ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ውልትውና ወጺእና ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ሃነጽቲ ድልድላት ንኹን ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ውልትውና ወጺእና ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ሃነጽቲ ድልድላት ንኹን  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ውልትውና ወጺእና ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ሃነጽቲ ድልድላት ንኹን

“ልዮን መበል 14፡ ዜጋ ዓለም፡ ወንጌላዊ ልኡኽ መበል 21 ክፍለ ዘመን” ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ምስ ጋዜጠይና ኤሊሰ ኣን ኣለን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ መዓት፡ መመሓደሪ ሕግታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣቀባብላ ነቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት ከመይን እንታይን ከም ዝመስልን ዘለዎ ትርጉምን፡ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽን ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ቑጠባዊ ኩነታት ቅድስቲ መንበር፣ ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ፣ ከምኡ’ውን ምስፋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ዝምልከቱ ሰፊሕ ኣርእስታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ምርጫኦም ኣብዚ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ምሉእ ቃለ መሕትት፡ ከም ጻዕሪ ሰላም ዩክሬንን “ዘስካሕክሕ ኩነታት ቓዛን” ዝኣመሰሉ፣ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ርክብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ማሕበረሰብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን፤ ናብቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽን ጽገና ናይ ሮማዊ ኩርያን ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዘጠቓልል ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም።

እቲ ቃለ መሕትት ምስ ኤሊስ ኣን ኣለን ዘካየድዎ ኮይኑ እቲ ቃለ መሕትት ከም ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14: ciudadano del mundo , misionero del siglo XXI (“ልዮን መበል 14: ዜጋ ዓለም፡ ወንጌላዊ ልኡኽ መበል XXI ክፍለ ዘመን”) ብዝብል እርእስቲ ዕለት 18 መስከረም ኣብ ሃገረ ፐሩ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕተም ፔንጊን ፔሩ ተሓቲሙ ንንባብ ከም ዝበቐዐ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተራ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ር.ሊ.ጳጳስናኦም ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ምስ ተሓተቱ፡ ነቲ “ጉስነታዊ ክፋል” ናይቲ ሓድሽ ተራኦም፣ “ንኹሉ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ዝርከቡ ምብጻሕ” ምዃኑ የጉልሑ። "ንኹሉ ሰብ፡ መን ይኹን፡ እንታይ ሒዞም ይመጹኡ ብዘየገድስ እሰምዖም . . . ስለዚ፡ ጓሳ ናይታ ኵላዊት ቤተክርስትያን ምዃን ዝብል እቲ ዝዓበየ ትርጉም ተራኦም ምዃኑ የብርሁ።

ውሽጣዊ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ክፋል ናይቲ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጻወትዎ ተራ ምዃኑ ኣሚኖም፣ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕን ዓመታትን ክውሰዱ ዘለዎም ውሳኔታት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ምዃኑ ይሕብሩ።

እቲ ሓድሽ ነገር ድማ ከም መራሒ ዓለም ዘለዎም ግደ እዩ። “ቅድስቲ መንበር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዓለም ካብ ዘለዋ ተራ ብዙሕ ይመሃር ኣለኹ፣ ኩሉ ግዜ ዜናታት ዝከታተል እውን እንተኾንኩ፣ ግደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን ብርግጽ ንዓይ ሓድሽ እዩ።” ኣብዚ እውን፡ “ብዙሕ ይመሃር ኣለኹ፡ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ እንተኾነ ግን ጭንቀት ዝፈጥረለይ ግን ኣይኮነን።

