ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ከቢድ ፈተናታት ኣውያት ተስፋ ንመሃር ኢና”

ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 35,000 ምእመናን ብምንባሮም፣ ዝናም እናዘነመ ኽነሱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቲ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኸታትሊ ዝገብረዎ ዘለዉ ኣስተምህሮታ ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ ተመክሮ ናይቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ኣስተንተኑ። ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ንነፍሲ ወከፍ ኣውያት ናይ ስቓይና፣ ናብ ኣምላኽ ብሕድሪ እንተ ኣፊናዮ፣ ምልክት ድኽመት ኣይኰነን፣ ፈጺሙ ዕሽሽ ኣይብለናን ከአ እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ ይብሉ። ኵሉ ነገር ከም ዝጠፍአ ዀይኑ ክስምዖም እንከሎ ውን ከይተረፈ፣ ቅዱስነቶም ኣምላኽ ምሳኦም ኸም ዘሎ ኮይኑ ከም ዝስምዖም ተዘክሮኦም ይገልጹ - ኣውያት ደቂ ሰባት "ንሸለልትነት ኢድካ ዘይትህበሉ መገዲ እዩ፣

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ንግሆ ዕለት 10 መስከረም ረቡዕ ኣብ ከተማ ሮማ ዝዘነመ ዝናም፣ እቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኸይካየድ ኣይዓገቶን። እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ 35 000 ዝኾኑ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቃል ቅዱስ ወንጌላዊ እንካብ ወንጌል ማርቆስን ከምኡውን ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘመሓላለፍዎ ኣስተንትኖ ኣቓልቦ ብምግባር ዜጸናንዕን ሓሳባት ስለዝረኸቡ "መዕቈቢ" ኣየድለዮምን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ዘካፈልዎ ትምህርቲ፣ ብዛዕባ ትርኢት ናይቲ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ዝንበረ ኢየሱስ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣብ መስቀል ኣብ ዝሞተሉ ጽንኩር ሰዓት ዘስምዖ ኣውያት  "ላማ ሰበቅታኒ" ዘተኮረ ኢዩ ዝነብረ። እዚ ንኣምላኽ ኢድካ ምሃብ ከም ምልክት ኰይኑ፣ ተስፋን ሓድሽ ህይወትን ኣብ ስቓይ እውን ከይተረፈ ከም ዝዕምብብን ይገልጸልና። እቲ ኣገዳሲ ነገር ርግጸኛ ምዃን እዩ፣ ቅዱስነቶም ደጊሞም፣ ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድጎ ዋላ እውን ኣብቲ ስቕታ ጥራይ ይገዝኣሉ ኣብ ዝመስል ኩነታ ከይተረፈ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም፣ ብጣቕዒትን ጭድርታን ንተካኢ ጴጥሮስ ዝጽበዩ ዝንበሩ ነጋድያንን መንፈሳውይን በጻሕትን እና ተዘዋወሩ ሰላምታ ብምቕራብን ንቘልኡን ህጻናትን ፍልይ ኣባታዊ ቡራኬ ድሕሪ ምክፋልን ኢዩ ዝንበረ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፈለማ ኣስተምህሮኦም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፡

ኣብዚ ብምርካብኩምን ስለ እትህብዎ ሰናይ ምስክርነትን አመስግነኩም! ክብሉ ኣስተንትኖኦም ጀመሩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ቅድሚት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስእልታት ናይቶም ሓደስቲ ቅዱሳን ጆርጅዮ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን ድማ ጐሊሑ ይርአ ነበረ።

ኣውያት ኢየሱስ ናይ ተስፋ ቑርጸት ዘይኰነስ ቅንዕና እዩ ዝነበረ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስተንትኖኦም፣ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ናብ ኣቦ ኣሕሊፉ ሃበ። "ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓዲግካኒ?" ዚብል ሕቶ ውን ኣቕረበ። ኣብዘን ቃላት እዚኣተን መዓቡቕ ስቓይ ተገሊጹ ይርከብ፤ ንወዲ ሰብ ጓና ዘይኰነ ልዕሊ ዅሉ ግን ምሉእ ርእሰ-ምትእምማንን ዓሚቝ ቅንዕናን ኣካላውን ውሳጣውን ግሉጽነት ከም ምንባሩ ኢዩ ዘርኢ፣ ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ናይ እምነት ቅልውላው ዘይኰነስ ምትእምማን ዘፍረዩ ኣውያት ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ብድሕሪ መጋረጃ ኣይነብርን እዩ፣ ገጹ ኣብቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ገሊጹ ይርአ ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ እዩ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ዝግለጽ። ኣብኡ ኸኣ ኢና ነቲ ኣብ ርሕቀት ዘይጸንሕ ግናኸ ክሳዕ መወዳእታ ንስቓይና ዝካፈል ኣምላኽ ከነለልዮ ንኽእል።

