2025.10.26 Santa Messa per il Giubileo delle Equipe Sinodali e degli Organi di partecipazione 2025.10.26 Santa Messa per il Giubileo delle Equipe Sinodali e degli Organi di partecipazione  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ትሕትን ተቐባሊትን ቤተ ክርስትያን ንህነጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ጕጅለታት ሲኖዶስን ንተሳተፍቲ ኣካላትን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ኵሉ ወድሰብ ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል እተነበልና ምሳሌ ዘሎ፣ ተቐባሊ ቀረጽ ገዛእ ርእሶም ከትሕቱን ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘሎ ውጥረት ሓድነት ክሃንጹን ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንንግደት ኢዮቤል ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን ንዅሎም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ብዛዕባ "ምስጢር ቤተ-ክርስትያን" ከስተንትኑ ዓደምዎም። ቤተክርስትያን ኣስተዋጽኦን መዋቕርን ዘለዋ ሃይማኖታዊት ትካል ጥራይ ከም ዘይኰነት ውን ኣዘኻኸርዎም። ኣብ ክንዳኡስ ቤተ-ክርስትያን "ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ናይ ዘሎ ሓድነት ትኡይ ምልክት" እያ፣ ኣምላኽ ንዅሉ ንወድሰብ ብዘለዎ ፍቕሪ ከም ብሓድነት ዝቖመት ስድራ ቤት ኰይና ክነብር ኢዩ ዝኣኻኸበና።

እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተፈጥረን እተዓቀበን ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት እንታይ ማለት ምዃኑ ብምስትንታን ድማ፣ ቅዱስነቶም  እቶም ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን እንታይ ምዃኖም ክንርዳእ ከም እንኽእል ገለጹ።

"ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ከም ዘጋጥም ዘሎ ውን ይገልጹ፣ ርክባት ንርትዓዊ ሓይሊ ዘይኰነስ ንርትዓዊ ፍቕሪ ኣምላኽ ምላሽ ዝህብ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስትና እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር መንፈሳዊ ህይወት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ፍቕሪ እታ ዝለዓለ ግዝኣተ ሓይሊ ኢያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ንዅሎም እቶም ተሳተፍቲ ፍቕሪ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እቲ ዝለዓለ ሕጊ ምዃኑ ክዝክሩ ውን ተማሕጸንዎም። "ኪገዝእ እተጸውዐ የልቦን። ኵላትና ከነገልግል እተጸዋዕና ኢና" ክብሉ ውን ገለጹ፣ "ዋላ ሓደ ሰብ እተገለለ የልቦን። ኵላትና ክንሳተፍ ተጸዊዕና ኢና"።

ንግደት ኢዮቤል ዓመተ ተስፋ ኣባላት ጉጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን
ንግደት ኢዮቤል ዓመተ ተስፋ ኣባላት ጉጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን   (@Vatican Media)

ስለዚ ኵላትና ብሓባር ንሓቂ ኽንደሊ ተጸዊዕና ኣሎና። እዚ "ሓባራዊ ጻውዒት" እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ሕብረት ንኽህልወና ዝቐረበልና መጸዋዕታ ድማ የረጋግጽ። ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ነቶም ቅድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ዘመነ ጾም ለበዋ ብዛዕባ "ብሓባር ምምልላስ" ዝብል ሓሳብ ኣስተንተኑ። እቶም ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ክርስትያን ምእመናን ኣብ ጐድኒ ኻልኦት ኮይኖም ክመላለሱ ደኣ እምበር ንበይኖም ተነጺሎም ዝኸዱ ተጓዓዝቲ ዀይኖም ከይመላለሱ ተጸዊዖም እዮም" ከም ዝበሉ ውን ዘከሩ።

