ር.ሊ.ጳ. ንምጽንናዕ ኣብ እተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ፡ ምጽንናዕ ኣብ ‘ጽኑዕን ዘላቕን’ እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 መስከረም ብምኽንያት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንምጽንናዕ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ነጋድያን ተስፋ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፣ ቃንዛ ናብ ዓመጽ ዘይኮነስ ናብ ይቕረ ዝብል ፍቕሪ ምእንቲ ክመርሕ፣ ኩሉ ጸገም ወይ ክሳራ ዘጋጠሞ ዘበለ ኣብ ክርስቶስን እምነት ክሓቁፍ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣስታት 9 ሽሕ ነጋድያን ተስፋ ዓመተ ኢዮቤል ዕለት 15 መስከረም ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምጽንናዕ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ ጸሎተ ዘሰርክ ከም ዝሓበሩን እቲ ንምጽንናዕ እተወፈየ ፍሉይ ፍጻመ፣ ንዅሎም እቶም ፍሉይ ጸገማትን ሓዘንን መከራን ወይ ጽንኩር እዋን ንዘሕለፉ ዘለዉ ሰባት ዝተወፈየ ክኸውን እንከሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ንምጽንናዕ እተወፈየ መዓልቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ ከም ዝመርሑን፣ ኣብቲ መደብ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ፍቑራተን ዝሰኣና ዘጋጠመን ከቢድ ስቓይ ኣማእኪለን ቃል ምስክርነት ከም ዘቕረባን፣ እታ ቀዳመይቲ ኣደ ነፍስሄር ኣሜሪካዊ ጋዜጠይና ጀምስ ፎሊ ዝኾነት ዳያን ፎሊ፡ ዛንታ እምነታን ምስ ሓደ ኣብ 2014 ንወዳ ዝቐተለ ኣባል እስላማዊ መንግስቲ ዝበሃል ውድብ ዳዒሽ ዝገበረቶ ዕርቅን ከም ዘካፈለትን እታ ካልአይቲ ኣደ ድማ ሉቺያ ዲ ማውሮ ሞንታኒኖ፡ በዓል ቤታ ኣባል ሓላዊ ጸጥታ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ናፖሊ ብሓደ ጉጅለ መንሰያት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ንሳን ጓላን ዝተጻወርዎ ቃንዛ ከም ዘካፈለትን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ሰባት መዓልታዊ ኣብ ዝጻወርዎ ብዙሕ ውግኣትን ውልቃዊ ክሳራን፡ ደቂ ሰባት ምጽንናዕን ምትብባዕን ከምዘድልዮም እንከስተንትኑ፣ “ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ዋላ’ውን ኵሉ ደጋዊ ትርኢታት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ነገራት ዝሕብር ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ኣይሓድገናን እዩ፣ እንታይ ደኣ ልክዕ ኣብዘን ህሞታት እዚኣተን ኢና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተስፋና ኣብቲ ፈጺሙ ዘይሓድገና መድሓኒና ቅርበት ክህልወና እንዕደም፣” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፣ እቶም ዝሳቐዩ ሰባት ገለ ዓይነት ምጽንናዕ ዝህብ ሰብ ኣብ ዙርያኦም ይጥምቱ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘጸናንዕ ሰብ ስኢኖም ከም ዝተረፉ ኣመልኪቶም።

ሓድሓደ ግዜ ንብዓት እቲ እንኮ እንረኽቦ ምጽንናዕ ምስ ዝኸውን፡ ፈጺምና ክንሓፍረሉ የብልናን እቲ ካብ ንብዓት ዝመጽእ ምጽንናዕ፡ ነቲ ድኹምን ዝተፈተነን ሰብኣውነትና ስቕ ዝበለ ኣውያት ስለ ዝገልጽ።

ብዛዕባ ባህሪ ክፍኣትን ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ክፍኣት ክህሉ ስለምንታይ ይፈቕድን ዝብል ሕቶ ከነቕርብ ንርከብ ንኸውን። ኮይኑ ግና ካብ ሕቶ ናብ እምነት ክንጉዓዝ ክሕግዘና ናብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንምለስ ይግባእ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሕቶታትና ካብ እግዚኣብሔር ፍትሕን ሰላምን ንምርካብ ናብ ዝምህለል ልመናን ጸሎትን እንተቐይርናዮ ተስፋና ናብቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ድልድል ዝኾነ ኢየሱስ ነቕንዖ ኣሎና ማለት እዩ . . . ምጽንናዕ ዝረክብ እምነት ከም ጀልባ ኣብ ህቦብላን ማዕበልን ‘ጽኑዕን ርጉእን’ ምስ ዝኸውንን እዩ . . . እከይ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ነቲ እከይ ክግስጽ ዝኽእል ምጽንናዕን ምትብባዕን ክንደሊ ኣሎና፣ ዕረፍቲ ድማ ኣይንሃቦ። ፍቅሪ ንጽልኢ ክስዕሮ ስለ ዝኽእል፡ ምስክርነት ወ/ሮ ፎሊን ወ/ሮ ዲ ማውሮ ሞንታኒኖን “ቃንዛ ዓመጽ ክፈጥር የብሉን” ዝብል ሓቂ የቃልዕ፣ ስለዚ ፍቕሪ ንጽልኢ ክስዕሮ ከም ዝኽእል ነረጋግጽ፣ . . . ይቕረ ምባል፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ክፍኣት ዑደት ብምስባርን ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዝተመስረተ ፍትሒ ንምምስራትን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐዲምና ከነስተማቕር ዕድል ይኾነና፣ ቤተ ክርስቲያን ገለ ካብ ኣባላታ ብዘሕዝን ኩነታት ዝጎድኡኹም ምኽንያት ሎሚ ኣብ ቅድሚ ቅድስቲ ኣዴና ምሳኹም ተምበርኪኻ ኣላ፣ ኩላትና ካብኣ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ከመይ ጌርና ብለውሃት ክንከላኸለሎም ንመሃር!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ድሌት ካብ ምጽጋዕ፡ ኣብ ቃንዛና እግዚኣብሔር ከጸናንዓና ክፈቅድ ዓዲሞም፣ "ብሓብትና ሞት ካባና ዝተፈለዩ ንፈትዎም ሰባት ኣይጠፍኡን ናብ ባዶነት ኣይሃስሱን፣ ህይወቶም ናይቲ ዝሓቝፎምን ብቐረባ ብኢዱ ሒዙ ምዘሰንዮም እግዚኣብሔር ሕያዋይ ጓሳ እያ - ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ መላእ ህዝቢ ዓብዪ ስቓይ ዘምጽእ ዘሎ ዓመጽን ጥሜትን ውግእን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ኣብ ማእከል ትዕቢት እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ንልብን ኣእዳውን ነቶም ኣብ ስቓይን ጓህን ንዝርከቡ ከጸናንዑ ዝኽእሉ መጋበርያ ሰላም ብምዃን ሓገዝን ምጽንናዕን ንምቕራብ ከም ዝድርኽ ርግጸይናታት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 Sep 2025, 16:36