ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ንግስነት ባሕሬን ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዕለት 29 መስከረም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ መራሔ መንግስቲ ንግስነት ባሕሬን ልኡል ሳልማን ቢን ሓማድ ኣል ካሊፋ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፣ ልኡል ሳልማን ቢን ሓማድ ኣል ካሊፋ ካብ ቅድስቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾቭስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ንግስነት ባሕሬንን "ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድናታት" ዝያዳ ንምሕያል ዘሎ ድሌት” ከም እተረጋገጸን፣ ከምኡ እውን ንግስነት ባሕሬን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ውሽጢ ንግስነት ባሕሬን ንምድንፋዕን ዝዓለመ መምርሕታት” ዝተዋህቦ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፣
ኣብ መወዳእታ፡ “ሓያሎ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት፡ ከም ህጹጽ ኣድላይነት ምውዳእ ኲናት ማእከላይ ምብራቕን ተወፋይነት ንሰላም ኣብ መንጎ ኣህዛብን" ምይይጥ ምክያዱ ይሕብር።