መዓት ቓዛ

ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ዝቀረበሎም ሕቶ ብዛዕባ ንኹነታት ቓዛ ዝምልከት እዩ። ዋላ’ኳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ገለ ጸቕጢ እንተተገብረ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ገለ “ኣዝዩ ንጹር መግለጺታት” እኳ እንተተዋህበ፡ ስቓይ ካብ ህዝቢ፡ ካብ ንጹሃን ህዝቢ ቓዛ ንምርሓቕ ኣድማዒ መገድታት ኣብ ምድላይ ንጹር ምላሽ ኣይተዋህበን፡ እዚ ድማ ዓቢ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ ርዱእ እዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሌታት ህዝቢ ቓዛ ብፍላይ ድማ ሕጻናት እቲ  ከባቢ ኣጉሊሖም። "ነቲ ኩነታት ብሓቂ ንምቕያር ብዙሕ ሓገዝ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከድልይ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ጌና ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ ይመስል፣ እቲ ኣብ ተለቪዥን እንርእዮ ምስልታት ምርኣይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ፤ ነቲ ኩነታት ዝቕይር ነገር ክህሉ ተስፋ እገብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ስቓይ ብዙሕ ከም ዝጭነቑን፣ "እዚ ምጭናቕ እዚ ሓደ ዓይነት ናይ ሰብ ምላሽ'ዩ፡ . . . ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ክርስትያን ክደናግሩን ነቲ ኩነታት ሸለል ክብሉን የብሎምን። የግዳስ፡ “ብገለ መንገዲ፡ ለውጢ ክርከብ ዝግበር ጻዕሪ ክንደፍኣሉ ይግባእ . . . ።

“ምጽናት ዓሌት” ዝብል ቃል

ብዛዕባ ኣጠቓቕማ “ምጽናት ዓሌት” ዝብል ንዙሕ ግዜ ዝንገር ዘሎ ቃል፣ መዓት ቓዛ ንምግላጽ ቅድስቲ መንበር ብወግዒ ከምኡ ቢላ ክትገልጾ እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ኣስሚሮም . . . ምጽናት ዓሌት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር ግብራዊ ትርጉም ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ዝያዳ ሰባት ነቲ ጉዳይ የልዕሉ ኣለዉ፡ ኣብ እስራኤል ክልተ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊስካ።"

ዝምድና ምስ ቻይና

ኣብ ዓውዲ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ “ካልእ ዓውሎማዊ ተዋሳኢት ዝኾነት ቻይና ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ “ብሓጺር እዋን ቅድስቲ መንበር ንገለ ዓመታት እትኽተሎ ዘላ መምርሒ ክቕጽሎ እየ፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ፣ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ “ዝለበሙ ወይ ዝያዳ ምኩር” ዘይምዃኖም ብምእማን።

ንእተወሰነ እዋን ምስ እተፈላለዩ እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ቻይናውያን "ቀጻሊ ዘተ ከም እተገበረን፣ ቤተክርስትያን ንባህልን ፖለቲካዊ ጕዳያትን ብምኽባር ተልእኾኣ ብኸመይ ክትቅጽል ከም እትኽእል ብንጹር ክርድኦ" ከምኡውን "ንብዙሕ ዓመታት ንእምነቶም ብናጻን ተወጊኖምን ንምንባር ጽቕጢ ወይ ጸገም ዘጋጥሞም ብዙሓት ጕጅለ ቻይናውያን ካቶሊካውያን ነኽብሮም . . . እዚ እውን ዝጽዕሩሉ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሎም።

ፖለቲካ ኣሜሪካ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም “ብደረጃ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ” ዘለዎ ትርጉም ምስ ተሓተቱ፣ “ቅድሚ ኩሉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ እገብር።”

ብዛዕባ “ገለ ካብቲ ዝተባህለ ነገራት” ብዛዕባ መንበረ ጵጵስና ኣመሪካን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ፖለቲካን ዘሎ ርክብ” ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይብሉ፣ “ኣነ ኣመሪካዊ ምዃነይ ገለ ሰባት ካብቲ ፍራንቸስኮ ‘ንኣሜሪካ ኣይርድእዋን እዮም፣ በቃ እቲ ዝኸውን ዘሎ ኣይርእይዎም እዮም’ ክብሉ ኣይክእሉን እዮም።”

እንተኾነ ግን “ኣብ ወገናዊ ፖለቲካ ክኣቱ መደብ የብለይን” እንክብሉ የነጽሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ምስ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዘሎ ርክብ ብዝምልከት "መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣርዚኑ እንተ ዝሳተፍዎ ዝሓሸ ኢዩ" ብምባል ርእይቶኦም ምስ ሃቡ፣ ይኹን እምበር ምስ ትራምፕ ክራኸብ ዝገብር "ፍሉይ ጕዳያት እንተ ዝህሉ ወይ ኣብ ዝህልወሉ እዋን" "ከምኡ ምግባር ምንም ጸገም የብለይን . . . ከም ኣብነት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ጵጵስናኦም ዝወጸ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ስደተይናታት ዝምልከት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ከም ኣብነት ጠቒሶም፣ “ኣሜሪካውያን ጳጳሳት ከመይ ጌሮም ከም ዝተግበርዎ ክርኢ እንከለኹ ኣዝየ ተሓጒሰ፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ነቲ መልእኽቲ ንምትርጓም ዘርኣይዎ ተባዕ ኣገባብ፣ ብሓፈሻ፡ ዝሓሸ ኣቀራርባ እዩ ዝመስለኒ፡ ብቐንዱ ምስ ጳጳሳት እጽመድ።

