2025.09.16 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ 2025.09.16 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ  (@Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 መስከረም ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ንላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ ካብ ዝሕረዩ 25 ዓመት ዘቝጽሩ ዘለዉ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን ፍራንቸስኮን ዝተራኸቡ፣ ዕለት 16 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም እተራኸቡን፣ እቲ ክሌኣዊ ርክብ “ብሕውነታውን ምሕዝነታውን ሃዋህው ዝተሰነየ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዳያት ከም ዝዘተዩን፣ ናይ መላእ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ኣብቲ ርክብ ዕጫ ኣርመንያውያን ዘኣርጻክህ ከም ዘስመሩሉ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ወኪል ኣርመንያዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኤትችሚያድዚን ሊቀ ጳጳሳት ካጃግ ባርሳምያን ንዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ ፓትርያርክ ካረኪን ዳግማዊ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣርመንያ ክበጽሑ ከም ዝዓደምዎምን ከምኡ እውን ክልቲኦም ላዕለዎት ኣካላት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ፍትሒ እተመስረተ ሰላም ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጦም።

ርክብ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ኩርያ ሮማናን ምብጻሕ ኣብ መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን

ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ ኣብዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ልኡካን ናይ ሓዋርያዊት ኣርመናዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዘሰነይዎምን፣ ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየድዎ ርክብ ካብ ካስተል ጋንዶልፎ ተፋንዮም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ ምስ ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኻድ እቶም ናይ ኣብ ዘተን ጥቡቕ ምሕዝነትን ዝነበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተቐበርሉ ስፍራን ከምኡ እውን ኣብ ፊት ቅድስተ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ሕውየት ሮማውያን ፊት ተረኺቦም ጸሎት ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቫቲካን ዝገበርዎ ምብጻሕ

ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ናይ መላእ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ንፈለማ እዋን ናብ ሮማ ዝገበርዎ ምብጻሕ ካብ ዕለት 9 – 12 ሕዳር 2000 ዓ.ም. ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ ዑደት ድማ እቲ ዕለት 12 ግንቦት 1970 ዓ.ም. ብቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ብጹዕ ወቅዱስ ቫስከን ቀዳማውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ምሉእ ሕብረት ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ገና ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ ዘበገሰ ዝኸተምዎ ናይ ሓባር ኣዋጅ ዝኽሪ ሳላሳ ዓመት ማእከል ዝገበረ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ብሓባር ኣብ ስላሴ ኣምላኽን ኣብ ሓደ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንድሕነትና ሰብ ዝኾነ ወዲ እግዚኣብሔር እምነትና ንናዘዝ። ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት፡ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ቤተ ክርስቲያን'ውን ንኣምን። ቤተ ክርስቲያን፡ ከም ኣካል ክርስቶስ፡ ብሓቂ ሓንቲን ፍልይቲን እያ። እዚ ድማ ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያትን ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ዝተመርኮሰ ናይ ሓባር እምነትና'ዩ" ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮን፣ “ኣብ መንጎና ምሉእን ዝርአን ሕብረት ክህሉ ጸሎትና ቀጻሊ እዩ. .  ናይ ሓባር ተልእኾ” ማለት “ሓዋርያዊ እምነት ምምሃርን ንፍቕሪ ክርስቶስ ንዅሎም ደቂ ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ንዝነብሩ ንምምስካርን” እዩ ዝብል እቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ዘንበሮ ሓሳብ ደጊሞም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምውን ብጹዕ ወቅዱስ ካሪኪን ዳግማውን ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዑደት እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፓትሪያርክ ካረኪን ዳግማዊ ቅርስታት ናይ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘብርሃን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ድሕሪ ሓደ ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 25 - 27 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ መሬት ኣርመንያ እግሮም ዘእተዉ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝኾኑን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እውን ናይ ቂልቂያ ኣርመናውያን ፓትሪያርክ ኣራም ቀዳማውን ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበሩ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ብጹዕ ወቅዱስ ነርሰስ በድሮስ መበል 19 ታርሙኒ እውን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ርክባት ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን ፍራንቸስኮን

ላዕለዋይ ፓታሪያርክ ካቶሊኮስ ናይ መላእ ኣርመናውያን ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዕድመ ብምቕባል ካብ ዕለት 6 - 9 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ዕለት 12 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ላዕለዋይ ፓታሪያርክ ካቶሊኮስ ናይ መላእ ኣርመናውያን ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ እንደገና ኣብ ቫቲካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንዝኽሪ እቲ ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣርመናኢ ሰማእትነት ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ብዓል ናሬክ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩንም ኣብ ኣብቲ ጽምብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንቅዱስ ጎርጎርዮስ ብዓል ናሬክ ሊቕ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፣ እዚ ድማ ንመላእ ቤተ - ክርስትያን ኣርመንያ ዓሚቝ ኣገዳስነት ዘለዎ ህሞት እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ብምስዓብ ካብ ዕለት 24 - 26 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርመንያ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን። ኣብ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ሓወልቲ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ብዓል ናሬክ ኣብ ዝባረኽሉ እዋን እውን እንደገና ከም እተራኸቡን ኣብቲ ስነ ስርዓት እውን ኣብቲ እዋን ናይ ረፓብሊካዊት ኣርመንያ ርእሰ ብሔር ዝነበረ ሰርዥ ሳርጊስያን ከም እተረኽበ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣  ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካረኪን ዳግማዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ደሓር እውን ምስ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላት ከም እተራኸቡን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያንን ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ኣብ ልዕሊ ኣርሳክ እተፈጸመ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ሳዕቤኑን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓበሬታ ከም ዘካፈልዎምን ነዚ ስዒቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ግጭት ደው ክብልን ሰላም ክምለስን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የመላኽት።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ መላእ ኣርመናውያን ካረኪን ዳግማዊ
17 Sep 2025, 16:11