2025.09.15 Capitolo Generale dell'Ordine di Sant'Agostino

ር. ጳ. ሊ.፦ ንፍቕሪ ማእከል ናይ ጻዋዕታዊ ህይወት ጌርኩም ዓቕብዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ካህናት ኣጉስቲንያውያን፣ ምስ ተጋባእቲ ኣባላት ተራኺቦም ንፍቕሪ ማእከል ጸዋዕታዊ ህይወቶም ጌሮም ክዕቅብዎ ተላበዉዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ንኣባላት ጠቐላሊ ጉባኤ ማሕበር ካህናት ኣውጉስቲንያውያን፣ ጠቕላሊ ጉባኤኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ ኣጋጣሚ ተረኺቦም "ጠቕላሊ ጉባኤ ብሓባር ንምጽላይን ብዛዕባ እቲ እተቐበልኩምዎ ውህበትን ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ፍሉይ ተውህቦኹምን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ጸገማትን ንምስትንታንን ክቡር ኣጋጣሚ ኢዩ" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

እቶም ኣባል ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቶም ኣሕዋቶም ኣብ ጕዕዞ እምነት ውሽጦም ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ "ዝያዳ ድራኸን ውዕዉዕ መንፈሳውይነትን" ናብ ተልእኾ ንኽዋፈሩ ክመርሖም ከም ዘለዎ ተላበውዎም።

'ነቲ ኽትኮንዎ ዘለኩም ኣፍቅሮዎ'

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ "ነቲ ክትኮንዎ ዘሎኩም ኣፍቅርቆ" ዝበሎ ቃል ብምዝካር፣ ብዛዕባ "ጸዋዕታን ናይ ፈለማ ሥነ መዕበያን፣ ተዘክሮታት መግለጺ ቅዱስ ኣጐስጢኖም” ኣብ ዝብሉ ኣርእስቲ ኣስተንቲኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም "እዚ ብፍላይ ንጸዕታን ንሥነ መዕበያን ከም ሕግታት ወይ ክግበር ዘለዎም ነገራት ወይ ከኣ ከም ድሉው ክዳን ጌርካ ብምሕሳብ፣ ኣብ ጌጋ ምእንቲ ከይትርከቡ ክቡር ምልክት ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ" በሉ።

ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ቅዱስነቶም "ንፍቕሪ ማእከል ናይ ኵሉ ነገር ግበርዋ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ፣ ብፍላይ ከኣ ገዳማዊ ህይወት "ሓደ ሰብ ንልቡ ክምግብን ከዕግብን ዝኽእል ነቲ ዝዓበየ ነገር ሒዙ ክርከብ እንከሎ ጥራይ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።

እዚ ድማ ብፍላይ መንእሰያት ጸዋዕታኦም ንኽቕበሉን፣ ነቲ ክኾንዎ ዘለዎም ንኸፍቅርዎን ንምሕጋዝ ከም ዘተሓሳስቦም ድማ ገለጹ።

ፍቕሪ መሰረት ሥነ መለኮት እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ኣገዳስነት ፍቕሪ ኣብ ህይወት ጸዋዕታ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ንኣውጉስጢኖሳውያን ፍቕሪ ኣብ መጽናዕቲ ሥነ-መለኮትን ኣእምሮኣዊ ብስለትን "መሰረታዊ መለክዒ" ምዃኑ ውን ኣዘኻኸርዎም። ሓደ ሰብ ብኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ ናብ ኣምላኽ ክበጽሕ ኣይክእልን ኢዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንገዛእ ርእሱ "ብዕቤቱ ክድነቕ" ከምኡውን "ኣሰር ፈጣሪ ምእንቲ ክስዕብ" – ልዕሊ ዅሉ ድማ "ንኣምላኽ ንምፍቃርን ብኣኡ ንኽፍቀርን" ንገዛእ ርእሱ 'ብዕቤቱ ክድነቕ' ክፈቅድ ኣለዎ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቶም ኣባላት ማሕበር ኣሕዋቶም "ንወንጌላዊ ድኽነት እሙናት ክዀኑ፣ ከምኡውን ንጸዋዕታዊ ህይወቶም” እንተላይ “ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ተልኾና ንዘሎ መጋበርን መዋቕራትን" መለክዒ ክኸውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ንመንፈስ ወንጌላዊ ተልኾ ዳግም ምብርባር

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ቀዳማይ ተልእኾኦም እተመስረተ ኣብ መላእ ዓለም "ብውዕዉዕ ስምዒትን ልግስናን" እተፈጸመ "ጸዋዕታ ወንጌላዊ ተልእኾ" ኣጕልሑ። "እዚ መንፈስ ወንጌላዊ ተልእኾ እዚ ሎሚ እውን ኣዝዩ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ኪጠፍእ የብሉን" ክብሉ ውን ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም "እቲ እተጸዋዕናሉ ተልእኾ ወንጌላውነት ትሕትናን ሕያውነትን ሓጐስን ንኣገልግሎት ድሉው ምዃንን ኣብ ህይወት እቶም እተላእኩን ሰባትን፣ ከምኡ ውን ምክፋልን ምስክርነትን ከም ዝሓትት ብምዝኽኻር ከም ብሓድሽ ነዚ መንፈስ እዚ ከበራብርዎ አተባብዓኩም ኣሎኹ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ኣብ መደምደምታ እዞም ኣጐስጢኖሳውያን "ንሓሳባት መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ብስንዱው ልብን ብብሕውነታዊ ሓጐስን ንዕዮ እዚ ጠቕላሊ ጉባኤኦም ኪቕጽሉ" ተስፋ ብምግባር ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ብድሕርዝ ቅዱስነቶም "ጸጋ ጐይታ" ሓሳባቶምን ተግባራቶምን ምእንቲ ኼነቓቕሕ ጸሎቶም ኣረጋገጹሎም፣ ንምልማድ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ድማ ብምምስጋን፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣካፈልዎም።

17 Sep 2025, 13:18