ኣምላኽ ኣብ መዓሙቝ ስቓይና እዩ ዝርከብ እምበር ርሑቕ ኣይኰነን

ስቓይ ኢየሱስ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ቀራንዮ ምስ በጽሐ፣ ነቲ ሎሚ ዘሎ ብዙሕ ስቕለታት ክንርኢ ኸለና ውን ብግዲ እትለዓል ሕቶ እዩ ዘቕረበ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ኣይኰነን፣ ስቕ ኢሉ ውን ኣይሞተን፣ ከዳዓት ጥራይ ውን ኣይኮነን ዝተኸበ። ከምቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣብ ቅድሚ እቲ እተሰብረ  ናይ ልቢ መገዲ፣ ምንቅጥቃጥ ከም ዘሎ ዚፈልጡ እውን ኣለዉ። እዚ ዘስካሕክሕ ሞት እዚ ንልቢ ወድሰብ ስለ ዝዓናቐፎ፣ ፍረ ናይ እዚ ብደቂ ሰባት ዝመልአ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ምልክት ውን ኢዩ።

ሓደ ሰብ እኳ ክሰምዕ ዝኽእል ከም ዘሎ ክትኣምን ከሎኻ ትጭድር። ካብ ተስፋ ቝርጸት ዘይኰነስ ብተስፋ ኢና እንበኪ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቡኡ ደአ እምበር ኣንጻር ኣቦ ኣይጸለየን። ብስቕታ እከሎ እውን ከይተረፈ ኣቡኡ ኣብኡ ኸም ዘሎ ይኣምን ነበረ። ስለዚ ኵሉ ነገር ዝጠፍአ እኳ እንተ መሰለ ተስፋና ኽትጭድር ከም እትኽእል ኣርኣየና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ኣብ ጽምዋ እውን እንተ ዀነ፣ ኣምላኽ ምሳና ኣሎ

ኣብ ኣውያት እቲ ዚሳቐ ዘሎ ሰብ እዚ ዝስዕብ ነገራት ክህሉ ይኽእል እዩ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ መጸዋዕታ፡ ተቓውሞ፡ ባህጊ፡ ወፈያ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን "ቃላት ኣብ ዘይትረኽበሉ እዋን ሕሉፍ ዓይነት ጸሎት" ኢዩ ክብሉ ይገልጹ። ከመይሲ ኵሉ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ስምዒታት ውን ኣባና ኢዩ ዘሎ ። ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ብዙሕ ግዜ እዚ ነገራት እዚ ኣቓልቦ ኣይግበረሉን እዩ።

ሓደ ኣውያት ካብ ፍቕሪ ዝምንጩ እንተ ደአ ኾይኑ ከንቱ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐርብ እንተ ደአ ኮይኑ ከአ ፈጺሙ ዕሽሽ አይበሃልን እዩ። እዚ ኸኣ ንሸልትነት ኢድካ ብዘይምሃብ፣ ካልእ ዓለም ከም ዘሎ ብምእማን ንምቕጻል እትእመነሉ መገዲ እዩ ። ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን ነዚ ድማ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመሃር፦ እታ ግዜ ፈተና ምስ መጸት ኣውያት ተስፋ ንመሃር። ንገዛእ ርእስና ከንሕድእ ደአ እምበር ክንጐድእ አይግባእን ። ልቢ ንምኽፋት ደአ እምበር ኣንጻር ካልእ ሰብ እንገብሮ ትጭድርታ ኣይኰነን።

ኣብ ከቢድ ፈተና ናይ ተስፋ ጭድርታ ንመሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣውያት ብኻልእ ወገን ሓደ "መንፈሳዊ ተግባር" ይከውን ኢዩ። ከመይሲ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሰንዮ ሓቂ እዩ። ስለዚ ምልክት መወዳእታ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምልክት ሓድሽ ጅማሬ ውን ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ መፈጸምታ ናይ መወዳእታ እስትንፋስ ጥራይ ውን ኣይኰነን።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኵሉ ነገር ምስ ተፈጸመ ምድሓን ኪጅምር ቀሪቡ ነበረ። ብምትእምማንን ናጽነትን ደቂ ኣምላኽ እንተ ተገሊጹ እቲ ስቓይ ዝመልኦ ድምጺ ሰብኣውነትና ምስ ድምጺ ክርስቶስ ሓቢሩ ንዓናን ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባትን ምንጪ ተስፋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)
10 Sep 2025, 17:19