“ኣመሪካ ብደረጃ ዓለም ሓያል ሃገር እያ በዚ ኣገባብ እዚ እውን ኣብ ዓለም ከም እትዋሳእ ዝፈልጥዎ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ውሳነታት ካብ ኣብ ሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ ደገፍን ንላዕሊ ኣብ ቁጠባ ብምምርኳስ ከም ዝውሰን ክንፈልጥ ይግባእ፣ እንተኾነ ግን [ክንቅጽል ኣሎና] ብድሆን ገለ ሕቶታት ከነልዕልን ሓላፍነት ክስምዓና ይግባእ፣ ብዝበለጸ መንገዲ ግብኡ ውሳነን መልስን ንምሃብ።

ኣስዒቦም ብዛዕባ ምስ ስድርኦም ዘለዎም ርክብ እንታይ ከም ዝመስል ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ብዛዕባ ሓዎም ደጊሞም ይዛረቡ . . . ንሶምን ኣሕዋቶም ሉዊስን ጆንን "ክሳብ ሕጂ ኣዝዮም ዝቀራረቡ ምዃኖም ይሕብሩ፣ ዋላ'ኳ ሓደ ብፖለቲካዊ መዳይ ኣብ ሓደ ጫፍ ርሒቑ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢና ዘሎና” ይብሉ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቅልውላው ግህሰት

ዓቢ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕትት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጠር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ናይ ብሓቂ ቅልውላው” ምዃኑ ኣሚኖም፣ “ግዳያት ብዓቢ ኣኽብሮትን እቶም ብሰንኪ ግህሰት ኣዝዩ ዓሚቝ ቁስሊ ዘጋጠሞም፡ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ቁስሊ ምሉእ ህይወቶም ተሰኪሞም ዝነብሩ ምዃኖም ብምርዳእን ክኸውን ኣለዎ . . . “ልዕሊ 90% ካብቶም ንቕድሚት መጺኦም ክሲ ዘቕርቡ ሰባት” “ሓቀይና ግዳያት” ምዃኖም ዘርኢ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ይጠቕሱ። ብኻልእ ኣዘራርባ ፈጠራ ኣይኮነን፣ ይኹን እምበር፡ “ገለ ዓይነት ናይ ሓሶት ክስታት እውን ተረጋጊጹ እዩ፣ ገሊኦም ካህናት ድማ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክስታት ህይወቶም ተረሚሱ” እዩ። ስለዚ፡ ካህናት ክሕለዉ ኣለዎም፡ ወይ ድማ እቲ ተኸሳሲ ክሕሎ ኣለዎ፡ መሰላቱ ክኽበር ኣለዎ” ብምባል ኣጽኒዖም፣ ክሲ ክሳብ ዝጻረን ዝረጋገጽን “ንጽሕና ተኸሳሲ ወትሩ ክሕሎ ኣለዎ፣ ክሳብ ገበነይና እዩ ኣብ ዝብል ድምዳመ ዝብጻሕ፣ ዓመጽ ነቶም ግዳያት ዝያዳ ቃንዛ ከም ዘስዕበሎምን እዚ ድማ ብፍጹም ክዝንጋዕ የብሉን . . . ብዝኾነ መንገዲ፡ ነቲ “ኣዝዩ ሰናይ ርድኢት” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፡ “ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ማእከል ትኹረት ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ኣይክእልን” ቢሎም፣ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወፈዩ “ብዙሓን” ንማንም ኣበሳቢሶም ከምዘይፈልጡ ኣዘኻኺሮም፡ "ብምልእታ ቤተክርስትያን ኣብዚ ጉዳይ ጥራይ ከተኩር ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ እዚ ብመንጽር ተልእኾ ቤተክርስትያን ንድልየታት ዓለም ቅኑዕ መልሲ ኣይምኾነን።"

