ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ኣብ እስያ ይጽልዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ኣብ እስያ ይጽልዩ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ኣብ እስያ ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በቲ ኣብ ፊሊፒንስ፣ ታይዋን፣ ሆንግ ኮንግ፣ ቬትናምን ገለ ክፋል ቻይናን ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ዝተሃስዩ ሰባት ከም ዝጸለዩን ዕለት 1 ሕዳር ቅዱስ ዮሓንስ ሄንሪ ኒውማን ቤተ ክርስቲያን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቢላ እትእውጀሉ ዕለት እውን ምዃኑ ዕለት 29 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዕጸዊ መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝሓበሩን መንፈሳውያን ነጋድያንን ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ፣ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ሓሳቦም ብፍላይ ናብቲ ኣብ ሓያሎ ዞባታት፡ "ብፍላይ ኣብ ፊሊፒንስ፡ ደሴት ታይዋን፡ ከተማ ሆንግ ኮንግ፡ ዞባ ጉዋንዶንግን ቬትናምን" ብኸቢድ ዝሃሰየ ብርቱዕ ህቦብላ ኣቕኒዖም፣ "ነቶም ዝተጎድኡ ህዝብታት ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ኣብቲ ብብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ዝተጸለዉ ዞባታት ዝርከብ ድኻታትን ብዛዕባ እቶም ግዳያትን ሃለዋቶም ገና ዘይተረኸበ ዝተመዛበሉን ኣባይቲ ስድራን ንኹሎም በቲ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት፡ ከምኡ'ውን ንኣባላት ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወትን በርገሳውያን ሰበስልጣንን ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ - ቢሎም - ኩሉ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ትውክልቱ ከንብርን ምስ ካልኦት ክተሓባበርን ተላብዮም፣ “ጎይታ ንኹሉ ጸገም ክስዕሩ ሓይልን ትብዓትን ይሃቦም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ዝሓየለ ተባሂሉ ዝግለጽ ራጋሳ ኣተሰምየ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ኣብ ቻይና ዞባ ጓንግዶንግ ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክመዛበሉ ከም ዝገበረን። ኣብ ርእሲ እቲ ሰፊሕ ዕንወት፡ ውሕጅ፡ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምድርማስ መሬትን፡ ብውሕዱ ኣብ ፊሊፒንስ ጥራይ 25 ሰባት፡ ኣብ ታይዋን ድማ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ይንገር።

ጆን ሄንሪ ኒውማን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ክእወጅ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብተወሳኺ ቅድሚ ሕጂ ዕለት 31 ሓምለ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዕለት 1 ሕዳር ቤተ ክስቲያን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቢላ ክትውጆ ምዃና ኣፍሊጦም ከም ዝነበሩ ዝዝከርን ኮይኑ፣ ኒውማን ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብጹእ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎን ደሕር እውን ዕለት 13 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስናኡ ከም ዝኣወጁን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኒውማን “ንቲዮሎጊያ ኣብ ምሕዳስን ክርስትያናዊ ትምህርቲ ንምምዕባልን ወሳኒ ኣበርክቶ ዝገበረ፥” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን እንክዝከር፣ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዕለት 21 ለካቲት 1801 ኣብ ለንደን ዝተወልደ፣ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሜኡ ኣብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበለ፣ ኣብ 1845 ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክኣቱ ሓቲቱ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበለን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኒውማን "ኣብ ምሕዳስ ቲዮሎጊያን ምዕባለ ሰረተ - እምነት ክርስትና ኣብ ምርዳእን ወሳኒ ኣበርክቶ ዝገበረ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን፣ ኒውማን ካርዲናል ምስ እተሰምየ መንፈሳዊ ጭርሖኡ “ልቢ ንልቢ ይዛረብ” ዝብል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ዝበሎ ተባሂሉ ዝንገረሉ ቃል ከዝገበረን ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ነዛ ቃል እዚኣ ኣብታ Dilexit nos - ኣፍቀረነ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ እውን ከም ኣብነት ዘቕረብዎ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስጋና ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብቲ ኣብ መዕጸዊ እቲ ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ዝተቐበሉ፡ ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንዝተዋፈሩ ምዉቕ ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም፣ "ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ክህቡ ሰናይ ትምኒተይ አቕርብ! ቢሎም፣ ስለእቲ ኣብ ቤተክርስትያን እትገብርዎ ኣገልግሎት የቐንየልና። ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዘሎ ክፍሊ ዓለም ኣብዚ ተልእኾ እዚ ንዘገልግሉ ንጸሊ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Sep 2025, 16:58