PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-GAZA PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-GAZA  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ከባቢታትን፣ ቅድስቲ መሬትን፡ ዩክረይን፡ ሰላም ሰላም ክሰፍን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ እመናን፣ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፣ "ኣምላኽ ሰላም ይደሊ እዩ!" ብምባል፣ ኣብታ ቅድስቲ መሬትን፡ ዩክረይንን ከምኡውን ኣብ ኵለን ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ሰላም ክሰፍን ኵሉ ሰብ ከየባተኸ ክጽሊ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ እቲ ንኣዋጅ ቅድስና ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ወሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነዞም ክለተ ቅዱሳንን ንቅድስቲ ድንግል ማርያምን ከተማልደሎም ብምጽላይ፣ ኵላትና "ኣምላኽ ውግእ ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ሰላም እዩ ዚደሊ" ንበል ክብሉ ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ዅሎም ሰባት ምእንቲ ህዝብታት ቅድስቲ መሬትን፡ ዩክረይን ከምኡውን ምእንቲ ኹሎም እቶም ብውግእን ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ዝነበሩ ዘለዉ ጸሎት ኪቕጽሉ ኣተባብዕዎም። ንመራሕቲ ዓለም ድማ "እቲ ብኣጽዋር ብምዝራእ ሞትን ጥፍኣትን ብምዝራእ እተረኽበ ዝመስል ዓወታት ስዕረት ከም ምዃኑ መጠን፣ ሰላምን ደሓንን ኣየምጽእን ኢዩ" ብምባል፣ ድምጺ ሕልናኦም ክሰምዑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ኣምላኽ ውግእ ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ሰላም እዩ ዚደሊ! ኣምላኽ ድማ ነቶም ጽልኢ ኼጥፍኡን ኣብ መገዲ ዕላሎም ኪመላለሱን ዝጽዕሩ ሰባት ይድግፎም እዩ።" በሉ።

ኣብ ሃንጋሪን ኢስቶንያን ዝተረኽቡ ክልተ ሓደስቲ ብፁዓን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ኣብ ሃገራት ኢስቶንያን ሃንጋሪን ቤተ-ክርስትያን ክልተ ሓደስቲ ብፁዓን ተኽብር ከም ዘላ ውን ይዝክሩ።

ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኢስቶንያ ዝዀነት ከተማ ታሊን፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤድዋርድ ፕረፈክትሊኽ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውን፣ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 6 መስከረም ብጽዕናኦም ተኣዊጁ። እዞም ሊቀ ጳጳሳት ብ1942 ዓ.ም. ብሥርዓት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ስደት ኣብ ዘውረዱሉ እዋን ተቐትሉ።

ክምእኡ ውን ዝሓለፈ ቀዳም፣ ኣብ ከተማ ቬስፕሬም ሃገረ ሃንጋሪ፣ ማርያ ማዶላ ቦዲ ብፅዕናኣ ተኣወጀ፣ ንሳ ሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፣ ነቶም ኬጥቅዕዋ ዚፍትኑ ወተሃደራት ስለ እተቓወመት ብ1945 ዓ.ም. እተቐትለት ኢያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ብምስክርነት እዞም ክልተ ሓደስቲ ብፁዓን እውን ከም ዝበልጸገት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዅሎም እቶም ኣብዛ ሰንበት እዚ እተረኽቡ ልዕሊ ሰማንያ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ኣዋጅ ቅድስና ስለ እተኻፈሉ፣ ንዅሎም ጳጳሳትን ካህናትን ወግዓውያን ተወከልትን ከምኡውን ክቡራት ሰበ-ስልጣንን ሰላምታ ብምቕራብ ከምኡውን ስለቲ ዝገበርዎ ተሳትፎን ኣባኡ ምርካቦምን ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ምእመናንን ብምርካቦም ኣመስገንዎም።

08 Sep 2025, 18:46