦ ዓይነት ሃብቲ ንህይወትና ዜድሕን ሃብቲ ምዃኑ ምስ እንኣምን፣ ነቲ ኣብ ልብና ንኣምላኽ ዘሎና ጽምኢ ክትክኦ ይኽእል እዩ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቁ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ብዘይ ኣምላኽ ብጽቡቕ ክንነብር ንኽእል ኢና ኢልና ምሕሳብ፣ ብዘይ ሃብቲ ግን ሓዘንን ብማእለያ ዘይብሉ ድሌታትን ህይወት ክኸብደና ኢዩ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ስግኣት ከም ዝስምዓና ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም፣ ኰይኑ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ብምትእምማን ሓገዝ ኣብ ክንዲ እንሓትትን ምስ ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ እንካፈልን "ንኻልኦት ክንጸባጸብን ክንእክብን ክንጠራጠርን ዘይንተኣማመንን ኢና እንኸውን" ብምባል ውን ኣትሪሮም መዓዱ።

ይኹን እምበር "ቃል ጐይታ ንሰባት ኣብ ተወዳደርቲ ደረጃታት ሕብረተሰብ ኣይከፋፍሎምን እዩ። ንዅሉ ሰብ ናብ ውሽጣዊ ሰውራ እዩ ዝጽውዖም፣ እዚ ኸኣ ካብ ልቢ ዚጅምር ለውጢ እዩ" ክብሉ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ምእንቲ መራሕቲ ሃገራት ጸልዮም

ኣስዒቦም ድማ ከምዚ በሉ፦ "ብፍላይ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን፣ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ንሃብቲ ኣንጻር ሰብኣውነት ክጥቀሙሉ ኻብ ዝቐርበሎም ፈተና ሓራ ምእንቲ ኺወጹ ትጽሊ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ንሕዝብታት ዜጥፍእ ኣጽዋርን ንሰራሕተኛታት ዜዋርድ ውልቀ መላኽነትን ምእንቲ ክቕይር እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ንኣምላኽ ዜገልግል ዘበለ፣ ኻብ ፍትወት ገንዘብ ናጻ ይኸውን፣ እቲ ንሃብቲ ዜገልግል ግና ባርያኡ ይኸውን! ፍትሒ ዝደሊ ንሃብቲ ናብ ሓባራዊ ረብሓ ይቐይሮ፣ እቲ ኺገዝእ ዚደሊ ግና ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ግዳይ ስስዐኡ ኢዩ ዝገብሮ።"

ቅዱሳት መጽሕፍቲ ነቲ ንልብና ዜደናግርን ንመጻኢና ዚጠዋውዮን ምስ ስጋዊ ጥሪት ዘሎና ርክብ ብንጹር ክንርእዮ ይገብሩና ኢዮም።

ብዓመጻ እተጨፍለቐ

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ምእመናን "ኣብዚ ውግእን ስግኣትን ዝሰፈኖ ዘመን" ብተስፋ ኺጸንዑ ኣተባብዕዎም።

"ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፣ ብዓመጻ ይጭፍለቑ ኣለዉ ፣ ብዝያዳ ኸኣ በቲ ናብ መከራ ዝድርብዮም ሕፍረት ዘይብሉ ዘይምግዳስ ይጭቆኑ ኢዮም ዘለዉ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እዚ ዜሕዝን ፍጻመታት እዚ ምስ ኣጋጠሞም "ኢየሱስ መድሓኔ ዓለም ካብ ኵሉ ኽፍኣት ሓራ ዜውጽኣናን ምዃኑ ብቓልን ብግብርን ክንእውጅ እምበር፣ ዝተደናገሩ ክንከውን ኣይንደልየናን ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ መንፈስ ቅዱስ "በቲ ዝለዓለ መዝገብ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ቅዱስ ቍርባን እናተመገበርና፣ ናይ ልግስን ሰላምን መሰኻኽር ምእንቲ ኽንከውን" ንልብና ኪልውጦ ተስፋ ብምግባር ስብከቶም ደምደሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ምስ ምእመና ቍምስና ደብረ ቅድስቲ ሃና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ምስ ምእመና ቍምስና ደብረ ቅድስቲ ሃና ቫቲካን   (@Vatican Media)

ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ዝበጽሕዎ ጥንታዊ መበቈል እዚ ቦታ

እዛ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን እተሃንጸት ታሪኻዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ፈለማ መንበር ሕውነት ጳጳሳውያን መርዓውቲ እያ ነይራ፣ ንሳቶም ከኣ ንመነባብሮ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝከታተሉን፣ ናብ ቅድስቲ ሃና ከም ጠበቓኦም እተወፈዩን ኢዮም ዝንበሩ።

ብዕለት 30 ግንቦት 1929 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11፣ ብሃዋርያዊ ቅዋም “ካብ ስምምዕ ላተራን” ብዝተሰምየ ከም ሓደ ሰበኻ ኣቘምዎ፣ ነቲ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣገልግሎታቱ ድማ ንኣባላት ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ብሕድሪ ኣወፈይዎ። እቶም ናይ መጀመርታ ቆሞስ እዚ ደብሪ ድማ ክቡር ኣባ ኣጎስቲኖ ሩኤሊ ብዕለት 7 ነሓሰ ናይታ ዓመት እቲኣ ተሾሙ። እዞም ሕጂ ዘለዉ ቆሞስ ናይዙ ደብሪ ድማ ክቡር ኣባ ማሪዮ ሚላርዲ ይበሃሉ።

ብዙሓት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዚ ቍምስና ደብረ ቅድስቲ ሃና ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት በጺሖም እዮም፦ እቶም ብዕለት 7 ለካቲት 1931 ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኦርጋን ናይዚ ደብሪ ክካፈሉ ዝደለዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11፤ ብዕለት 20 ጥሪ 1961 ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፣ ብዕለት 29 ግንቦት 1970 ከአ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ክህነቶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ብዕልት 10 ታሕሳስ 1978 ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ እቶም "ቍምስናትይ" ክብሉ ዝጸውዕዋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፤ ስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብዕለት 5 ለካቲት 2006 ኣብ ዝተኻየደ ክብረ በዓል፣ ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 17 መጋቢት 2013 ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ምድያቦም ናይ መጀመርታ መሥዋዕተ ቅዳሴኦም ንምዕራግ ኣብዛ ቍምስና እዚኣ ምብጻ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ።

22 Sep 2025, 14:14