ቤተ ክርስቲያን ንማሕበረሰብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዋ ኣቀራርባ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝተለዓሉ ክልተ “ብርቱዓት ጉዳያት” መሰረት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ማለት ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣቀራርባ ቤተ ክርስቲያን ንማሕበረሰብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን” ዝምልከት ሕቶ፣ ቅዱስነቶም ነዚ ዳሕረዋይ ጉዳይ ብዝምልከት “ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ቀረባ መደብ” ከምዘይብሎም እኳ እንተገለጹ፡ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውልትውና ክቕጽሉ ወይ ከስፍሑ” ከምዘይደልዩ የተሓሳስቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኩሉ ንኹሉ ንኹሉ ምቕባል ዝብል መልእኽቲ ከም ናቶም ከም ዝገበረዎ ገሊጾም . . . ኩሉ ሰብ ዕዱም እዩ! ምስ በሉ፣ Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ: ዘርእስቱ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽፍሐት ዝሃቦ ውሳነ ብዛዕባ ጉስታዊ ትርጉም ቡራኬ ብምጥቃስ፣ “ብመሰረቱ ከምዚ ይብሉ፣ ብርግጽ ንዅሎም ሰባት ክንባርኾም ንኽእል ኢና፣ ግን ከኣ ገለ ዓይነት ቡራኬ ስርዓታዊ መንገዲ ኣየድልዮን እዩ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ስለ ዘይትምህር።”

ገለ ሰባት “ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣተሓሳስባታትን ክቕየር ከም ዝደልዩ” ኣሚኖም፣ ይኹን እምበር፡ “ኣብ ቀረባ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር እቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፣ ብዛዕባ ሓዳር እትምህሮ፡ [ክቕየር] ዘለዎ ትምህርቲ ኣዝዩ ጸቢብ ኮይኑ ረኺበዮ - ምስ በሉ - ኣቐዲሞም ብዛዕባ ሓዳር “ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝገበርዎ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ስድራቤት ክቡር ተወፋይነት ብዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም፡ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ዝተባረከን ምዃኑ” ይሕብሩ።

ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ከምኡ’ውን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ማዕርግ ድቁና ይኹን ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ መርገጺ ዝቕይር ኣይመስለንን ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ንማዕርገ ድቁና ናይ ምሻም ተኽእሎ ብዝምልከት “ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እየ ዝስዕብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነዚ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክቕይር ሓሳብ የብለይን፣ ማዕረ ማዕሪኡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዙሕ መዳይ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ ክገብራ ዘኽእለን ውህበታት ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ንገለ ናይ መሪሕነት ተራ ኣብ ምሻም ሓዊሱ ኣሰር ፍራንቸስኮ ክቕጽል ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቍጠባዊ ኩነታት ቅድስቲ መንበር

ብዛዕባ ቍጠባዊ ኩነታት ቅድስቲ መንበር ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ኣይፈልጥን እየ፡ እንተኾነ ግን ገለ ንጹር ሓሳባት አማዕብል ኣለኹ፣  ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ውርሻ ቅድስቲ መንበር (APSA) ኣብ ናይ 2024 ዘቕረቦ ቍጠባዊ ጸብጻብ ናይ 60 ሚልዮን ኤውሮ መኽሰብ ሓዊሱ ሓያሎ ፍሉያት ጉዳያት ተጠቒሱ ኣሎ።” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ዝምልከት ናይ ጡረታ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት (“እዚ ክረአ ኣለዎ”) ከምኡ’ውን ቅልውላው ኮቪድ ነቲ “ሓደ ካብቶም ንቫቲካን ኣገደስቲ ምንጪ እቶት” ዝኾኑ ቤተ መዘክር ቫቲካን ብኸመይ ከም ዝጸለዎን የዘኻኻሩ።

 “ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተገብረ ዓይነት ግጉይ ምርጫታት ክንርሕቕ ኣሎና” እንክብሉ ብምጥንቃቕ ኣብ ለንደን “ብዙሕ ዕላውነት” ዝሰሓበ ማእከል ቤት ፍርዲ ዝዀነ ህንጻ ምዕዳግ ጠቒሶም። “ብሰንኪ እዚ ክንደይ ሚልዮናት ጠፊኡ!” እንክብሉ እውን ጓሂኦም ይገልጹ።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሮ ዝተወስደ “ኣገደስቲ ስጉምትታት” ሓድሽ ስርዓት ምቁጽጻርን ሚዛንን ዝተወስዱ ውሳኔታት ኣስተብሂሎም። ይኹን'ምበር እቲ ቅልውላው ተወዲኡ ክንብል ንኽእል ኢና ዝብል ኣይኮንኩን። እቲ ቅልውላው ዝተወድአ ኣይመስለንን፡ ኣብዚ ክንሰርሓሉ ከም ዘሎና እአምን፡ ዝተፈለየ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ኣገዳሲ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ . . . ይብሉ።

