ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮማ ሰላም ከስፍሑ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮማ ሰላም ከስፍሑ ይዕድሙ  (©CdG - stock.adobe.com)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮማ ሰላም ከስፍሑ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት በዓል ሮሽ ሃ-ሻና (ሓድሽ ዓመት)ን ዮም ኪፑር (በዓለ ዕርቂ - ጾምን ጽሎት)ን ሱኮት (በዓለ መንበረ ታቦትን)ን ናብ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ ራባይ ሰይኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለገራም፣ ስለ ሓድሕዳዊ ምትእስሳር ምሕዝነት ምስጋናኦም ገሊጾም ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ ሰላም ከስፍሑ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 መስከረም ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮማ፣ ሮሽ ሃ-ሻና (ሓድሽ ዓመት ኣይሁድ) ንምጽንባል ዮም ኪፑር (መዓልቲ ዕርቂ)፤ ከምኡውን ሱኮት በዓል መንበረ ታቦት ብምብዓል ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሮማ ንናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ ራባይ ዶክተር ሪካርዶ ዲ ሰይኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴሌግራም ንመላእ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮማ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ “ኣብዚ ዝሓለፈ 18 ግንቦት ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎተይ ንምጅማር ኣብ ዘዕረግክዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምርኻብኩም ብሓጎስ እዝክር - ቢሎም - ከምኡ’ውን ጐይታ “ኣብ መንጎና፡ ኣብ ከተማ ሮማን ኣብ መላእ ዓለምን ዘሎ ማእሰር ዕርክነት ንምዕማቝ እንገብሮ ዅሉ ጻዕርታት ከሰንዮ” ድልየቶም ገሊጾም፣ ካብ እግዚኣብሔር “ውህበት ሰላምን ኵሉ ሳዕ ሰላም ንምንቕቓሕ ዘየቋርጽ ድሌትን” ተማሕጺኖም መልእኽቶም፣

“ዘለኣለማዊ ጎይታ በቲ ዓቢ ሰናይነቱ ንሕብረተሰብኩም ቀረባ ክኸውን ኣብ መንጎና፡ ኣብ ከተማ ሮማን ኣብ መላእ ዓለምን ዘሎ ናይ ምሕዝነት ምትእስሳር ንምዕማቝ ኩሉ ጻዕርታትና የሰንዮ። እግዚኣብሔር በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ህያብ ሰላምን ወትሩ ከነነቓቕሖ ዘይቋርጽ ድሌትን ይጸግወና” ብዝብል ጸሎት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Sep 2025, 17:00