ር. ሊ. ጳ.፦ ሰማእታት ንእተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ክርስትያን ሓድነት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን፣ ምስ ተወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ብምሕባር፣ ንኣብነታት እቶም ተስፋኦም ኣብ ዓመጻ ዘይኰነስ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምዃኑ ዝመስከሩ ሰማእታት ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ትማሊ ምሸት ዕለት 14 መስከረም ፍሉይ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ ተረኺቦም። እዚ ኢቁመናዊ መደብ ድማ ነቶም ኣብ መበል 21 ዘመን ንክርስቶስ ብደሞም ዝመስከሩን ናይ እምነት መሰኻኽር ንዝኾኑ ጀጋኑ ክርስትና ንምዝካር ዝተኻየደ መደብ ኢዩ ዝንበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተወከልቲ ካብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናትን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ምስ ዝመጹ ሓቢሮም ነዚ መደብ እዚ መሪሖም።

እቲ ኣጋጣሚ ንህይወት እዞም ሰማእታትን መሰኻኽር እምነትን ብዛዕብ ክርስትያናውን ስነ-ምግባራውን ስርዓታት ዘለዎ ዝፈጸምዎ ጅግንነት ንምጕላሕ፣ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዚርከብ ትምህርቲ ብፁዓን ምርኩስ ብምግባር ኢዩ ዝተኻየደ፣ እተፈላለዩ ኣባላትን ተወከልትን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ውን ኣብ ዝተኻደ መደብ ጸሎት ተካፊሎም ኢዮም።

ፍቕሪ ካብ ሞት ትብርትዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መደብ ጸሎት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ብዕለት 14 መስከረም ከቢሩ ዝውዕል ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ብምዝካር፣ ምስሊ መስቀል ካብ ምልክት ስቓይ ናብ "መገዲ ድሕነትን" "ተስፋ ክርስትናን" ከምኡውን "ክብሪ ሰማእታትን" ብኸመይ ከም እተቐየረ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ንኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ጥንታውያን ምብራቓዊ ኣብያተ-ክርስትያን ከምኡ ውን ኣባላት ክርስቲያናዊ ማሕበራት ሕብረት ክርስቲያንን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጸሓፍዎ፣ “ከመ ይኩኑ ኣሓደ”  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብምጥቃስ "ሰማእት ክሳዕ ሞት ብምዕጋስ፣ ምስቲ ደሙ ዘፍሰሰ ክርስቶስ እቲ ዝበለጸ ሕብረት" ከም ዝመስረቱ ገሊጾም።

ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን
ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን   (@Vatican Media)

ሎሚ እውን እንተ ዀነ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ጽልኢ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ዝሰፍሐ እዩ ዚመስል ዘሎ" በሉ። ይኹን እምበር እቶም "ኣገልገልቲ ወንጌልን ሰማእታት እምነትን" ዝዀኑ ተባዓት ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን፣ ንእምነቶም ብምውፋይ ፍቕሪ ኻብ ሞት ከም እትብርትዕ ኣርእዮምና እዮም ክብሉ መስከሩ።

ንሳቶም እውን መስቀል ተሰኪሞም እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምእንቲ እምነት ዝሞቱ ብምዝካር፣ ንሳቶም ንዅሉ ሰብ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ "ሓቀይና ገጽ ኣምላኽን፣ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ርሕራሐን ዝገለጸልና" በዚ ኸምዚ ድማ ንመስቀል ክጥምት ይምሕጸኑና ኣለዉ በሉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መስቀል ኪወርድ ከሎ "ግደ ዅሎም እተዋረዱን እተጨቈኑን" ምእንቲ ኺካፈል ንጽልኢ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከም እተሰከመ እውን ገለጹ።

ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነዚ መስቀል እዚ ብምስክርነት እምነት "ኣብ ጽንኩር ኵነታትን ጽልእን ክልእ ከም ናቱ ብዝመስል ይስጐጉን ይዅነኑን ይቕተሉን" እዮም ዘለው።

እዚኣቶም እቶም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ከርስቶስ ብፁዓን ክብል ዝጸውዖም ሰብኡትን ኣንስትን እዮም። እቲ ንወንጌል ዘለዎም ተኣማንነት፣ ንፍትሒ ዘለዎም ተወፋይነት፣ ከምኡውን ምስቶም ኣዝዮም እተሸገሩ ብዝነበሮም ሓድነት ዝኸፍልዎ ዋጋ ህይወቶም እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ እዞም ሰማእታት "ከም ኣተሓሳስባ ዓለም ተሳዒሮም እዮም" በሉ። መጽሓፍ ጥበብ ግና "ተስፋኦም ዘይመውት ምሉእ ኢዩ" ብምባል ብእተፈልየ መገዲ ኢዩ ዝገልጾም።

