ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ገዜ ጽቡቕን ሕማቕን፣ መልእኽቲ ተስፋ ኣምላኽ ስምዑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሓለቓ ናይቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣቴነዩም ሬጂና ኣፖስቶሎረም ከምኡውን ኣዳለውትን ተሳተፍትን ናይቲ ካብ ዕለት 10-12 መስከረም ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ጉባኤ ሥነ ፍልጠትን ሥነ መለኮትን ላቲን ኣመሪካ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
ፍረ ነገር ናይቲ ጉባኤ፣ "ቋንቋታት ፍጥረት፣ ሥነ ፍልጠታውን፡ ፍልስፍናውን፡ ሥነ-መለኮታውን ትርጓሜ 'መጽሓፍ ተፈጥሮ' ከም መገዲ ተስፋ" ዝብል ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ንዅሎም እቶም ነቲ ጉባኤ ዝከታተሉ ዘለዉ ሰባት "ነቲ ካብቲ ዝልካዕ ንገራት ልዕል ክብሉን፣ ነቲ መለክዒ ድማ ልዕሊ እቲ ልክእነቱ ክብ ከብልዎን" ዘኽእሎም መገድታት ከናድዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
በዚ ኸምዚ ዕዮ ኣምላኽ ብዘይ ቃላት እውን ከይተረፈ ክብሪ ፈጣሪኡ ኺእውጅ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንሰብ "ልዕሊ ዅሉ ክብ ኣብልዎ" ኣብ ምሕጋዝ ብምትኳር ደማ፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ነቲ ናይ ተስፋ መልእኽቱ "ኣብ ብሩህ መዓልትታት ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ጸልማት ለይቲ ጭንቀትን ጸበባን" ውን ኪሰምዕዎ ኸም ዚኽእሉ ተላበውዎም።
ቅዱስ ኣቦና ንመልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ስም ድንግል ማርያም ጥቒሶም "ጐይታ ብጸጋኡ ጻዕርኹም ከጽንዕ፣ ብሓዋርያዊ ቡራኬን ፍቕርን ክበጽሓኩም እጽሊ ክብሉ ደምደሙ።
