ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ዕጫ ህዝብታት ዝመርሑ: ኣጽዋር ንምፍታሕ ትብዓት ይሃልኹም ይብሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ 30,000 ካብ ዝተፈላለያ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዝመጹ ነጋድያን ተስፋ ወለንተይናታትን ከምኡውን ኣባላት ምንቅስቓሳት ማርያማ ጕጅለታት ጸሎትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዝተመርሐ ጸሎት መቝጸርያን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ከም ዝሓበሩን . . . ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ እዋን ጸሎት መቝጸርያ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ነቶም ምእመናን "ምእንቲ ሰላም ደኺመ ኸይበሉኩም ጸልዩ” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዚ ውህበት ሰላም ካብ ኣምላኽ ክንቅበሎ ኽንጽዕርን ጽኑዕ ተወፋይነትን ክንገብርን ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
'ሴፍካ ኣንብር'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኢየሱስ ቃል “ኣብ መሬት ክወድቕ” ፈጺምና ክንገድፎ ከምዘይብልና ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ጌተሰማንየ ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱ “ሰይፊካ ኣንብር” እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ኣጉሊሖም፡ ኣጽዋር ክፍታሕ ጽኑዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ሰላም ዕጥቂ ዘይብሉን ዕጥቂ ምፍታሕን እዩ። ምሕዝነት እምበር ምዕንቃፍ ዘይኮነስ ሕውነት እዩ፤ ናይ መወዳእታ ስምዕታ ዘይኮነስ ዘተ ማለት እዩ . . . ሰላም “ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዝረኸብናዮ ዓወት ዘይኮነስ ከም ፍረ ናይ ምዝራእ ፍትሕን ትብዓት ይቕሬታን እዩ ዝመጽእ።
“‘ሰይፊካ ኣንብር!’ ንሓያላት ዓለም፡ ነቶም ዕጫ ህዝብታት ዝመርሑ: ዕጥቅኹን ንምፍታሕ ትብዓት ይሃልኹም፣ ማዕረ ማዕሪኡ፡ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ፡ እምነት፡ ወይ ሕግታት ንቕትለት ምኽንያታዊ ክገብሮ ከም ዘይክእል ክንፈልጥ ዝዕድም እዩ። መጀመርያ ልብና ካብ ኣጽዋር ናጻ ምግባር፣ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጥና ሰላም እንተዘይሃልዩ፡ ንኻሎት ሰላም ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሓቀይና ማርያማዊ መንፈሳውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጻውዒት ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ኣብ ወንጌል ኣብ ዘሎ ኣብ ናይ ማርያም ቃላት ዝተመርኮሰ፣ መንፈሳውነት ማርያም ዘነጸብራቕ እዩ . . . “ኣብዚ ናይ ማርያም መንፈሳውነት ኢዮቤል እዚ፡ ንሕና ምእመናን ኣጠማምታና ናብታ ኣብ ናይ ተስፋ ንግደትና እትመርሓና ድንግል ማርያም ንገብር፣ እቲ ሓቀይና ማርያማዊ ውፉይነት” ንናይ ማርያም “ሰብኣውን ወንጌላውን ሰናይ ባህርያት” ምምሳል ከም ዘጠቓልል ብምዝኽኻር፡ “ብዅሉ መከራ ንዝሳቐ ሓውን ሓፍትን ንዅሉ ፍጡራትን ውህበት ርህራሄ” ኪልምኑ ዓደሞም። ነቲ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መወዳእታ “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ!” ዝብላ ኩብራት ቃላት ዘኪሮም፡ “ከም መብራህቲ፡ ማርያም ካብ ገዛእ ርእሳ ንላዕሊ ተመልክት፡ እቲ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ጐይታ ኢየሱስን ቃሉን ምዃኑ ተርኢ።” ወላዲተ እግዚኣብሔር ከምዚ ብምግባር ሕይወትና “ካብ ባዶን ድኻምነትን ናብ ምሉእን ህያውን ነገር ከም እትቕየር” ስለ እትፈልጥ “ንወንጌል ክንነብሮ: ብቆራጽነትን ብሓጐስን ክንነብሮ” ትጽውዓና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝተፈለየ ኣረኣእያ ምቕባል
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምእመናን ብዓይኒ ሓያላት ዘይኮነስ ብዓይኒ “ንኣሽቱ . . . ብዓይኒ መበለት፣ ዘኽታም፣ ጓና፣ ውጉእ ህጻን፣ ስደተይናን” ንፍጻመታት ታሪኽ ክትርጒሙን ክርእዩን “ዝተፈለየ ኣረኣእያ ክሕዙን ዓዲሞም፣ ከምኡ ምግባር ክሳብ ዘይተማሃርና “ዝቕየር ነገር ኣይክህሉን እዩ፣ ሓድሽ ዘመን፣ መንግስቲ ፍትሕን ሰላምን ድማ ፈጺሙ ኣይክበርቕን እዩ . . . ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ “ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም” ዝብል ብጽእና ድሕሪ ምዝካሮም፡ “ኣውያት ድኻታትን ኣዴና መሬትን ክንሰምዕ . . . ኣብ ውፉይ ኣገልግሎት ክንርከብን [ከምኡ’ውን] ንኹሉ ሰብ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብምቕባል፡ ንክርስትያናዊ ፍቕሪ ክንነብርን ክንምስክርን፤ ነቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ደቂ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ ንምስዓብ ካብ ጸልማት ስስዐ ንላቐቕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