ጽገናታት ኩርያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣርእስቲ ተሃድሶ ናይ ሮማዊ ኩርያ “ከምቲ ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ውዳበ ዝግበር እወታዊ ነገራት ከምዘሎን ክመሓየሹ ዝግበኦም ነገራት ከምዘለዉን” ብምጥቃስ፣ ብፍላይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ኩርያ ሮማና ተነጺሉ ብዘየራኽብ መገዲ ዝግብር ዓይነት ኣሰራርሕ ምፍራስ ወይ ምቕያር ምቕጻል” ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም። ብዛዕባ ሓደ “ሪቓዊ ዓይነት ኣተሓሳስባ” ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ስእነት ዘተን ርክብን ዘስዓበ፣ “ንኣመሓዳድራ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ድሩትነትን ጉድኣትን” ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።

ናይ ላቲን ቅዳሴ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ “ትውፊት ቅዳሴ ላቲን” ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ “ገለ ክፋል ናይቲ ጉዳይ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ – ሕጂ’ውን ኣካል መስርሕ ውልትውና ኮይኑ – ሰባት ነቲ ስርዓተ ቅዳሴ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞም ካልእ ኣርእስታት ንምስጓም ድፋዕ ይገብርዎ። ፖለቲካዊ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ - ቢሎም - ንሶም “ብሓቂ ምስቶም ንስርዓት እቲ ድሕሪ ጉባኤ ትሬንቶ ዝመጸ ናይ ቅዳሴ ስነ ስርዓት ዝጣበቑ ጉጅለ ሰባት ኮፍ ቢሎም ክዝትዩ ከም ዝደልዩ ገሊጾም፣ “ኣብ ቀረባ እዋን ዕድል ክህሉ እውን እዩ፡ ንዕኡ ዝኸውን ኣጋጣሚታት ከም ዝህሉ ድማ ርግጸይና እየ፣ እዚ ምናልባት ኣብ ሲኖዳውነት ኮፍ ኢልና ክንዛረበሉ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ ዝመስለኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓሶት ዜናን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን

ኪኖ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓውዲ፡ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ማለት “ኣዕናዊ እንክሉ ዝገበጽዎ፤ ምስፋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ከምኡ’ውን ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎ ንዝቐረበሎም ሕቶ ርእይቶ እንክህቡ፣ ነዚ ዳሕረዋይ ብዝምልከት ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ “ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ወፍሪ ዝገብሩ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት፣ ንክቡር ክብሪ ደቂ ሰባትን ሰብኣውነትን ፍጹም ዕሽሽ ዝብሉ ኮይኖም ክርከቡ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፣ ቤተክርስትያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክትዛረብ ዘለዋ ይመስለኒ፣ ቤተክርስትያን እንተዘይተዛሪባ፡ ወይ ሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ እንተዘይተዛሪቡ መን እሞ እዩ ዝዛረብ – ቤተክርስትያን ግን ብርግጽ ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝዛረቡ ድምጽታት ክትከውን የድልያ – እንተዘይኮይኑ እቲ ሓደጋ ብስነ ኣሃዛዊ ዓለም መንገዲ ክትከይድ’ሞ ንሕና ድማ ዕሱባት ክንከውን፡ ወይ ኣብ ሕርጋት ክንተርፍ ኢና፣ . . . ብዛዕባ ጸገማት ናይቶም “ዓሚቝ ምስፋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ” ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ዝኾነ ሰብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውልቃዊ ርክብ ምእንቲ ክህልዎ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ንምፍጣር ፍቓድ ከምዝተሓተቱ ዘኪሮም፣ "ኣነ፡ 'እዚ ፍቓድ ኣይህብን እየ፣ "ብኣቫታር ክውከል ዘይግባእ ሰብ እንተሃልዩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝርዝር ልዑል ቦታ ኣለዎ ምበልኩ።"

19 Sep 2025, 17:37