ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል ናብ ቱርክን ሊባኖስን ክገሹ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል ናብ ቱርክን ሊባኖስን ክገሹ እዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል ናብ ቱርክን ሊባኖስን ክገሹ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 27 - 30 ሕዳር ናብ ቱርክን ቀጺሎም ድማ ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2025 ዝጸንሕ ምብጻሕ ኣብ ሊባኖስ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳርን መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስን ናይዚ ዓመት ናብ ቱርክን ሊባኖስን ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

እዚ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከም ዝኾውን

ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ንዕድመ መራሕቲ ሃገርን ሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያንን ተቐቢሎም” ኣብ ክልቲአን ማለት ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዘካይድዎ  ምጻሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ። እቲ ናብ ቱርኪ ዝገብርዎ ጉዕዞ “ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ ኮይኑ፣ ናብ ኢዝኒክ ዝግበር ንግደት ዘጠቓልል እውን እዩ” ዝበለ ብሩኒ ኣስዒቡ መደብ መገሻ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅድስነቶም ናብ ሊባኖስ "ኣብ ግዚኡ ክግለጽ እዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Oct 2025, 17:52