2025.09.11 Opening of the General Chapter of the Carmelite Order taking place in Indonesia

ር. ሊ. ጳ. ንማሕበር ቀርሜሎሳውያን፦ ናይ ሓድነት መሰኻኽር ኩኑ

ኣብ መጀመርታ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ቀርሜሎሳውያን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት እቲ ጉባኤ ኣብ ኣገልግሎቶምን፡ ጸሎቶምን፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ተልእኾኦምን ዜተባብዕ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 9 መስከረም ኣብ ኢንዶነዥያ እቲ ብዕለት 26 መስከረም ዚዛዘም ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ቀርሜሎሳውያን ተጀሚሩ ይርከብ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምዝካር ናብ ጠቕላሊ ሓለኻ ማሕበር ቀርሜሎሳውያን ክቡር ኣባ ሚዣል ኦኒል መልእኽቲ ለኣኹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር  ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ሰናይ ትምኒቶም ኣቕሪቦም፣ ነዚ ግዜ እዚ ንመንፈሳዊ ተሓድሶ ክጥቀሙሉ ውን ኣተባብዕዎም። ፍረ ነገር ናይቲ ጉባኤ "ሕውነታዊ ኣስተንትኖና ንተልእኾኡ የንጸባርቕ" ዝብል ጭርሖ ኮይኑ፣ ናይቲ ማሕበር ዕላማ ዘመልክትን ከምኡውን ናብራ ሓባራዊ ጸሎት ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ንምግልጋል ብኸመይ መሰረት ከም ዝኸውን የጕልሕ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ብወገኖም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ውፉያት ክዀኑ ተማሕጺኖም። ካብ መምርሒ እዚ ማሕበር ብምጥቃስ ኣብ ጽሞናዊ ጸሎትን ሓባራዊ ሓልዮትን ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ እቲ ማሕበር እቲ "ንምልክታት ግዜኡ ብፍላይ ከኣ ብመነጽር ድኻታት ንኼለልዮ" ኪሕግዞ ምዃን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሕጊ ቀርሜሎሳውያን ንኣባላት እዚ ማሕበር "ገለ ዕዮ ኺዓዩ" ዘቕረቦ ጻውዒት ተመርኲሶም፣ ንቀርሜሎሳውያን "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብምሕረትን ብለውሃትን ዚሓቝፍ ፍቕራዊ ኣዒንቲ ክርስቶስ ኬንጸባርቑ" ጸዊዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በቲ መዓልታዊ ዕዮኦምን መንፈሳዊ ትምህርትን ኣቢሎም መምርሒን ተልእኾን ሰበኻታትን እውን ብምጥማር፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሎ ማእሰር ልግሲ "ብፍላይ ኣብቶም ብምክፍፋልን ብምፍልላይን እተበታተኑ ኽፋላት ሕብረተሰብ" ኣብነት ውህበትን ሓድነትን ኪኾኑ ውን ጸለዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ ነቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር መነኮሳት ዘደበረ ቀርሜሎስ ንምዕቋብን፣ ሰላም ንምስፋንን፣ ነዚ ማሕበር ብሕድሪ ብምውፋይ፣ ንዅሎም ኣባላቱ ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

11 Sep 2025, 16:51