2025.10.26 Angelus 2025.10.26 Angelus  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ጌጋታትካ ንምቕባል ኣይትፍራህ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ፈሪሳዊን ተቐባሊ ቐረጽን ዚገልጽ ምሳሌ ጠቒሶም ኣስተንተኑ፣ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ከኣ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም፣ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎም ርክብ ትሕትናን ቅንዕና ልብን ኬማዕብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ኣብታ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ክሳተፉ ምእመናን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ ካብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኽልተ ንጽድቂ ወንጌል ዚጋጮ ምሳሌታት ከስተንትኑ ዓደምዎም፣ እዚ ኸኣ

 ኣብ ጽድቁ ዚተኣማመን ፈሪሳዊን፣ ንሓጢኣቱ ዝፈልጥ ተቐባሊ ቐረጽን ኢዮም ዝንበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪ ዝሓለፈ ሰንበት ንጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመተ ኢዮቤል፣ ቀቅድሚ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምድጋሞም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ናይቲ ፈሪሳዊ ኣብ ትምክሕትን መንፈሳዊ ትዕቢትን ዘተኰረ ጸሎት "ነቲ ሕጊ ብጥብቂ ምሕላው ዜንጸባርቕ እዩ ዝንበረ፣ ብርግጽ ግና ኣብ 'ምሃብን' 'ምውናን' እተመስረተ ኣብ ዕዳን ልቓሕን ዝምካሕ ምሕረት ዘይብሉን ካብ ፍቕሪ ዝደኸየ እዩ ዝንበረ በሉ።

ብኣንጻሩ ግን እቲ ተቐባሊ ቐረጽ "ዎ ኣምላኽ ንዓይ ሓጥእ ምሐረኒ" ኢሉ ክጽሊ ጸጋ ዝመልኦ ልቢ ይገልጸልና።

ትሕትና፦ መገዲ ሓቅን ሕውየትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ትብዓት ናይቲ ተቐባሊ ቀረጽ ኣጕልሑ፣ ንሱ ሕሉፍ ህይወቱን ስሙን እናሃለወ ኽነሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ኪብል ኣይደፈረን።

"ንባዕሉ ውን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ኣይዕጸወን። ነቲ ዝገበሮ ኽፉእ ነገራት እውን ኢዱ ኣይሃበን" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልከቱ። "ነቲ ዝፈርሆ ነገራትን ዘህድሞ ሓሳባትን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዘለዎ ስልጣ ዘለዎን ዝዕቈበሉን ቦታታት ይሓድጎ። ብጭካነ ዝመልኦ ኣብነት፣ ነቲ በሊሕ ፍርዲ ደቂ ሰባት እኳ ከይፈርሐ ብዘይ ሓለዋ ንበይኑ ናብ ቤተ መቕደስ ይመጽእ፣ ርእሱ ኣድኒኑ ድማ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ቐረበ።"

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም "ሓደ ሰብ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን፣ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእሱን፣ ኣብ ቅድሚ ኻልኦትን ብቕንዕና ብምቕራብ እምበር፣ ንረብሓኻ ብምርኣይ ወይ ጕድልነታትካ ብምሕባእ ኣይኰነን" ዝኽወን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ ንፈሪሳዊ ከም ሓደ ብትዕቢት ቍስሉ ዝሓብእ ሕሙም ምስቲ ተቐባሊቐረጽ ክምቲ ምእንቲ ኺሓዊ ኢሉ ብትሕትና ንቝስሉ ዝቕበል ሰብ ከመሳስሎ ይርከብ ብምባል፦ "እዚ ሕማሙ ክቕበል ዘይሓፈረ ተቐባሊ ቐረጽ፣ ሓወዩ ናብ ቤቱ እንተ ተመልሰ ኣየገርመንን እዩ" በሉ።

"ጌጋታትና ኣፍልጦ ንምሃብ ኣይንፍራህ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ምእመናን ኣብነት እዚ ተቐባሊ ቀረጽ ብምስዓብ ንድኽመቶም ኣፍልጦ ክህቡ ኣተባብዕዎም፦ "ጌጋታትና ኣፍልጦ ንምሃብ ሓላፍነት ብምውሳድን፣ ንምሕረት ኣምላኽ ብሕድሪ ብምውፋይን ንምግላጽ ኣይንፍራህ" ክብሉ ውን ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም፣ እዚ ናይ ትሕትና መገዲ ውሽጣዊ ምሕዋይን ዕቤትን ከም ዘውህብን፣ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትዓቢ ከም ዝገርን ብምግላጽ ድማ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

27 Oct 2025, 17:01