2025.10.24 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ስድራ ቤት ንምድጋፍ ኩሉ ክንገብር ኣሎና 2025.10.24 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ስድራ ቤት ንምድጋፍ ኩሉ ክንገብር ኣሎና  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ስድራ ቤት ንምድጋፍ ኩሉ ክንገብር ኣሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቲዮሎጊያዊ ተቕዋም ስነ ተክሊልን ስነ ስድራቤትን ንዝመጹ መምህራንን ተመሃሮን ኣብ ሃገረ ቫቲክን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ኣብ ኩሉ ቦታን ወትሩን ንስድራቤት ክንድግፍን ክንከላኸልን ከነስፍሕን ተጸዊዕና ኣሎና” እንክብሉ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ጥቅምቲ ንግሆ ካብ ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቲዮሎጊያዊ ተቕዋም ስነ ተክሊልን ስነ ስድራቤትን ንዝመጹ መምህራንን ተመሃሮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ኣብ ኩሉ ቦታን ወትሩን ንቤተሰብ ንምቕጻልን ንምክልኻልን ንምዕባይን ተጸዊዕና ኣለና” ክብሉ ዘረጋገጹ ቅዱሰንቶም፡ እቶም ብድሆታት ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ኵነታት ዝተፈላለዩ ምዃኖም ብምዕዛብ፡ ምእመናን ኣብ ኩሉ ግዜ ነታ ስድራቤት፡ "ልዕሊ ኩሉ ምስ ወንጌል ብዝሰማማዕ ኣገባብ ህይወት ክድግፉ ኣለዎም፡ ንህይወትን ሕብረተሰብን ዝቕይር ብስራት ወንጌል "ንስድራቤት ዝድግፍ ስሩዕን ዝተዋደደን ተግባራት ከነስፍሕ ቃል ንኽንኣቱ ይድርኸና . . . ጽፈት ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ሓንቲ ሃገር ብፍላይ ኣባይቲ ስድራ ጽቡቕ ክነብሩ፡ ንነብሶም ግዜ ክረኽቡን ንሓድነት ዝገብር ምትእስሳር ከማዕብሉን ብኸመይ ከም ዘኽእሎም እዩ ዝዕቀን" ኣንክብሉ ኣርጊጾም ብምሕባር፡ "ኣብዚ ብዙሕ ግዜ ካብ ክቡር ዋጋ ዝምድናታት ኣፍራይነትን ቅልጣፈን ኣብ ዝዓዘሉ ሕብረተሰብ፡ ነቲ ካብ ስድራቤት እትመሃሮ ፍቕሪ ግዜን ቦታን ምምላስ ህጹጽ ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

'ሓድሽ ህይወት ናብ ዓለም ናይ ምምጻእ ሓጎስ ኣኽቢርካ ምሓዝ'

ቅዱስነቶም ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ "ነፍሰ ጾር ዝኾና ኣዴታት ‘ናብ ዓለም ሓድሽ ህይወት ብምምጻእ ዝርከብ ሓጐስ ኣኽቢረን ክርእያ' ዘቕረብዎ ለበዋ ዘኪሮም፡ እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ቃል፡ "ተራን ዓሚቝን ሓቂ ዝሓዘ እዩ: ህይወት ወዲ ሰብ ህያብ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ብኣኽብሮትን ሓልዮትን ምስጋናን ክእንገድ ኣለዎ፡ ስለዚ ምስ ክውንነት ናይተን ብዙሓት ኣዴታት ኣብ ኩነታት ብሕትውና ወይ ምግላል ዝነብራ፡ በርገሳዊ ማሕበረሰብን ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣደነት ምሉእ ክብሩ ንምምላስ ብቐጻልነት ክወፈዩ ከምዘለዎም ክዝክር ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ጭቡጥ ተበግሶታት ኣድላዪ እዩ። ብፍላይ "እኹል ኩነታት መነባብሮን ስራሕን ዘረጋግጽ ሕግታት፤ ንጽባቐ ፈራይነት ዘስተውዕል ቅርጻውን ባህላውን ተበግሶታት፤ ከምኡ'ውን ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብቕርበትን ምስማዕን ዘሰንዮም ጓሳዊ ክንክን" ክህሉ ጸዊዒት ኣቕሪቦም፡ “በዚ ኸምዚ ዝተሓለወ ኣደነትን ኣቦነትን፡ ብፍጹም ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ከቢድ ጾር ዘይኮነስ፡ ንዕኡ ዘሐይልን ዘሐድስን ተስፋ እዩ ዝኸውን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መምሃራንን ተመሃሮን ኣብ መንጎ ስድራ ቤትን ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ምትእስሳር ናይ ምዕማቕ ዕማም ኣዘኻኺሮምዎም፣ እዚ ድማ ኣብ ክልተ ተማላላእኢ ኣንፈት ኪቕጽል ከም ዚኽእል ገሊጾም፡ "መጽናዕቲ ስነ ስድራ ቤት ከም ኣድላዪ ምዕራፍ ናይቲ ቤተ - ክርስትያን ብዛዕባ ማሕበራዊ ህይወት እትህቦ ውርሻ ጥበብ ብምምልካት፣ "ብኣንጻሩ ግን ንመሰረታዊ ስርዓታት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያን ብዝበለጸ ምእንቲ ኽንርድኦ ነዚ ውርሻ እዚ ብናይ ስድራቤት ተመክሮታትን ንጥፈታትን ምሃብታም - ቢሎም - እዚ ኣቓልቦ እዚ፡ ነቲ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተዘከረን ብተደጋጋሚ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነን ጳጳሳት ዘረጋገጽዎን ስነ - ኣእምሮኣዊ ምልከት ንምምዕባል ዘኽእል'ዩ" እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኢየሱስ ኣብ ልቢ መንእሰያት ይኹሕኩሕ ኣሎ

ቅዱስነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ብመንጽር ጒስነት እንከስተንትኑ፡  "ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም ንመውስቦ ዘይምድናቕ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ምንጻግ ዝንባለ ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምስድናው ምስጢረ ተክሊል ኣብ እትገብሮ ኣስተንትኖ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ተግባር ጸጋ ኣምላኽ ክትከታተሉ ክዕድመኩም እፈቱ፡ መንእሰያት ብመሰረት ትምህርቲ ኢየሱስ ምስቲ ቤተ ክርስቲያን እትሕልኖ መንገድታት ዘይቃዶ ምርጫታት ክገብሩ ከለዉ እውን ከይተረፈ ጐይታ ሓድሽ ውሽጣዊ ጻውዒት ንኽቕበሉ የዳልዎም ማዕጾ ልቦም ምኹሕኳሕ ይቕጽል" እንክብሉ ከም ዘብህሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎትኩም ንሕልና መንእሰያት ክትንክፍ ይኽእል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፡ "ቲዮሎጊያውን ጉስነታውን መጽናዕትኹም ኣብ ጸሎትን ዘተን ምስ ጎይታ ዝተሰረተ እንተኾይኑ፡ ንሕልና መንእሰያት ብዕምቆት ክትንክፍ ዝኽእል ሓደስቲ ቃላት ክተቕርቡ ትብዓት ክትረኽቡ ኢኹም . . . ዘመንና "ንልቢ ብዜደናግር ውጥረትን ስነ - ሓሳባትን" ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳውነትን ሓቅን ፍትሕን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ምድላይ" ከም ዜመልክት ኣጉሊሖም፡ "ነዚ ድሌት ምቕባልን ምሕላይን ንኹላትና ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ጽቡቕን ህጹጽን ዕማማት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስማዕን ጸሎትን

ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ከም ዘይነጻጸል ኣካል ሕንጸት ገይሮም ክስዕብዎ ኣተባቢዖም። "ብፍላይ ኣብ ኣህጉራዊ መናብርተ ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት ምስጢረ ተክሊልን ስድራቤትን ብኸመይ ብሓባር ከም ዝዓብዩ ብዝበለጸ ንምፍላጥ፡ ሓድሕዳዊ ምስማዕ ምልምማድ የድሊ፡ ብዛዕባ ምትሕልላፍ እምነት፡ መዓልታዊ ናይ ምስማዕን ጸሎትን ተመክሮ ምግባር ፡ ትምህርቲ ኣብ ፍቕርን ሰላምን፡ ሕውነት ምስ ስደተይናታትን ጓናን፡ ከምኡ’ውን ንመሬት ሓልዮትን ብዝምልከት ብዙሕ ክንመሃር ከም ዝግበኦ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ኵሉ እዚ መዳያት እዚ ናብራ ስድራ ቤት ቅድሚ መጽናዕትና ትምህርትናን ብምስክርነት ተወፋይነትን ቅድስናን ኢና እንመሃሮ - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንተማሃሮን መምሃራንን ነቲ ሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ብተስፋ ክጅምሩ ብምምሕጻን፡ "ጎይታ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ብጸጋ መንፈሱ ሓቅን ሕይወትን ከም ዝድግፈና ርግጸይናታት ክኾኑ" ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Oct 2025, 17:50