ካቶሊካውያንን መራሕትን ብምኽንያት ዕለተ ልደት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 14 መስከረም ዕለተ ልደቶም ኣብ ዘብዓልሉ እዋን ካብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዝበጸሖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 መስከረም መበል 70 ዓመት ዕድመኦም ንዘብዓሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ መላእ ዓለም ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም እተመሓላለፈን፣ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታሬላ፣ ብስም ህዝቢ ኢጣልያን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ዓለም ክዕብልል ብዝደሊ ስነ መጎትን ብዘስካሕክሕ ግርጭታትን እናተለለየትን ናብ ሓደገይና ኩነታት ተንቆልቁል ኣላ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ተኹሲ ደው ምባልን መንገዲ ዘተ ዳግማይ ክጅመርን ቅዱስነቶም ከይተሓለሉ ዘቕርብዎ ህጹጽ ጻውዒት፡ ንሓባራዊ ረብሓ ህዝብታት ዘጉልሕ እዩ” ዝበሉ ርእሰ ብሔር ማታሬላ፣ “ልዕሊ ዅሉ እቶም መዓልታዊ ዘይጽወር ዋጋ ዝኸፍሉ ብዙሓት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ብምምልካት፣ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት፡ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋታት ዓለም ህጹጽ ኣድላይነት ሰላምን ፍትሕን፣ ተስፋን ክጥምቱ” ብምትብባዕ - ቢሎም - ኣስዒቦም ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ብምጥቃስ፣ “ኩነታት ክመሓየሽ፣ ኣድማስ ዘተን ፍትሕን ጭቡጥ ሓለዋ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ዳግማይ ብምኽፋት ምስራሕ ናይ ኩሉ ግዴታ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ናይቶም ህዝባዊ ስልጣን ናይ ዘለዎም ኣካላት” ከም ዝኾነን ኣስሚሮም፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ መንጎ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ ክሌኣዊ ምትሕብባር ኣዚዩ ከም ዘበርኽ” ምዃኑ ዘለዎም እምነት ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ሰላምታ ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ

ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት (CEI) ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ጸሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲትያን ኢጣልያን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣረጋጊጾም፣ ስለ ኣባታዊ መንፈሶም ድማ ብምምስጋን፡ “ኣብ ኩሉ ሰፊሕ ከባቢታት ዓለም ዘድሚ ዘሎ ናይ ግጭት ኩነታት ክውገድ ‘ኣጽዋር ዝፈትሐን ኣጽዋር ዘፍትሕን ሰላም’ ክረጋገጽ ኣብ ዘቕርብዎ ጻውዒት ከም ዝሓብሩ ብምርግጋጽ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰብኣውነትን ምትሕብባርን ምድንፋዕ፣ ጳጳሳት ኢጣሊያ ምስቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ህዝብታት ብተግባር ዝግለጽ ሓልዮቶም ቀጻሊ ምዃኑ ብምምልካት፣ “ቅዱስነቶም ኣብ መላእ ዓለም ፍትሕን ሰላምን ክረጋገጽ ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎትን ተስፋን ዘለዎም ሕብረት ከም ዘረረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን

ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሊምቡርግ ጳጳስ ጊዮርግ ባትዚንግ ብስም ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመንን ዕለት 14 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘኽበርዎ ዕለተ ልደቶም  ምኽንያት ዕለት 13 መስከረም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መበል ሰብዓ ዓመት ልደትኩም ኣብ እተብዕልሉ ዕለት ልባዊ ሰናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም፣ ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎትኩም እግዚኣብሔር ብሓልዮትን ቡራኬኡን ከሰንየኩም እናተመነና፣ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ንምነየልኩም - ምስ በሉ - ነቲ ዘይሕለል ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ብምዝካር “ራእይኹም - ሰላም ንሰብኣውነት - ክውን ክኸውን ምእንቲ ንሰላም ኣብ ዘለኩም ዘይሕለለ ጻዕሪ ክትጸንዑን ብናይ ሃገረ ቫቲካን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣቢልኩም ንኽረጋገጽ ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ብጸሎትና ነሰንየኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ሃገረ ስብከት ሮማ

“ብምኽንያት ዕለተ ልደትኩም ቅዱስ ኣቦና፡ መላእ ሃገረ ስብከትኩም ንህያብ ሕይወት ንምምስጋን ኣብ እተቕርብዎ ጸሎት ኣብ ዙርያኹም ይሓብር” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ፣ ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበር ካርዲናል ባልዳሳረ ረይና ብስም ርእሰ ሰበኻታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “ካብ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ጀሚርኩም ኣብ ኣገልግሎት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እትፍጽምዎ ኣገልግሎትኩም ኩሉ ጸሎትናን ፍቕርናን ነረጋገጸልኩም፣ ብምኽንያት እቲ ንዓለም ዘድሚ ዘሎ ብዙሕ ተርእዮታት ውግእ እትነብርዎ ዘለኹም ስክፍታታት ናትና ገይርና፣ ልባዊ ድሌታትኩም ተገንዚብና ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘመንና ተስፋ ክትዘርኡ ንምነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ካብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዝእለዩ መንሰያት

ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ካብ ዝእለዩ ህሙማ ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዕለተ ልደቶም በሳእል እተሰነየ ናይ ሰናይ ምንዮት መገልጺ መልእኽቲ፣ ከም እተመሓላለፈን፣ ቅዱስነቶም መገድታት ዘተ ዝሕብሩ ከም ዝኾኑ ብምትእምማን እቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ህሙማን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንቅዱስነቶም ዘለዎም ፍቕርን ቅርበትን ከምኡ እውን ቅዱሰንቶም ንሰላም ዝገብርዎ ጻዕርን ዘቕርብዎ ጻውዒትን ዘርእይ ስእልታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበር ሰራሕተይናታት ክርስትያን ኢጣልያ

ቅዱስነቶም "ካብ ዚምረጹ እትሒዞም ኣብዘን ዝሓላፋ ኣዋርሕ ጉስነታውን ሰብኣውን ባህርያቶም ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ናይ ምትንታንን ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ከነስተውዕል ይገብረና" ዝብል ኣብቲ ብምኽንያት ዕለተ ልደት ቅዱስ ኣቦና ማሕበር ክርስትያን ሰራሕተይናታት ኢጣልያ (ACLI) ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘስመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገለጽዎ ናይ እምነት ጕዕዞ "ንምቕጻል" ማሕበር ክርስቲያን ሰራሕተይናታት ኢጣሊያ ዘለዎ ቈራጽነት ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ከምኡውን ምስ መላእ ቤተ - ክርስትያንን ምስ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሕብረት ብምግባር ህይወት ደቂ ሰብ ንምድንፋዕን ንምክልኻልን ዝዓዩ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።"

ምስጋና ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ

ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ እውን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ በቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪት ኤሌና ቤካሊ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ፣ “ኣብዚ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ጸጋ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተስአ ጎይታ ክሰንዮም ንምነ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

15 Sep 2025, 16:40