ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማዳጋስካር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ይጽውዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማዳጋስካር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ይጽውዑ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማዳጋስካር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማዳጋስካር ብዘጋጠመ ጎነጻዊ ግጭታት ንዝተጎድኡ ሰባት ይጽልዩን ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ብምስጓም "ማሕበራዊ ስኒት ንምድንፋዕ" ጻዕርታት ክግበር ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ብጉጅለታት መንእሰያት ዝምራሕ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ዝወረደ ሞትን ማህሰይትን ከም ዘሕዘኖም ዕለት 1 ጥቅምቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕቆ መደረ ገሊጾም፣ ኣብ መንጎ ሓይል ጸጥታን ኣደመይናታትን ዝተፈጸመ "ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት" ጠቒሶም፡ "ገለ ካብኣቶም ሞይቶም ኣስታት ሚእቲ ድማ ቆሲሎም" እንክብሉ ማሕበራዊ ስኒት ንምድንፋዕ ጻርዕታት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብመሰረት ዳሕረዋይ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሚእቲ ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣመልኪቱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ኩሉ ግዜ ክውገድ፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ምድላይ ማሕበራዊ ስኒት ብምድንፋዕ መገዲ ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ክተባባዕ ናብ ጎይታ ንጸሊ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኩነታት መነባብሮ ዝድርኾ ተቓውሞታት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያን ኔፓልን ብዝተኻየደ ተቓውሞ እቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝተኻየደ እታ ሃገር ካብ ዝረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቁጠባውን ማሕበራውን ስቓይ ዝወለዶ ኮይኑ፣ ውሱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ምፍራስ ትሕተ-ቅርጺ፡ ቀጻሊ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤለትሪክ፡ ኣቭ ላዕለዋይ መንግስታዊ ደረጃ ዝርእአ ብልሽውና እቶም ኣድመይናታት ከም ዝገለጽዎ ጠንቂ ናይቲ ናዕቢ ከም ዝኾነን፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም፡ ብመንእሰያት ዝምርሑ ጉጅለታት ሰፊሕ ሰልፍታት ኣዋዲዶም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ርእሰ ብሔር ኣንድሪ ራጆሌና ዕለት 29 መስከረም መንግስቲ ክፈርስ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ዘጋጠመ ማህሰይቲ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማዳጋስካር፡ እቲ ዝቐረብ ዘሎ ጸብጻባት ዝሕብሮ ብዝሑ ዝሞቱን ዝቖሰሉን  “ወረ ወይ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ” ዝተመርኮሰ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተገልጸ ቁጽሪ ሞት ከም ዝነጸጎን እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ትማሊ ረቡዕ ሓድሽ ሃገራዊ ናዕቢ ከም እተጸወዐን፡ ሰራሕተይናታት መንግስታዊ ጽላት ኣብ ሓፈሻዊ ኣድማ ክጽንበሩ እውን ጻውዒት ከም ዝቐረበሎም ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ማዳጋስካር ተቒሱ እንከመላኽት። እቲ ዝተለዓዓለ ተቓውሞታት ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ከም እተዘርገሐ የመላኽት።

01 Oct 2025, 17:31