ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተልእኾ ወንጌላዊ ጸዋዕታ እንደገና ኣፍልጦ ንምሃብ የተባብዑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንንግደት ኢዮቤል ተስፋ ልኡካነ ወንጌልን ስደተይናታትን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ክልተ ኣርእስትታት እቲ እተጸዋዕናሉ ጸዋዕታ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣተኲሮም ኣስተንተኑ።
ወንጌላዊ ተልእኾ ርክብን ልግስን ሕውነትን ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረን ክፍሊ ናይቲ "ንዅሉ ወዲ ሰብ ሓጐስን ምጽንናዕን ወንጌል ዝህብ" ብፍላይ ኣገልግሎት ኮይኑ፣ ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ሽግር ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት ዘሎና ግዴታን ባህግን ኣብ ምፍጻም ዝተመርኮሰ ምዃኑ ገሊጾም። ንስደተኛታት ክዝክር ከሎና፣ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት ሃገሮም ገዲፎም ክወጹ ከም ዝግደዱ "መብዛሕትኡ ግዜ ከአ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ሓዲጎም ናይ ፍርህን ጽምዋን ለይቲ የሕልፉ፣ ኣድልዎን ዓመጽን ድማ ብቐጥታ የጋጥሞም ከም ዘሎ ንዝክር" ብምባል ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።
ወንጌላዊ ተልእኾ ግደ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ
ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዎ ሃዋርያዊ ማዕዳን ሓሴት ወንጌል ብምጥቃስ ድማ፣ "መላእ ቤተ-ክርስትያን ወንጌላዊ ተልእኾ ዘለዋ እያ፣ ህጹጽ ጉዳይ ከም ምዃኑ ከአ፣ "ከይሰልከና ኣብ ኵሉ ቦታታትን ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታትን ብዘይ ምጥርጣርን ፍርህን ወንጌል ክንሰብኽ ኣሎና" ብምባል ኣጕልሑ። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ኣብ ውግእን ምጕዳል ፍትሕን መከራን ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ ኸባቢታት ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምብጻሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ተስፋ ወንጌል ንምስማዕን ንምርካብን ከምኡ ውን ምጽንናዕን እምነትን ኬደልድልን ይኽእል እዩ”።
ድሕነት ብዝንበር እምነት
እቲ ካብ እምነት ዝምንጩ ናይ ወንጌል ተስፋ ድሕነትን ክምኡ ውን ሓድሽ ህይወትን ንመነባብሮና ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ህያው መሳርሒ ናይቲ "ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ከምጽኦ ዝደሊ ምድሓን" ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምስ እንከናኸኖም፣ ከምኡ ብምግባርና ፍቕሪ ኣምላኽ ናብ ዓለም ምስ እነምጽእ ድሕነት ይፍጸም ከም ዘሎ ገለጹ።
ዘመን ልኡካነ ወንጌል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ድኽነትን ስቓይን፣ ዝያዳ ተስፋ ናይ ምርካብ ባህግን ናባና ስለ ዝበጽሐ፣ ዶባት ናይ ግድን ምስ ጂኦግራፊ ወይ ናብ ርሑቕ ሃገራት ምስ ምኻድ ስለ ዘይተኣሳሰር፣ ሓድሽ መዋእል ተልእኾ ወንጌላውነት ይመጽእ ከም ዘሎ ገለጹ። ነዚ ኣብ ክውንነት ንምውዓል፣ "ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን" ከምኡውን ኣብ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ከይተርፉ ብምፍራህ ካብ ዓመጻን ስቓይን ከይወጹ "ኣውያት ጓህን ተስፋ ምቝራጽን" ከስምዑ ንርእዮም ኣሎና ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
"ኣሕዋተይን ኣሓትን እተን ውሕስነት ዘለዎ ወደብ ኪርእያ ተስፋ ዚገብራ ጃላቡ ከምኡውን እተን ናብ ገምገም ባሕሪ ኺበጽሓ ዝደልያ ብጭንቀትን ተስፋ ቍርጸትን ዝመልኣ የዒንቲ ዘይምግዳስ ወይ ውርደት ከምኡ ውን ኣድልዎ ኺረኽባ ኣይክእላን እየን ኪረኽባ ውን የብለንን።"
ስለዚ ንተልእኾና "ብህይወት ምንባር" ማለት "ንክርስቶስ ብምቕባልን ብምእዛዝን፣ ብድንጋጸን ብሓድነትን" ወንጌል ምስባኽ ከምኡውን ንክርስቶስ ብምግላጽ ካብ ገዛእ ርእስና ሓሊፍና ኣብ ምጥማት "ክንጸንዕን ኣእዳውናን ልብናን ክንከፍተሎምን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንቅበሎምን ከምኡውን ምጽንናዕን ተስፋን ክንህቦም ምኽኣል" ማለት እዩ።
ናይ ወንጌላዊ ተልእኾ ምትሕብባርን ጸዋዕታን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ብዛዕባ ክልተ ኣገደስቲ ዕማማት ብምግላጽ - ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያን ሓድሽ ተልእኾ ወንጌላዊ ምትሕብባር ምትብባዕን "ጽባቐን ኣገዳስነትን" ጸዋዕታ ልኡካነ ወንጌል ምግንዛብን ኣድላዪ ኢዩ በሉ። እዚ ሕውነታዊ ምትሕብባር እዚ ንቤተ-ክርስትያን ከሐድሳን "ዝያዳ ክፍትን ህያውን፣ ዝያዳ ተግባራውን ክርስትና" ክዕቅብን ስለ ዘኽእለና፣ ክንቅበሎ ዘሎና "ዕድል" ከም ምዃኑ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ብፍላይ ኣብ ኣውሮጳ፣ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ዘድልየን ሃገራትን ኬገልግሉ ዚኽእሉ ምእመናንን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ካህናትን ዜጠቓልል ጸዋዕታ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደስቲ ሓሳባት ከም ዘድሊ ውን ሓበሩ፣ ንመንእሰያት ዚስሕብን ዜነቓቕሕን ጸዋዕታን ተመክሮታትን ድማ የድሊ ኢዩ ክብሉ ተላበው።
"ፍቑራት ኣሕዋተይ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዘለዉ ጓሶት ነፍሳትን፣ እተን ፍሉያት ኣብያተ ክርስትያናት ልኡካነ ወንጌልን፣ ነቶም ብዛዕባ ጸዋዕታ ዘስተንትኑን ዘለዉ ሰባት ብፍሉይ እባርኾም ኣሎኹ። ንስደተኛታት ከአ ኵሉ ሳዕ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እብል ኣለኹ! ነቲ እተሳገርኩሞ ባሕርን ምድረ በዳታትን፣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምድሓን ገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ "ናይ ምድሓን ቦታታት" ኢለ ውን እሰምዮ ኣሎኹ። ነዚ ገጽ ኣምላኽ እዚ ኣብቶም እትረኽብዎም ልኡካነ ወንጌል ክትርእይዎ ድማ ተስፋ እገብር። ነፍሲ ወከፍና ንመንግስቲ ክርስቶስ ማለት ንመንግስቲ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ተሓባበርቲ ምእንቲ ኽንከውን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ትድግፈና" ክብሉ ውን ስብከቶም ዛዘሙ።
