2025.09.24 ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ 2025.09.24 ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ካቶሊካውያን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መዓልታዊ መቝጸርያ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ካቶሊካውይና ምእመናን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መዓልታዊ መቝጸርያ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብዕለት 11 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ክፍሊ መደብ ኢዮቤል ተስፋ ንግደት ማርያማዊ መንፈሳውነት መደብ ጸሎት መቝጸርያ ክካየድ ኣዊጆም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ምእንቲ እተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ንቅዱስ ጸሎተ መቝጸርያ ዘወፈየቶ ወርሒ ጥቅምቲ ሰላም ክሰፍን ጸሎተ መቝጸርያ ንምጽላይ ሓድነት ክህልዎም ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ኣዋጅ እዚ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንመጹ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ኢዮም ዘቕረብዎ።

ኣብ ሮማ ዝርከቡ ምእመናን ብዕለት 11 ጥቅምቲ 2025 ልክዕ ሰዓት 6 00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ጸሎተ መቝጸርያ ምእንቲ ሰላም ከቕርቡ ውን ጸዊዖም።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይታ እትመጽእ ዘላ ወርሒ ወርሒ ዅላቶም ካቶሊካውያን ምእመናን ብውልቂ ኮነ ኣብ ስድራ ቤት፣ ከምኡ ውን ብማሕበርን ምእንቲ ሰላም ጸሎተ መቝጸርያ ኺጽልዩ እዕድሞም ኣለኹ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንሰራሕተኛታት ሃገረ ቫቲካን ኣብ መላእ ወርሒ ጥቅምቲ ልክዕ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ጸሎተ መቝጸርያ ከወፍዩ ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣  ንፖርቱጋልያውያን ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ብዛዕባ እቲ "ብቐታሊ ጽልኢ ዝፈጸመ ዕንወት" ዝተሰምዖም ሓዘን ገለጹሎም።

ንክርስትያን ምእመናን "ነታ ንደቂ ሰብ እተብርህን ልዕል ዝበለትን ፍቕሪ ኢየሱስ" ንኻልኦት ኬካፍሉ ውን ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ጸሎተ መቝጸርያ ንሰላም ኣብቲ ካብ ዕለት 11-12 ጥቅምቲ ዝካየድ ንግደት ኢዮቤል መንፈሳውነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክካየድ ድማ ኢዩ።

እዛ እለት እዚኣ ዝኽሪ መበል 63 ዓመት ናይቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብዕለት 11 ጥቅምቲ 1962 ዝኸፈተ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኸብረሉ ዕለት እውን የመልክት።

24 Sep 2025, 15:53