ር.ሊ.ጳ. ካብ ሕ.መ. ኣሜሪካ ንዝመጹ መራሕቲ ኣገልገልቲ ተጠቀምቲ ቋንቋ ስጳይና ሰላምታ የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ማለት ንዝነኣሰ ንድኻታት ንጓኖት ንዅላቶም ከም ዘይሓድጎም ዚሕብር ምልክት ብሓቂ ዜድልዮም ሰባት ንምስናይ ናብኦም ናይ ምዃድ ዓብዪ ዕማም ኣብ ኢድኩም ኣሎ" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና መደረኦም ኣበጊሶም፣ ነቶም ካብ ልዕሊ 50 ሰበኻታት ዝመጹ ነጋዲያን ዝሓቘፈት ጕጅለ ዝመርሓ ኤሊዛቤት ሮማን ኣደ መንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ንተጠቀምቲ ቋንቋ ስጳይና ከም ዝኾነትን፣ ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ናይ ኣቀባብላ መሰኻኽር
ነቶም ኣጋይሽ "ሰማእትነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዚርከበሉ ቦታ" እንክብሉ ናብ ዝገለጽዎ ሃገረ ቫቲካን "ምምጻእኩምን ምስኻትኩም ክራኸብ ምኽኣለይ የሐጕሰኒ እንክብሉ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ኣገልግሎት ንማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ቋንቋ ስጳይና ኣገዳስነቱ ኣጕሊሖም፣ "እትህብዎ ኣገልግሎት ብንጹር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስክርነት እዩ - ምናልባት ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም፣ ብውግእን ዓመጽን ጽልእን ብዙሕ እትሳቐ ኣብ ዘላ ዓለም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ንሕና ኣካል ክርስቶስ ኢና”
ኣብ መደምደምታ ድማ "ንሕና ሰዓብቲ ኢየሱስ ከም ምዃንናን ከም ደቀ መዛሙርትን መጠን ወንጌል ክንነብር እንደሊ ኢና" እንክብሉ ብምዝኽካር፣ ኣስዕብ ኣቢሎ ድማ "ስለ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ አመስግነኩም ኣምላኽ ይባርኽኩም የበርትዓኩም ልብኹም ከኣ ኵሉ ሳዕ ብእምነትን ተስፋን ምሉእ ይኹን፣ እዚ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ፍረ ጸጋ ኣምላኽ ዝዀነ ትእምርቲ ንኻልኦት ምእንቲ ኸተካፍሉ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ኣገልግሎት ንማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ቋንቋ ስጳይና ናይ ወንጌላውነት ተልእኾ ንድንግል ማርያም ሕድሪ ብምሃብ ኣቡነ ዘበ ሰማያትን ሰላም ለኪን ጸሎት መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ “Somos el Cuerpo de Cristo - ንሕና ኣካል ክርስቶስ ኢና" ዘርእስታ መዝሙር ቀሪባን ንኹሎም ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ድማ ሓደ ብሓደኣ ሰላም ከም ዝበሉን ኣፍሊጡ።