ብሓባር ግን ከአ ብብሕቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ እቶም ፈሪሳውያንን እቲ ተቐባሊ ቐረጽን ካብቲ ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ምሳሌ ዝጐድሎም ነረር እንተሎ ጸዋዕታ ብሓባር ንምጕዓዝ ምዃኑ እን ኣጕልሑ። ኣብ ሓደ ቦታ እኳ እንተ ነበሩ፣ ተኸፋፊሎም ኣይራኸቡን ውን ኢዮም ዝንበሩ። "ክልቲኦም ኣብ ሓደ መንገዲ እዮም ዝጕዓዙ ዝንበሩ፣ ግናኸ ብሓባር ኣይመላለሱን ነበሩ። ክልቲኦም ናብ ኣቦ ይጽልዩ ግናኸ ሕውነትን ሓባራዊ ነገራትን የብሎምን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ ምፍልላይ እዚ ልዕሊ ዅሉ ካብቲ ፈሪሳዊ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዝምንጩ ምዃኑ ገለጹ፣ ከመይሲ ጸሎቱ "ናብ ኣምላኽ ገጹ ዘበለ እኳ እንተ መሰለ ንገዛእ ርእሱ ዝርእየሉን ዘመጻድቐሉን ዝውድሰሉን መስትያት ጥራይ እዩ ዝነበረ" በሉ። ካብቲ ናይቲ ተቐባሊ ቀረስ ዚበልጽ ኰይኑ ይስምዖ ክንዲ ዝንበረ ብንዕቀት ድማ ይጥምቶ። ስለዚ ኣብቲ ምስ ኣምላኽን ካልኦትን ዘለዎ ርክብ ዘይኰነስ ኣብ ርእሱ እዩ ዘተኰር ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስትያን ውን ኼጋጥም ከም ዚኽእል ኣጠንቀቑ። ኣንነት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ምስ ዚዕብልል እዚ ድማ ናብ ውልቀ-ሰብ ዝመርሕ፣ ንሓቀይናን ሕውነታውን ርክብ ዘይከኣል ይገብሮ። ሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ዝበልጽ ኰይኑ ኺስምዖ ኸሎ እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ፈሪሳዊ ኣብ ክንዲ እነተኵር፣ ናብቲ ተቐባሊ ቐረጽ ክንጥምት ከም ዘሎና ገለጹ ቅዱስ ኣቦና። ትሕትናኡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕድናን ኸም ዜድልየና የዘኻኽረና። ክርስቶስ ካብቶም ትሑታት ስለ ዝዀነ ንሓድሕድና ኽንሰምዕን ክንፋቐርን ብሓባር ክንመላለስን ኣሎና ክብሉ ተላበው።

ኣብ መንጎ ውጥርያት ሓድነት ምህላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ኣብ ስብከቶም፣ ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን ከመይ ገይሮም ምስሊ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዘንጸባርቑ ኣጕሊሖም። ንመንፈስ ቅዱስ ብመንፈስ ምይይጥን ሕውነትን ግሉጽነን (ንሓቂ ብግሉጽነትን ብትብዓትን ብምስካን) ጽን ምባል፣ ንኣምላኽ ኣብ ምድላይ ውን ብሓባር ክንመላለስ ንዝቐርበልና ጻውዒት ምላሽ ክንህበሉ ንኽእል ኢና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንሕማማት ክርስቶስ ብምልባስ፣ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቦታ ብኸነስፍሖ እንኽእል ሓድነታዊ ባህ ዜብልን ተቓባባልነት ዘለዎን ክነብር ኣሎና በሉ። በዚ ኣቀራርባ እዚ ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ውጥርታት ማለት ሓድነትን በበይኑ ዝዓይነቱን ባህልን ሓድሽ ስልጣንን ኣብ ተሳትፎን ብተኣማንነት ክንነብር ንኽእል ኢና ክብሉ ውን ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "እቲ ጕዳይ ንገዛእ ርእስና ናብ ጉጅለታት ብምውዳብ [ነቲ ውጥሪ] ምፍታሕ ዘይኰነስ፣ ብመንፈስ ኪነጽሑ ምፍቃድ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ሓባራዊ ምስትውዓል ኪመርሑን እዩ" በሉ። ኣባላት ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን፣ ናይ ቤተ-ክርስትያን ምስትውዓል ውሽጣዊ ናጽነትን ትሕትናን ጸሎትን ተኣማንነትን ከም ዝሓትት ይርድኡ። ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ጥራይ ውን ኣይኰነን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መወዳእታ ስብከቶም፣ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ነጋድያን "ኣእጋር ደቂ ሰብ ክትሓጽብ እትደንን ትሕቲ ቤተ-ክርስትያን ኪሃንጹን ክተግሁን ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ከምቲ ፈሪሳዊ ንተቐበልቲ ቀረጽ ዘይፈርድ ንዅሉ እትቕበልና ቦታ እትረክብ ቤተ-ክርስትያን ክትከውን" ድማ ተላበውዎም።

27 Oct 2025, 16:52