ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንገዳማውያት: ዓለም ለጋሳት ደቂ ኣንስትዮ የድልያ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 መስከረም ነተን ኣብ ነናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራተን ኣብ ዝካየድ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ንክሳተፋ ሮማ ንዝርከብ ካብ ቅድስቲ መሬት ዝመጻ ማሕበር ነዳያን ቅርሜሎሳውያን ኣሓት ዝርከበኦ፣ ኣባላት ኣሓት ቅድስቲ ካትሪን ድንግልን ሰማእትን፤ ሳሌሳውያያን ልኡካን ሚስዮናውያን ዘንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣማላት ማሕበር ደናግል ኣሓት ቅዱስ ጳውሎስ ዘሻርትረስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እተም ደናግል ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣባላት ካብቲ ብመሰረቲ ማሕበራተን ካብ ዝተመልከተ ናይ ሓባር ባህሪ ኣስተንፎ ክገብራ፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዘሎ ጅግን ሰበይቲ መን ክረክብ ይኽእል? ዋጋኣ ካብ ሉል ኣዝዩ ይዓቢይ” ዝብል ጥቕሲ ብምዝኽካር ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተኣማንነት ካብ ክርስቶስ
እቲ መልሲ፡ ኣብ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራተን፡ ኣብተን ኣብ መጀመርታ ንጻውዒት ኣምላኽ ዝመለሳ ብዙሓት “ሓያላትን ተባዓትን ... ፍሉያት ደቂ ኣንስትዮን ንመጻኢ ወለዶታት መንገዲ ዝጸረገን ነቲ ድኻን ንጹሕን ተኣዛዚ ክርስቶስ ስዒበን ንዕዮኡ ሓድሓደ ግዜ ክሳብ ሰማዕትነት ከይተረፈ ገዛእ ርእሰን ኣሕሊፈን ብምሃብ ዝቐጸላ” ከም ዝርከብ ሓቢሮም፣ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእን ኣብ “ተሓድሶን ጸሎትን ውፉይነት ውሽጣዊ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ብምስጢራቱን ቃሉን” ዝሰረተ ንጡፍ ተኣማንነት መሰረት ሕይወተን ከስተንትና ዓዲሞም፣ ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ገዳማውያን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ዕዮ እግዚኣብሔር ምክፋል ምእንቲ ክምለሱ ብልክዕ ትሕትና ክሓቑፉን ሓይሎም ኣብኡ ከቐምጡን ምስ እግዚኣብሔር ቅርበት ክህልወን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዓለም ለጋሳት ደቂ ኣንስትዮ የድልያ
እቲ ንጡፍነት፡ ኣብቶም ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራተን መስረትትን ቀዳሞት ኣባላትን - ረጂና ፕሮትማን፡ ማሪ ገርትሩድ ዘክቡር ደመ ክርስቶስ፡ ማሪ - ኣነ ደ ቲሊ (ምስ ኣኣ ሉዊስ ሻውቨት)፡ ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላን ባሕታውያን ደብረ ቀርሜሎስን - ኩለን “ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝገብራ ድማ ብኣገልግሎተን ንሰናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን” ገዛእ ርእሰን ዘወፈያ ምዃነን ብምዝኽካር፣ እዚ ድማ “እቲ ዝተቐበልክነኦ ሕድሪ እዩ፣ ንህላወኽን ኣብዚ ኣዝዩ ትርጉም ክህልዎ ዝገብር እዩ - ቢሎም - ብሓቂ ኣብ ዘመንና’ውን ለጋሳት ደቂ ኣንስትዮ የድልያ” ብምባል ኣጽኒዖም የመላኽቱ።
ምስክርነት ቀርመሎሳውያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መደረኦም ቅድሚ ምዝዛሞም፡ ነተን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነበራ ነዳያን ቀርመሎሳውያን ኣሓት እናሓሰቡ፡ “ብጽልእን ዓመጽን ብዘሕዝን መንገዲ ኣብ ዝተበታተነ ቦታታት ንቑሕ ጽሞናውን ህላወአን፣ ብተኣማንነት ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ናይ ምሕዳግ ምስክርነተን ከምኡ’ውን ቀጻሊ ንሰላም ዝገብርዎ ጸሎት” ኣጒሊሖም፣ “ኩላትና ብጸሎትና ንሰንየክን ኢና፡ ብኣኻትክን ኣቢልና ድማ፡ ናብቶም ዝሳቐዩ ንቐርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
