ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ኢንዶነዥያውያን ዘተን ስኒትን ከዕብዩ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ኢንዶነዥያውያን ዘተን ስኒትን ከዕብዩ የተባብዑ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ኢንዶነዥያውያን ዘተን ስኒትን ከዕብዩ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኢንዶነዥያውያን ሮማ ዕለት 22 መስከረም ተራኺቦም፣ ናይ ምሕዝነት ምትእስሳርን ናይ ዘተ መንገድታትን ክሃንጹ ከም ዝዓደምዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን  ምስ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ኢንዶነዥያ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብታ ሃገርን መበል 75 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ኢንዶነዥያን ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ናጽነት ሃገረ ኢንዶነዥያ ምስ ህዝቢ እዛ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ሃገር ሓቢራ ከምዝተጓዕዘት ብምዝኽካር፣ እቲ ምትእስሳራት፡ ኣብ ምክብባር፡ ዘተን ሓባራዊ ተወፋይነት ንሰላምን ስኒትን ዝተሃንጸ ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ኢንዶነዥያ ዝገበርዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ነዚ ዕርክነት እዚ ዘደልደለ ፍሉይ ምብጻሕ ምዃኑን ፍራንቸስኮ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ብፍላይ ከኣ ናብ መስጊድ ኢስቲቅላል ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዓብዪ ግደ ዘለዎን ኣብኡ ምስ ዓብዪ ኢማም ንረብሓ ደቂ ሰብ ሓድነት ንምድንፋዕ ብዝኸተምዎ ሓባራዊ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ጐሊሑ ከም እተራእየን ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፣ “እዚ ምትእኽኻብ ንባዕሉ ምልክት ናይቲ ሰናይ ፍረ እምነትን ሓድነትን እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፣ “ካብ ገዛኹም ርሒቕኩም እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ህያው ልምድታትኩም ብምዕቃብ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ትነብርዎ ኣለኹም . . . ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኢንዶነዥያ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ኣዚዩ ብዙሕ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብረላ ክትከውን እንኮላ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካቶሊካውያን ድማ ኣስታት 3% ጥራሕ ምዃኖም የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኢንዶነዥያውያን ክርስትያንን ዘይክርስትያንን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝካፈልዎ ጽኑዕ ምትእስሳር ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ ነቲ “ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ዝብል ጭርሖ እታ ሃገር ዘንጸባርቕ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስነቶም "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ጃካርታ ዝበልዎ ህዝብታት ኢንዶነዥያ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ብምሕባር ሓድነት ምስ ዝህልዎም 'ሓድነታዊ ኣካሊት' የቝሙ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብ ፍልልያት ስኒት ምዕቃብ ልክዕ ከም ተኣፋፊ 'ንዅሉ ሰብ ብሕድሪ እተዋህበ ዕማም' እዩ . . . ኣብዛ ብዙሕ ግዜ ምግምማዕን ምትንዃልን ኣብ ዝረኣየላ ዓለም ነብያት ሱታፌን ሓድነት ክትኰኑ እምሕጸነኩም፣ መገዲ ዘተ – መገዲ ዕርክነት – በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ እንተዀነ ግን ክቡር ፍረ ሰላም ዘፍሪ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ዚነብሩ ኢንዶነዥያውያን ካቶሊካውያን ምመናንን ብሃገሮም ኩሩዓትን “ንወንጌልን ኣብ ሕብረተሰብ ስኒት ንምህናጽን ውፉያት” ኪዀኑ ዓዲሞም ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣወኪፎም፣ “ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን እምነታትን ድልድል ሃነጽቲ ኮይኖም ንቕድሚ ክጓዓዙ ጸሎቶም ብምቕራብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ኢንዶነዥያውያን ዘተን ስኒትን ከዕብዩ የተባብዑ
23 Sep 2025, 17:03