ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ሰላም፣ ኣብ ፔሩ ድማ ምርግጋእ ክህሉን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ሰላም፣ ኣብ ፔሩ ድማ ምርግጋእ ክህሉን ይጽልዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ሰላም፣ ኣብ ፔሩ ድማ ምርግጋእ ክህሉን ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማርያማዊ መንፈሳውነት ኣብ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ዕለት 12 ጥቅምቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ብሓባር ጸሎት መላእከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ሓሳባቶም ናብቲ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ዘይምርግጋእ ዘምጽእ ፖለቲካዊ ዕግርር ዝረአየላ ዘላ ሃገረ ፐሩ ኣቕኒዖም ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንማርያማዊ መንፈሳውነት ኣብ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ዕለት 12 ጥቅምቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ሓሳባቶም ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ብሳዕቤን ግጭትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ካልእ ዓይነት በደልን ዝሳቐዩ ህዝብታት ኣቕኒዖም፣

ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት

ቅድስቲ መሬት እናሓሰቡ፡ “እቲ ናይ ክልተ ዓመት ግጭት ኣብ ኩሉ ቦታ ሞትን ጥፍኣትን ገዲፉ ኣሎ፣ ብፍላይ ኣብ ልቢ እቶም ብጭካነ ደቆም፡ ወለዶም፡ ኣዕሩኽቶም - ኩሉ ዝሰኣኑ . . . ነቶም ዝተጎድኡ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ኣብ ዝጸልመተ ህሞታት ከይተረፈ ነቕ ዘይብል፣ ኣነ ኣፍቀርኵከ ዝብል ህላወ ኣምላኽ ኣናመስከረት ኣብ ጎኖም ከም  እያ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱሰንቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገብረ ስምምዕ ዘተባብዑ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ስዒቡ ከም ዝኾነን ቅዱስነቶም፣ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ነቲ ሕጋዊ ባህጊ ክልቲኦም ህዝብታት እስራኤልን ፍልስጤምን ናብ ዘኽብር “ፍትሓውን ነባሪን ሰላም” ዝወስድ መንገዲ ብትብዓት ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ወዲ ሰብ ነቲ ካልእ “ከም ጸላኢ ዘይኮነስ ከም ሓው” ናይ ይቕረታ ዓቕሚ ዘለዎን ንዕርቂ ዝበቅዕን ምዃኑ ናይ ምርኣይ ክእለት ዳግማይ ክረክብ ከም ዝጸለዩ የመላኽት።

ሰላም ኣብ ዩክሬን

ቀጺሎም ሓሳባቶም ናብ ዩክሬን ገይሮም፣ ነቲ ኣብ ከተማታትን ናይ ሰላማዊ ትሕተ ቅርጽን ዝሃርም ዘሎ ሓድሽ ማዕበል ዓመጽን ዕንወትን ኣማእኪሎም ንህጻናት ሓዊሱ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለን፣ ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ድሌታት ከም ኤሌክትሪክን መውዓዪን ክሕረሙ ይገብር ምህላዉ እውን ገሊጾም፣ እቲ ዓመጽ ከብቅዕ፡ ዘተ ክህሉ፡ ዳግማይ ጻውዒቶም ቅድሚ ምሕዳሶም፡ “ልበይ ምስቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ይሓብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፖለቲካዊ ዕግርግር ኣብ ፐሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነቲ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ዘመን ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ፔሩ እውን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ለውጢ ኣመራርሓን ጽገናን ዝጽውዕ ህዝባዊ ሕቶ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር እናሓሰቡ “ፔሩ ኣብ መንገዲ ዕርቅን ዘተን ሃገራዊ ሓድነትን ክትቅጽል እጽሊ - ቢሎም -

ናይ ሰራሕተይናታት ደሕንነት ምክልኻል

ኣብ መወዳእታ ዕለት 12 ጥቅምቲ ኣብ ኢጣሊያ ሃገራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ሓደጋታት ዝተወፈየ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነቶም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እንከለዉ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክጽለን ናይ ኩሎም ስራሕተይናታት ሓለዋ ክኽበር እውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Oct 2025, 17:34