2025.10.05 Giubileo del Mondo Missionario e Giubileo dei Migranti 2025.10.05 Giubileo del Mondo Missionario e Giubileo dei Migranti  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. መራሕቲ ዓለም ኣብ ቃዛ ስምምዕን ሰላምን ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሞም ኣብ ዝለገሰዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታትን፣ ነቲ "ዓብዪ ስቓይ" ሕዝቢ ቃዛን፣ ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ "ጸረ-ሴማውንት ዝኾነ ጽልእን" ኰነንዎ፣ ስምምዕን ሰላምን እስራኤካውታብብ ሃማስን "ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ" ክፍጸም ተስፋ ከም ዝገብሩ ውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ዝርርብ "ተወፋይነት" ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ድማ ኣብዚ ቐረባ እዋን "ኣገዳሲ ስጕምትታት ንቕድሚት" ከም ዘርኣየ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም፣ እቲ ስምምዕ "ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ" ክዛዘም ተስፋ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፣ ምእመናን "ፍትሓውን ነባርን ሰላም" ንምርካብ "ኣብ ጸሎት ሓድነት ክህልዎም" ውን ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ዘለዉ ፍልስጥኤማውያን ዘጋጥሞም ዘሎ "ብርቱዕ ስቓይ" ኣመልኪቶም፣ "ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑኑ ኣሎ" ብምባል ካብ ቤት-ልሄም ንዝመጹ ጉጅለ ነጋድያን ሰልምታ ኣቕረቡሎም።

ብፍላይ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማንቸስተር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ምኵራብ ኣይሁድ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ ድማ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ-ሴማውነት ዝኾነ ጽልኢ" ከም ዘተሓሳሰቦም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ንግደት ኢዮቤል ልኡካነ ወንጌልን ስደተይናታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ንግደት ኢዮቤል ልኡካነ ወንጌልን ስደተይናታትን   (@Vatican Media)

ቤተክርስትያን 'ምሉእ ብምሉእ ወንጊላዊት ልእኽቲ' እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ንንግደት ኢዪቤል ልኡካነ ወንጌልን ስደተይናትን ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ፈኲስ ዝናም እናሃለወ ኽነሱ ስለቲ ኣብኡ ንምጽናሕ ስለ ዘርኣይዎ ተጋድሎ ኣመስገንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ወንጌላዊት ልእኽቲ እያ" በሉ፣ "ልኡካነ ወንጌልንን ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን

 ድማ ነዚ ኢዮም ዘዘኻኽሩና" በሉ። ወሲኾም ድማ "ወላ ሓደ ሰብ እኳ ብምኽንያት እቲ ኸም ወጻእተኛታት ወይ እተሸገሩ ሰባት መጠን ዳግም ክሳደድ ወይ ኪምዝመዝ ወይ ክግፋዕ የብሉን ።  ሰብኣዊ ክብረት ወትሩ ቐዳምነት ኪወሃቦ ኣለዎ" ክብሉ ኣጽኒዖም ተላበዉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ እቶም ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ፊሊፒንስ ብዘጋጠመ 6.9 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምእንቲ ዝተጐድኡ ሰባት ይጽልዩ ኸም ዘለዉ ውን ገሊጾም።

"ነቶም ፍቑራት ህዝቢ ፊሊፒንስ ዘሎኒ ጥብቕ ቅርበት እገልጽ" ብምባል ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት "ሓድነትን ደገፍትን ክግበረሎም" ውን ተማሕጺኖም።

06 Oct 2025, 13:06