2025.09.26 ር.ሊ.ጳ. ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ህየንተ ሰምዮም 2025.09.26 ር.ሊ.ጳ. ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ህየንተ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ህየንተ ሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣብ ዝህብዎ ናይ ሓላፍነት ስሜት ነቶም ናይ ጉዳያት ሰነዳት ሕጊ ዝከታተል ናይ ቅድስድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ሊቀ ጳጳሳት ፊሊፖ ያኖነ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝተታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እንክብሉ ዝሃብዎ መዝነት ዝምልከት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኮይኖም ምሕራዮም፡ ኣብ 2023 ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሮማ ካብ ዝተሰጋገሩሉ እዋን ጀሚሮም ክሳብ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን፡ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካን ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ዋና ጸሓፍን ምክትል ዋና ጸሓፍን ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ ሓላፍነት ክቕጽሉ እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሊቀ ጳጳሳት ያኖነ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2025 ዝተዋህቦም ሓድሽ መዝነት ብወግዒ ክርከቡ ከምዝኾኑ ድማ ኣመላኺቱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንመጀመርታ ግዜ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብራዚሊያዊ ሊቀ ጳጳሳት ኢልሶን ደ ኸሱስ ሞንታናሪ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ከምኡ እውን ነቶም ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ የኔታ ኢቫን ኮቫች ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ meዝነቶም ክቕጽሉ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሕርየቶም - ንእናቴ ቲዝያና መርለቲ መነኮስ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውን ኣሓት ድኻታት፣ ናይ ሰብ ውፉይ ህየትን ሓዋርያዊ ማሕበራትን ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊቲ ክኾና ከም ዝሰመይወን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ክኢላ ሕግን ጠበቓን

ሊቀ ጳጳስ ያኖነ ተወላዲ ናፖሊ ዕለት 13 ታሕሳስ መበል 68 ዓመት ዕድመኦም ዘብዕሉ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ፡ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ርእሰ ሰበኻ መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ዳይና ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ ስነ ሕግን ሕገ ቀኖና ሰፊሕ ተመርኮ ዘለዎም ቀርሜሎሳዊ መነኮስ እዮም።

ኣብ ኩርያ ሮማና ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘገልገሉ፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ ከታሚ፤ ኣማኻሪ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ሰብ ውፉይ ህይወትን ሓዋርያዊ ማሕበራትን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ሕጂ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ሕጋዊ ጉዳያት ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ፤ ኣቦ መንበር ናይ ኣምልኾ ቦታታት ዝምልከት ሽማግለን ኣባል ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዞባ ላዝዮ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፣ ኣብ 2012 ብበነዲክቶስ መበል 16 ምኽትል ዓቃቤ መንበር ህገረ ስብከት ሮማ ኮይኖም ከም እተመዙን፤ ድሒሩ ኣብ 2017 ፍራንቸስኮ ኣብ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ሰነዳት ሕጊ ተወሳኺ ጸሓፊ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ካብ ዕለት 7 ሚያዝያ 2018 ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኮይኖም ተሰምዮም ከገልግሉ ከም ዝጸንሑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ጳጳሳት ናይ ምምራጽ ዕማም

ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራ ንር.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ጳጳሳት ኣብ ምሻም ዝሕግዝዎምን ጳጳስ ዝኾኑ ካህናት ድሕሪ ምልላይ ኣስማት ናይቶም ክስመዩ ዘለዎም ካህናት ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘቕርቡ እዮም ናይ መወዳእታ ውሳነ ድማ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይኸውን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ተልእኾ ንር.ሊ.ጳ. ንምሕጋዝ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባላት ገይሮም ከም ዝሰመዩን ንሳተን እውን እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ፡ ናይ ሕጂ ኣደ መንበር ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን (ኣመሓዳሪት ሃገረ ቫቲካን)፤ እናቴ ይቮነ ረኡንጋት ናይ ደቂ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ጠቕላሊት ሓለቓ ነበር፤ ከምኡ’ውን ኣደ መንበር ናይ መላእ ማሕበር ደናግልት ላዕለዎት ዓበይቲ ኣሕሉቕ (WUFC) ነበር እናቴ ማርያ ሊያ ዘርቪኖ ከም ዝኾና ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 Sep 2025, 17:35