2025.08.14 Leone XIV Castel Gandolfo da Villa Barberini 2025.08.14 Leone XIV Castel Gandolfo da Villa Barberini  (foto di padre Bruno Silvestrini)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንሓጺር እዋን ናብ ካስትል ጋንዶልፎ ምብጻሕ ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ምሸት፣ ናብ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ህንጻ ባርበሪኒ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ዝርከብ በጺሖም ኣባኡ ከም ዝሓደሩ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ምሸት ንሓጺር እዋን ካብ ሓደ መዓልቲ ንዘይመልእ ግዜ ንምሕላፍ ናብ ካስትል ጋንዶልፎ ከይዶም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሰኑይ  ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ዝርከብ ህንጻ  ባርበሪኒ ክኸዱ ኢዮም፣ ጽባሕ ድማ ካብኡ ንጥፈታቶም ክቕጽሉ ኢዮም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዘካይድዎ ዝኾነ ርክባት ኣይተመደበን ዘሎ" ክብል የመላኽት።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት [ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ] ናብ ሃገረ ቫቲካን ክምለሱ እዮም" በለ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ካብ ዕእልት 6 ክሳዕ ዕለት 22 ሓምለ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከም ዘሕለፉ ዝዝከር ኢዩ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ድማ ንሒደት መዓልትታት ኣባኡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ናብ መንበሮም ተመልሱ።

ብዕልት 5 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ንሥነ ኣከባቢያዊ ተበግሶ ዝከናኸኑ ሰራሕተይናታት ንምርኻብ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ፣ ኣብቲ ኣስታት 55 ሄክታር መሬት እተመስረተ ስፍራ ኣታኽልቲ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ውን በጺሖም ኢዮም።

09 Sep 2025, 18:26