ኣብዚ መፋርቕ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅላቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነዞም ናይ እምነት መሰኻኽር ክዝክርዎም ከኽብርዎም ኣተባብዕዎም። ብሰማእትነቶም ኣቢሉ ሎሚ ውን መልእኽቲ ወንጌል ይሰፍሕ ኣሎ በሉ። "ብስጋ እኳ እንተ ተቐትሉ ድምጾም ግና ስቕ ክብል ወይ ነቲ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ኺድምስሶ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ስለየለ እቲ ተስፋኦም ምሉእ እዩ" በሉ። ምስክርነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እከይ ዘሎ ዓወት ዝገልጽ ትንቢት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ክብሉ ውን መስከሩ።

ኣጽዋር ዘይብሉ ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ምስክርነት እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ካብ ሓይሊ ኣጽዋር ዓመጽን፣ ሓይሊ ወንጌል ስለ ዝመረጹ "ኣጽዋር ዘይብሉ ተስፋ" ምዃኖም ኣጕሊሖም።

ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን
ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን   (@Vatican Media)

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣብነት ናይታ ንህይወታ ነቶም "ኣብ ኣማዞን ዘለዉ መጽለሊ ዘይብሎም ሰባት" ዘወፈየት በዓልቲ ሠናይ ዝኽሪ ክብርቲ እናቴ ዶረቲ ስታንግ ተጠቒሶም። እቶም መጥቃዕቲ ዜውርዱ ዝነበሩ ሰባት፣ ኣጽዋራ እንታይ ምዃኑ ምስ ሓተትዋ ቅዱስ መጽሓፋ ኣርኣየቶም፣ ነዚ ድማ እቲ እንኮ ኣጽዋራ ክትብል ጸውዓቶ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ነቲ ኣብ ሞሱል ዒራቕ ዝነብር ዝነበረ ራጊድ ጋኒ ዝስሙ፣ ሓቀይና ክርስትያናውን ስነ-ምግባራውን ስርዓታት ንምምስካር፣ ምቅላስ ዝኣበየ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ክቡር ኣባ ራጊድ ጋኒ እውን ዘኪሮም።

ካልእ ኣብነት ከኣ እቲ ኣብ ደሴታት ሰሎሞን፣ ምእንቲ ሰላም ክብል ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣባል ማሕበር ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ክቡር ሓው ፍራንሲስ ቶፊ ውን ዘከሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ስደት ክርስትና ክሳዕ ሎሚ ኣየብቅዐን ዘሎ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ዛይዱ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ" በሉ።

ክንርስዖ ኣይከኣለናን ኢዩ

“ብፍጹም ክንስዖ ኣይንኽእልን ኢና፣ ክንርስዖውን ኣይንደልን፣” ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ወትሩ ክንዝክሮ ኢና እንደሊ" ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ዝኾኑ ምእመናን ሓቢርና ንምስክርነቶምን ታሪኾምን ህያው ክንገብሮ ኢና እንደሊ በሉ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንዝኽሪ እዞም ጀጋኑ ሰብኡትን ኣንስትን፣ ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ምሕበራት ንምዕቋብ ዘለዋ ቘራጽነት ውን ደጊሞም ኣረጋገጹ፣ እዚ ዕዮ እዚ ድማ በቲ ብዛዕባ ጉብዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ምንበርን፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ክርስቲያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ምንበርን ይካየድ ኣሎ።

ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን
ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ ዘመን   (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ እተገብረ ጉባኤ ሲኖዶስ እተላእከ መልእኽቲ ጠቒሶም "ብናይ ደም ኢቁመና፣ እቶም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ህይወቶም ብሓባር ዝወፈዩ፣ ነቶም እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክርስትያን ብሓድነት የሕብርዎም ኣለዉ” በሉ። ምስክርነት ሰማእትነቶም ካብ ዝዀነ ይኹን ቃል ንላዕሊ ብዝበለጸ ሓድነት ከሕብረና ካብ መስቀል ጐይታ እዩ ዝምንጩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም፣ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ እተቐትለ ኣቢሽ ማሲህ ዝስሙ ፓኪስታናዊ ቘልዓ ውን ዘኪሮም። እዚ ቘልዓ እዚ ኣብ ዕለታዊ ናይ መዝገቡ "ንዓለም ዝሓሸት ቦታ ምፍጣር" ክብል ጽሒፉ ይርከብ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ እዚ ሕልሚ ኣቢሽ ብትብዓት ብዛዕባ እምነትና ክንምስክርን ብኣኡ ኣቢልና ከአ "ንሰላምን ሕውነትን ሰብኣውነትና ማይ ብሑቝ" ክንከውን ብምምሕጻን ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማዕታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለዘመን
15 Sep 2025, 16:55