ር. ሊ. ጳ.፦ ጳጳሳት ንኣገልግሎት ክርስቶስ ብትሕትናን ብጸሎትን ኬንጸባርቑ ኣለዎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቅብኣተ ጵጵስና እተቐበሉ ሓደስቲ ጳጳሳት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሮማ ኣብ እተኻየደ ሥነ መዕበያዊ ሥስልጠና ተካፊሎም፣ እዚ ሥልጠና እዚ ድማ ትማሊ ሓሙስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምርኻብ ተዛዘመ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ሓደስቲ ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ከም ኣገልገልቲ እምነት መጠን ከም እተመርጹን ከም እተጸውዑን ከም እተላእኩን ክዝክሩ ተማሕጸንዎም።
"ኣቕሊልካ ኺርአ ዘይግባኦ ሓደ ተራ ነገር ከዘኻኽረኩም እደሊ ኣለኹ፦ እቲ እተቐበልኩምዎ ውህበት ንወንጌል ንምግልጋል እምበር ንርእስኹም ኣይኰነን" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ንጳጳሳት ብሕድሪ እተዋህበ ተልእኾን ኣገልግሎትን ኣተኲሮም፣ እዚ ድማ ንመንነቶም ከም ዚትንክፍ ገለጹ።
ኣገልግሎት ደጋዊ ባህርይ ወይ ስጕምትታት ዘይኰነስ "ውሳጣዊ ሓርነትን፣ ድኽነት መንፈስን ከምኡውን ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከሃብትመና ኢሉ ድኻ ንዝዀነ ንኼንጸባርቕ፣ ካብ ፍቕሪ ንእተወልደ ኣገልግሎት ድሉውነት ኢዩ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣምላኽ ብሓይሊ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኣቦ እዩ መጺኡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣምላኽ ምስ ርእሱ ሕብረት ክንገብር ከም ዚጽውዓና ኣስተሓሳሰቡ።
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከም ዝገለጾ፣ እቶም ንኻልኦት ዚመርሑ ጳጳሳት "ኣገልገልቲ ብዙሓት" ምዃኖም ኪፈልጡ ኸም ዘለዎም ተዛሪቡ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ዓብዪ ነገር ኪደልዩ ዝጀመሩ ደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ማዕዳ ደማ ጠቒሱ ይርከብ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኸኩም ህዝቢ ምእንቲ ክትጓስዩ ኵሉ ሳዕ ንቑሓት ክትኮኑን፣ ብትሕትናን ብጸሎትን ክትመላለሱ እምሕጸነኩም ኣሎኹ ክብሉ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ ጳጳሳት ናብ መጓሰኦም ኪቐርቡ ዝጸውዖም ቃላት ዘኪሮም፣ ከመይሲ እቲ ቐረባኦም ዝኾነ ኣምላኽ፣ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ዘርእየሉ ተልእኾ እዩ።
ጳጳሳት ከም ኣገልገልቲ ዅሎም መጠን፣ ኣገልግሎቶም ምስሊ ክርስቶስን፣ ኣገልግሎቱን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኺፈልጡ ኣለዎም። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንሓዋርያዊ ንኣገልግሎት ክርስቶስ እንተላይ ኣብቲ ናይ ጉስነታዊ ክንክን፣ መምርሒታት ምሃብን ምምሕዳርን ዘንጸባርቑ ኣገልገልቲ ክኾኑ ይግብኦም።
"ናይ እምነት ምትሕልላፍን ቅልውላው ምስቲ ምስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣባልነትን ተግባራትን ዝምልከት ጸገማት ተደሚሩ፣ ንሓድሽ ስብከተ ወንጌል ዘሎና ፍቕርን ትብዓትን ከም ብሓድሽ ክንረክብ ይዕድመና ኢዩ" በሉ።
ጳጳሳት ነቶም ማዕጾ ቤተ-ክርስትያን ዝዅሕኵሑ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኣለዎም፣ ካልእ ባህላውን ማሕበራውን ብድሆታት እንተላይ ኲናት፡ ዓመጻ፡ ስቓይ ድኻታት፡ ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ከምኡውን ኣብ ሕውነትን ሓድነትን እተመስረተ ዓለም ናይ ምርካብ ባህጊ ፈጺሞም ክርስዑ ኣይግባእን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም "ቤተ-ክርስትያን ነቲ ጕዕዞ፡ ሕቶታት፡ ጭንቀትን ተስፋታትን ህዝቢ ብኸመይ ከም እትካፈሎ ዚፈልጡ፣ ሓለይቲ፡ ጥንቁቓት ጓሶት ኴንኩም ከተገልግሉ ትልእከኩም ኣላ። ንኻህናትን ነቶም ብእምነት ኣሓትናን ኣሕዋትናን መራሕትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ክትኮንዎም ዝደልዩ መጓሰኹም ኢዮም ክብሉ ውን ተላበውዎም።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደስቲ ጳጳሳት "እስትንፋ መንፈስ ከቶ ኸይጐድሎም ሓጐስ ቅድስና ከም ጥዑም ጨና ኣብቶም እተገልግልዎም እውን ምእንቲ ኺዝርጋሕ" ጸለዩ ብምባል ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
