2025.09.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኩሉ ግዜ ምልክታት ግዜ ከንብቡ የተባብዑ 2025.09.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኩሉ ግዜ ምልክታት ግዜ ከንብቡ የተባብዑ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኩሉ ግዜ ምልክታት ግዜ ከንብቡ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤታቶም ንኸካይዱ ኣብ ሮማ ዝተኣከቡ ተጋባእያን ኣባላት ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዕለት 18 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን ምልክታት ናይቲ እንነብሮ ዘሎና ግዜ ብዓይኒ መስረትቶም ምንባብ ክቕጽሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መስረትቶም ኣብ ዘመኖም ዘድልዮም ነገራት ብትብዓትን ብምስትውዓልን ክምልሱ ከምዝኸኣሉ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ ህያብ ሱር ሰዲዶም ከገልግሉ ኣተባቢዖም፣ መስረትቶም ናይቲ ዝነብርሉ ዝነበረ “ምልክታት ዘመን ኣንቢቦም፣ ብዓወት ከም ዝትርጉሙን ንሓድሽ ድሌታት ብጥበብ ምላሽ ከም ዝሃቡን” ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራዊ ህይወት፡ ተኣዝዞ፡ ንምልክታት ዘመን ክፉት ምዃን

ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም ኣብ ገዳማዊ ህይወት ጸዋዕታ፣ ማሕበራዊ ሕይወት ዘለዎ ኣገዳስነትን ተኣዛዝነት ከም ናይ ፍቕሪ ተግባርን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ንምልክታት ዘመን ክፉታት ክኾኑ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣመልኪቶም፣ ታሪኾም “እግዚኣብሔር ንኣሰራርሓ መንፈስ ቅዱስ ክፉታት ብምዃን ንምልከት እቲ ዘመን ብዓወት ኣንቢቦምን ተርጒይሞምን ንሓድሽ ድሌታት ብጥበብ መልሲ ዝሃቡን መስረትቲ ማሕበራቶም እግዚኣብሔር ዝሃቦም ብዙሕ ህያባት ዘንጸባርቕ ብሉጽን ዝተፈላለየን ምስክርነት” ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብነት ናይታ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን “ኣብ መጻኢ ብዙሕ ፍረ ዘፈሪ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ተበግሶ ዝጀመረት” ብሪጂዳ ዲ ጀሱ ሞረሎ ከምኡ’ውን “ነቲ ብግዜኡ ብዝነበረ ሰፊሕ መንፈስ ‘ከንቱነትን ኢሃይማኖታውነትን’” ዝሳቐን ዝቃወምን ዝነበረ ቅዱስ ጋስፓረ ደል ቡፋሎን፣ ብተመሳሳሊ ኣባ ዣን ክላውድ ኮሊን “ብመንፈስ ትሕትናን ኣመዛዛንነትን ማርያም በዓልቲ ናዝሬት ዝተደፋፍአ ሓዋርያዊ ስርሑ” ከምኡ’ውን ነቶም “ኣብ 1990ታት ኣሰር ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅዱስ ማሲሚልያን ኮልበን ብምስዓብ” ዝተመስረቱ ፍራንቸስካውያን መነኮሳት ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ይዝክሩ።

ንሓደስቲ ድሌታት ብጥበብ ምላሽ ሃቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ እውን እቲ ከምዙ ዝበለ ግሉጽነት/ክፉትነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፦ “እዚ ናብቲ ሓቀይና ጠለባት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብክፍቱነትን ኣስተውዕሎን ምጥማት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ማሕበራትኩም ብፍጹም ኣይምተመስረተን - ቢሎም - መስረትኹም፡ ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ድኽነት ጎረባብቶም ብምልላይ፡ ዋላ’ውን ዓቢ መከራን ውድቀትን ሓደጋ ይኾኖም እንተነበረ፡ ንሓቀይና ድሌታት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምግልጋል ክዕዘቡ፡ ክግምግሙ፡ ከፍቅሩን ክብገሱን ክእለት ነይርዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ልዑል ሓሳብ ንምሓዝ ኣሰር ዝሓለፉ ወለዶታት ምስዓብ

ንቕድሚት ምጉዓዝ ማለት “ህያው ዝኽሪ ናይቶም ተባዓት ጀመርቲ ምስካም ማለት እዩ፣ ብመንጽር ‘ስነ -ጥንቲ ምምልካት ወይ ተራ ናፍቖት ምግባር ዘይኮነስ፣ [ግን] ነቲ ልዑል ራእይ፣ ከምኡ’ውን ካብ መስረትኹምን ቀዳሞት ማሕበረሰብ ማሕበራትኩምን ጀሚርኩም ነቲ ዘነቓቕሖም ራእይን ክብርታትን ንምሓዝ ብኣሰሮም ዝሓለፉ ወለዶታት ብምስዓብ። ምናልባት ክሳዕ ሕጂ ዘይተዳህሰሰ ዓቕሞም ምልላይ፡ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ‘ኣብዚን ሕጂን’ ኣብ ጽቡቕ ጥቕሚ ንምውዓል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመዓልታዊ ምስክርነት ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ምስጋና ኣቕሪቦም፣ “ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም መዓልታዊ ክሳብ ክንደይ ሰናይ ትገብሩ ከም ዘለኹም እፈልጥ እየ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓይኒ ደቂ ሰባት ዘይርአ ግን ብዓይኒ ኣምላኽ ዝረአ ሰናይ ግብሪ! ብእምነትን ብልግስን ተልእኾኹምን ተልእኾኽንን ክትቅጽሉ እናኣተባብዓኩ፣ ካብ ልበይ አመስግነኩምን እባርኸኩምን” ከም ዝበሉ የመላኽት።

19 Sep 2025, 17:34