ር. ሊ. ጳ.፦ “ንውህበት ኣምልኽ ዝያዳ ፍትሓዊትን ማዕርነት ዘለዋን ዓለም ንምፍጣር ተጠቐመሉ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ምሳሌ ናይቲ ዓመጸኛ መጋቢ ኣስተምሂሮም፣ ምእመናን ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተቐበልዎ ውህበት ብኸመይ ከም ዝቈጻጸርዎ ንርእሶም ኪሓቱ ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ስጋዊ ጥሪት ክንሓስብ ይዕድሙና፣ ብሓፈሻ ድማ "ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽቡር ዝዀነ ነገር ማለት ህይወትና ብኸመይ ከም እነመሓድር" ከነስተንትን ጻውዒት የቕርቡልና።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ ምሳሌ ናይቲ ዓመጸኛ መጋቢ እክሓስቡ፣ እቲ ምሳሌ "ንሕና ጐይቶት ህይወትና ወይ ናይቲ እንረኽቦ ጥሪት ኣይኰንናን" ኢዩ ዝብለና፣ ነገር ግን ኵሉ እቲ ዘሎና ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና፣ ንሱ ድማ ነዚ ውህበታት እዚ "ንሓልዮትናን ንናጽነትናን ንሓላፍነትናን ብሕድሪ እተወሃብናዮ" እዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘንተዎ ምሳልያዊ ዛንታ፣ ሓደ መዓልቲ 'ንገዛእ ርእስናን፡ ንጥሪትናን፡ ንሃብቲ ንምድሪትናን' ብኸመይ ከም እተጠቀምናሉ ጸብጻብ ክንህብ ከም እንጽዋዕ የዘኻኽረና።

'ሃብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ ኢዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ እዚ ኣብዛ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ መጋቢ ክሳዕ እታ ተጸዊዑ ተሓታትነት ስራሑ ኽሳዕ ዘቕርበላ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ጥራይ ከም ዝደሊ ዝነበረ ገለጹ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም ንመጻኢኡ ብኸመይ ከም ዜረጋግጽ ኪሓስብ ምስ ዝርከብ ጥራይ እዩ "ሃብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ ምዃኑ ብምርዳእ"፣ ሃብቲ ምእካብ ዝለዓለ ዋጋ ኸም ዘይኰነ ዘስተውዓለ ክብሉ ኣስተምሃሩ።

እቲ ዝረኸቦ መፍትሒ ነቲ ዚግብኦ ዝንበረ ግደ ብምኽሓድ፣ ነቶም ዕዳ ዝመልሱ ዝነብሩ ይቕረ ኺብለሎምን ስጋዊ ጥሪቱ እኳ እንተ ኣጥፍአ "ኪሕግዝዎን ኪድግፍዎን ድሉዋት ዝዀኑ ኣዕሩኽ ግና የጥርዮ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ሃብቲ ምስ ጠፍአ ናብ ናይ ዘለኣለም ቤት ምእንቲ ኺቕበሉኹምሲ ብጥሪትኩም ኣዕሩኽ ግበሩ" ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ይዝክር።

ሓቀይና ሃብቲ፦ ዕርክነት ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን

እቲ ዘይፍትሓዊ ኣገልጋሊ "ጽምዋ ስስዐ ሓዲጉ" ኣዕሩኽ ዜጥርየሉ መገዲ ኺረክብ እንተ ኽኢሉስ፣ ክርስትያን ምእመናን ከአ "ንጥሪት እዛ ዓለምን ንህይወትናን ኽንደይ ዚኣክል ክንጥቀሙሉ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ምስ ጐይታናን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮ ዕርክነት እዩ፡” ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሳባቶም ኣብ ምድምዳም እቲ ብዛዕባ እቲ ዓመጸኛ መጋቢ ዝገልጽ ምሳሌ፣ ነቲ እተቐበልናዮ ንብረት ብኸመይ ከም እንቈጻጸሮ ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ይዕድመና እዩ፦ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ እናሓሰብና መገዲ ስስዐ ዲና ንክተል ዘልና? ወይስ ንዅሉ ነገርና ዝያዳ ፍትሓዊትን ማዕርነትን ዘለዋ ዓለም ንምህናጽ ከም ውህበት ኣምላኽ ጌርና ኢና እንርእዮ? ክብሉ ሓተቱ።

"ናብ ድንግል ማርያም ንጸሊ፣ ንሳ ምእንታና ኽተማልድን ነቲ ጐይታ ብሕድሪ ዝሃበና ሓላፍነት ብፍትሕን ማዕርነትን ብምፍጻም እሙናት መገብቲ ኽንከውን ክትሕግዘና ንጸሊ" በሉ።

22 Sep 2025, 14:19